ሓላዊ ቅድስቲ መሬት ዝነበሩ ኣባ ፓቶን ንጾምን ጸሎትን ጻውዒት ኣቕሪቦም ሓላዊ ቅድስቲ መሬት ዝነበሩ ኣባ ፓቶን ንጾምን ጸሎትን ጻውዒት ኣቕሪቦም 

ኣባ ፓቶን፦ ክርስትያን ክንጥቀመሎም ዘለና ኣጽዋር ጾምን ጸሎትን ጥራይ ኢዮም

ናይ ቅድስቲ መሬት ሓላዊ ዝነበሩ፡ ካብ ሃገረ ዮርዳኖስ፡ ብስም ሰላምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝቅጽል ዘሎ ሓደጋ ኲናት ደው ክብልን ኣብ ዝገበርዎ ጻውዒት፡ ክርስትያን ክንጥቀመሎም ዘለና ኣጽዋር “ጾምን ጸሎትን” ጥራይ ምዃኖም ተማሕጺኖም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"ኵሉ ነገር ብሓይልን ብኣጽዋርን ኪፍታሕ ይኽእል ኢዩ ብዚብል ኣተሓሳስባ ናይ ውግእ ጽላለ ተዋሒጡና ኣሎና። ብዛዕባ እቶም ግዳያት ዝኾኑ ምሕሳብን ምጭናቅን ቀጻልን ዓሚቝን ኢዩ" ክብሉ ሓላው ቅድስቲ መሬት ዝነበሩ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ጓሂኦም ገሊጾም።

ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዚርከብ እምባ ነቦ ኰይኖም ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኣዕዒንቶም ኪኖ እቲ ንመንግስቲ ሃሺማውያን ካብ እስራኤልን፡ ፍልስጥኤምን ዚፈሊ ምዉት ባሕሪ ናብ ኵሉ ዓለም ኣተኲሮም ዝሃብዎ ቃል ኢዩ ።

"መዓልታዊ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሊባኖስ በይሩትን፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ኣብ ደቡብን ሰሜንን ዝነብሩ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝፍተኑ ንዘለዉ ኣሕዋተይ መነኰሳን እሓስብ። "እቲ ኣብ ጢሮስ ዚርከብ ገዳም ናብ ሰፈር ስደተኛታት ተቐዪሩ፣ እቶም ኣብ በይሩት ዚነብሩ ሰባት ከኣ፡ ነቶም ናብ ዝኸድዎ ዘይብሎም ሕዝቢ ኪሕግዙ ይጽዕሩ ኣለዉ፣ ሕጂ ካብ ጠቕላላ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ፡ ሓደ ሚልዮን ተመዛቢሎም ኣለዉ።"

ድሕሪ እቲ ኲናት እንታይ ክመጽእ ኢዩ?

ኣባ ፓቶን ካብቲ ኣብ ጋዛ እተኻየደ ውግእ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ናይ ዓመታት ተመክሮ ንዘለዎም ሰባት፡ እቲ ውግእ መዛዘሚ እንተ ዘይተጌርሉ "ብዝለዓለ ሓደጋ" ከም ዚዝርጋሕ ንጹር ከም ዝነበረ ተዘክሮኦም ገሊጾም።

እቲ ሓደጋ ግን፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ውግእ እንታይ ከም ዜጋጥም ዚፈልጥ ሰብ ከም ዘየለ ኣጠንቂቖም።

ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እተኻየደ ውግኣት፡ ሓድሽ ዓይነት ግብረ-ሽበራ ተላዒሉ፣ ከም ኣል-ቃዒዳ፡ ISIS፡ ሂዝቦላህ፡ ከምኡውን ሓማስ ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ጕጅለታት ተላዒሎም። ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ እቲ ብፖለቲካዊ መገዲ ዘይተፈትሐ ግጭታት እዮም ተወሊዶም፣ እዚ ኵሉ ድማ ብእተፈልየ መገዲ ኪፍታሕ ዚግባእ ግጭታት፡ ወተሃደራዊ መፍትሒ ንምርካብ እተገብረ ፈተነ ኢዩ።"

ዘሕዝን ፍጻመ ፍልስጤም

ኣባ ፓቶን ቀጺሎም፡ ኣድህቦኦ ናብ ቃዛ ብምግባር ነቲ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ብላቲናዊ ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ዝቀረቡ ሓሳባት ደጊሞም ኣቃሊሖም።

እቲ ቦታ ከም ዝዓነወ፡ ሰባት ዳርጋ ኣብ ቃልዕ ይነብሩ ከም ዘለዉ፡ ከምኡውን ካብቲ ከቢድ ጥሜት ንላዕሊ፡ "ጸገማት መድሃኒትን፡ ጸጥታን፡ መሰረታዊ መሰላትን፡ ሰብኣዊ ክብርን ጐዲልዎ ከም ዘሎ ኣጕሊሖም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ቦርድ ሰላም ተባሂሉ ዚጽዋዕ እኳ እንተሎ፡ ገና ኪዓዪ ዘይጀመረን ካብ ናይ ስራሕ ክውንነት ንላዕሊ ምትሃት ዚመስል ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሰፈራት እስራኤል ምስፋሕ ይቕጽል ኣሎ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ድማ ተመዛቢሎም ኣለዉ። "እቲ ወራራ ይቕጽል ኣሎ፣ ዓመጽ እውን ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ ኣቦና ፓተን ወሲኹ "እታ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ከባቢ ናብሉስ ካብ እተቐትለት ምልእቲ ስድራቤት፡ ሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ ጥራይ ብሕይወት ተሪፉ" ብምባል ነቲ ዘሕዝን ኵነት ገሊጾም።

ብተወሳኺውን "ምዕራባዊ ገማግም ንኸይህሉን፡ ፍልስጤማውያን ናይ ገዛእ ርእሶም መሬት ንኸይህልዎምን፡ መሰረታዊ መሰላት ንኸይሕልዉን ዚኽልክል ሕጋዊ ተበግሶታት ኣሎ፣ ንኣብነት ዞባታት ፍልስጥኤም ኣብ መዝገብ መሬት እስራኤል ምምዝጋብ ወይ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ፍልስጤም ዲግሪ ዘለዎም መምህራን፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ እስራኤል ኪምህሩ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ።"

እዚ ኵሉ "ንሕዝቢ ፍልስጤም፡ ካብቲ ንኣሽሓት ዓመታት ዝነብሩላ መሬት ንምስጓጕ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ዝወርድ ጸቕጢ" ኢዩ።

እቲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዘስዓቦ ከቢድ ቍጠባዊ ቕልውላው፡ ኣብ ዮርዳኖስ እውን ብምኽንያት ዘይምምጻእ ነጋድያን ብኸቢድ ተጸልያ ትርከብ።

"ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ቍጽሪ በጻሕትን ነጋድያንን እተወሰነ ምምሕያሽ ርኢና፣ ሕጂ ከኣ ብሃንደበት ዳርጋ ናብ ባዶ ወዲቕና። እዚ ብፍላይ ነቶም ኣብ ቅዱስ ቦታታት ዚሰርሑ እሞ ሕጂ ብዘይ ስራሕ ወይ ንስድራ ቤቶም ዝዕንግሉሉ ነገራት ዘይብሎምን ዝሃሲ እምበር፡ ንክርስትያን ጥራይ ዝጸሉ ኣይኰነን” ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።

ንክርስትያናት ዚኸውን እንኮ ኣጽዋር

ኣባ ፓቶን፡ እዚ ሓደጋ ኲናት እዚ ደው ንምባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝያዳ ሓላፍነት ክወስድ ከም ዘለዎን፡ "ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ድማ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ለውጢ ክህሉ ኣለዎ" ዝብል እምነት ኣለዎም።

ብወገን ቤተ-ክርስትያን ክርአ ከሎ "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ጊዜ ውግእ ዒራቕ ዝገበርዎን፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብ2013 ዝገበርዎን፡  ንክርስትያንን፡ ካብ ኵለን ሃይማኖታት ንዝመጹ ኣመንትን ዝሓቝፍ፡—ንጾምን፡ ምእንቲ ሰላም ዝግበር ጸሎትን ዝኸውን ዓብዪ ምትእኽኻብ" ክግበር ተስፋ ከም ዘሎ ገሊጾም።

"ምስ ኣጽዋር ኪነጻጸር ከሎ ዜስሕቕ ኪመስል ዚኽእል መሳርሒ እዩ፣ እንተዀነ ግን ነቶም ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዝመጹ ኣመንቲ ኬሕብሮም ዝኽእልን፡ ዜነቃቕሕን መሳርሒ እዩ። ነዚ ከኣ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ “ዕጥቁ ዝፈትሐን፡ ዕጥቂ ዘፍትሕን ሰላም” ክብሉ ይጠቕስዎ።

ኣመንቲ "እተን እንኮ ክንስከመን ዝፍቀዳልና ኣጽዋር፡ ጾምን ጸሎትን ጥራይ ኢየን" ብምባል ቃሎም ዛዚሞም።

 

20 Mar 2026, 11:06