ድለ

2026.03.18 ካርዲናል ፓሮሊን ንትራምፕን እስራኤልን፡ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣቋርጽዎ! 2026.03.18 ካርዲናል ፓሮሊን ንትራምፕን እስራኤልን፡ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣቋርጽዎ! 

ካርዲናል ፓሮሊን ንትራምፕን እስራኤልን፡ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣቋርጽዎ!

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ጎድኒ ብዛዕባ ኣጎስጢኖሳዊ ተክለ ሰብነት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 እተዘንትው መጽሓፍ ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ካብ ጋዜጠይናታትን ንዝቐረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ምስ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትራምፕ ገጽ ንገጽ እንተዝራኸቡ "እቲ ሓቀይና ምዕባለ ዘሰክፍ ሓደጋ ኣብ ቀረባ ስለ ዝኾነ ብዝተኻእለ መጠን እቲ ግጭት ቀልጢፍኩም መወዳእታ ግበሩሉ" ክብልዎ ከም ዝደልዩ የካፍሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዚርከብ ናይ ኢጣሊያ ህዝባዊ ባይቶ ሕንጻ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ ዝቐረበ ልዮን መበል 14 - ኣነ መን እየ ትብሉኒ? ኣነ ወዲ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ እየ፡ ብዝብል ኣርእስቲ ብጋዜጠይና ቫቲካን ኢግናዚዮ ኢንግራው ከምኡውን ብኣጉስጢናዊ ካህን ኣባ ጁዘፔ ፓጋኖ እተጻጻሕፈት ብቤት ማሕተም ካንታጋሊ ዝተሓትመት መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ፣ ዝተሳተፉ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ ኣህጉራዊ ዅነታት ብዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዘቕረብዎ ሕቶታት መልሲ ከም ዝሃቡን ምስ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፊት ንፊት እንተትራኸቡ እንታይ ምበልኩምዎ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ "እቲ ዘሎ ሓደጋ ኣዚዩ ናብ ዝኸፈአ ገጹ እዩ ዘብል ዘሎ ስለዚ ቀልጢፍካ ደው ኣብሎ፡ ንሊባኖስ ድማ ግደፉዋ" ምበልኩዎ - ቢሎም - ናብ እስራኤላውያን ተመሳሳሊ መልእኽቲ አቕርብ፡ ብሓቂ “ዝኾነ ክህሉ ዝኽእል - ወይ ኣሎ ኢሎም ዝኣምንዎ ጸገማት - ብሰላማዊ መንገዲ ስነ ሜላዊ ርክብ ዘተን ክፈትሕዎ ክጽዕሩ ኣለዎም።”

ካርዲናል ፓሮሊን ቀጺሎም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስራሕ ከመይ ከም ዝመስል ንዝቐረበሎም ሕቶታት እውን እንክምልሱ፡ “ምስኦም ምስራሕ ብሓቂ ቀሊል እዩ። ሰናይ ዘተ እውን ኣሎ፡ ፍረ ዘለዎ ምልውዋጥ ኣሎ። ብዙሕ ኣብ ምስማዕ ዘድህቡ እዮም፡ ጽቡቕ ዝምድናን ርክብን እውን ኣሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

19 Mar 2026, 16:36