ድለ

ካርዲናል ፒዛባላ: ስም ኣምላኽ ንውግእ ምጥቃም እቲ ዝኸበደ ሓጢኣት እዩ ካርዲናል ፒዛባላ: ስም ኣምላኽ ንውግእ ምጥቃም እቲ ዝኸበደ ሓጢኣት እዩ 

ካርዲናል ፒዛባላ: ስም ኣምላኽ ንውግእ ምጥቃም እቲ ዝኸበደ ሓጢኣት እዩ

ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ኣብ ቅድሚ ቀጻሊ ግጭትን ሞትን ምምዝባልን ምፍልላይን ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓቂ ክቕጽል ከም ዘለዎን፡ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብ ውግእ ዝሞቱ እምበር ምስቶም ስሙ ብዘይግቡእ ምስ ዝጥቀሙ ከም ዘይኮነ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነዚን ካልእን ኲናት ንምምኽናይ ስም ኣምላኽ ምጥቃምን ምትላልን ዝኸበደ ሓጢኣት እዩ” እንክብሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ብናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘዕኑ ዘሎ ግጭት ኣማእኺሉ ኣብ ዝተካየደ መድረኽ ዘተ ኣስተብሂሎም፡ “ኲናት ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ፖለቲካውን ከም መብዛሕትኡ ውግኣት ኣዝዩ ንዋታዊ ረብሓታት ዘለዎን እዩ። ነዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይኮነስ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዝዛረብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ቋንቋ ቦታ ከይህልዎ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኣሎና - ቢሎም - ኣስዒቦም ብዛዕባ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ውግእ መዝሙር 144 ጠቒሱ እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ ብእግዚኣብሔር ዝተባርከ እዩ ዝበሎ ብምዝካር፡ “ከም ኣመንቲ (...) ኣይፋልን ሓድሽ መስቀላዊ ውግእ ክህሉ የብሉን ክንብል ይግብኣና። እግዚኣብሄር ኣብዚ ውግእ እንተሃልዩ፡ ምስቶም ዝሞቱም ዝሳቐዩን፡ ኣብ ሕሱም ዝሳቐዩ ዘለዉን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝጭቆኑ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ እዩ ዘሎ። እዚ ግርጭት እዚ ብሓደ ወገን ወይ በቲ ካልእ ወገን ሃይማኖታዊ ትርጕም የብሉን፡ ሃይማኖታዊ ምድንጋራት ግን ኣሎ: እቶም ሃይማኖት ናብኡ ኬምጽኡ ዚደልዩ ሰባት ስም ኣምላኽ ዝምዝምዙ እያቶም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ

ከምኡ’ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተኹሲ ደው ምባልን ዘተ ክህሉን ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ገይሮም እዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ጸማማት እዝኒ ክወድቕ ይኽእል እዩ፣ ቤተ ክርስቲያን ግን ብዛዕባ ክውንነት ክትዛረብን ኣብ መጻኢ ወፍሪ ንምግባር ብሓባር ደው ክትብል ኣለዋ። "እቲ ኣብ ዓመጽ ዝተሃንጸ ይጠፍእ፤ መጻኢ የብሉን፡ ኣብ ዙርያኡ ባዶነት እውን ይፈጥር፡ ፍርሒ፡ ቂምታ፡ ጽልኢ - ኩሉ እቲ ብቋንቋ ክርስትና ናይ ሞት ዓለም ዝኾነ የሀልው" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተራ መራኸቢ ብዙሓን

ካርዲናል ፒዛባላ ብዛዕባ ሓላፍነት መራኸቢ ብዙሃን ኣብ እዋን ኲናት እንክገልጹ፡ ሓበሬታ ኣካል ናይቲ ግጭት ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ንወግእ ንምምኽናይ ወይ ቅቡል ንምግባር’ውን እዩ ዘገልግል”

በዚ ድማ ጋዜጠይናታት ኣንበብቲ ትርጉም ናይቲ ሓበሬታ ክርድኦም ናይ ምሕጋዝ፣ ቅኑዕ ትርጉም ናይ ምሃብ ወይ እንተወሓደ ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ፈጢሮም ናይ ገዛእ ርእሶም ፍርዲ ክህቡ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ኣለዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ዘሎ ኩነታት

ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ቓዛ ዘሎ ቅልውላውን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ዝተረስዐ ይመስል እንክብሉ ነቒፎም ፡ ኣብኡ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ’ውን ሓቢሮም፡ “ጸገም ጥምየት የለን፡ እንተኾነ ግን ገና 2 ሚልዮን ዝተመዛበለ ምዃኑ ብምዝኽካር እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኩሉ ነገር ዝተሓረሞም ከም ዝኾኑ ገሊጾም፡ 80% ወሽመጥ ቓዛ ዓንዩ እዩ፡ ዳግመ ህንጸት ድማ ኣይተጀመረን፤ 36 ኣባይቲ ሕክምና ብኸፊል ይሰርሓ ኣለዋ፡ እንተኾነ ግን ጉድለት መድሃኒታት ኣሎ፡ እዚ መዓታዊ ኩነታት ኣዚዩ ዘሰክፍ እዩ፡ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቖመ ሽማግለ ሰላም ገና እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኣይተረድኦን: ክብል እኽእል ብዝኾነ መንገዲ ድማ ሓደ ዓይነት ዕሱብ ዓንኬል እዩ፡ ሓማስ ኣጽዋራቱ እንተዘይኣረኪቡ፡ እስራኤል ካብቲ ቦታ ከም ዘይትወጽእ ትሕብር፡ ሓማስ ድማ እስራኤል ካብ ወሽመጥ ቓዛ እንተዝይወጺኣ ኣጽዋር ኣየርክብን ይብል እዚ ብሓቂ መዋጽኦ ዘለዎ ኣይኮነን።

"ብዛዕባ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እንተኾይኑ፡ እቲ ኩነታት ብቐጻሊ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ዓድታት ፍልስጥኤም ብሰፋሮ መጥቃዕቲ ይፍጸም። ሕጂ ዳርጋ ሽሕ መፈተሺ ነቑጣታት ቆዩሙ ኣሎ፤ ፍልስጤማውያን ገና ንኽንቀሳቐሱ ይቃለሱ ኣለዉ፡ ፍቓድ ድማ ብዓቢኡ ተሰሪዙ" እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ምዝጉብ መሬት ዝተኣሳሰር ስጉምትታትን ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ እስራኤል ዝጸደቐ ናይ ፍልስጤማውያን ናይ ስነ ፍልጠት ብቕዓት ኣብ እስራኤልን ኣፍልጦ ከይወሃቦ ዝብል ውሳነን እዚ ድማ ንቤት ትምህርቲ ዝያዳ ቍጠባዊ ጸገማትን ሽግርን ሕጽረት ክርስትያን መምህራንን ዘምጽእ ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ ብምምልካት ፓትሪያርክ ፒዛባላ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 Mar 2026, 09:09