ሰብ ሞያ ጥዕና ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ክንክን ጥዕናን ንምምይያጥ ኣብ ቫቲካን ተጋቢኦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ንተክኖሎጂ "ሰብኣዊ" መንነት ከም ዘለዎ ኣብ ቕባል ዝበለ ፈተናን ወይ ውን ንደቂ ሰብ ከም "መስርሕ" ኣብ ዘውርድ ፈተና ክንወድቕ የብልናን።
እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታት ኣብ ሃገር ቫቲካን ኣብ እተገብረ ዋዕላ ብዛዕባ "ሰብ ዝደርሖ ኣስተውዕሎትን ሥነ ሕክምናን፦ ብድሆታት ሰብኣዊ ክብሪ" ኣብ ዘርእስቱ ጉባኤ እተዘተየሉ ሓሳባት እዩ ዝነበረ።
እቲ ካብ ዕለት 10 ክሳዕ 12 ሕዳር ዝተኻየደ ጉባኤ ብኣህጉራዊ ፈደረሽን ማሕበራት ካቶሊካውያን ሕክምናን (FIAMC) ከምኡውን ብጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ህይወት (PAV) እተወደበ እዩ ዝነበረ።
እቲ ጉባኤ ኣብ ምዝዛሙ ገለ ተሳተፍቲ እንተላይ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ሕይወት ክቡር የኔታ ረንዞ ፔጎራሮን ኣባል እዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ዝኾት ፕሮፌሰር ተሬዝ ሊሳውት ከምኡውን ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሕክምና ዓለም ዶ/ር ኦትማር ክሎይበር ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ጋዜጣዊ መግለጺ ንጋዜጠኛታት ኣቕሪቦም።
ሃይማኖትን ምዕባለ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን
ክቡር የኔታ ሬንዞ ፔጎራሮ ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ፣ "ካብ ሃገር ህንዲ፡ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣውሮጳን፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብዝመጹ ተጋባእቲ እተረኽበ ኣበርክቶ ዓለምለኻዊ ተመክሮታትን ብድሆታትን ንኽንርዳእ ሓጊዙና" ብምባል ዕማም ናይቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣጕሊሖም።
ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ድማ፣ "ጥዕናን ሕማምን ናብ ኣሃዛዊ ሓበሬታ ጥራይ ናይ ምቕያር ሓደጋ" ኣጠንቂቑ፣ "ሓደ ሕማም ብስምዒታትን ፍርህን ስቓይን
ዝቘመ እተሓላለኸ ናይ ህይወት ተመክሮ ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።
"ሕክምና ብሕታዊ ናይ ምግባር ክእለት መተካእታ ዘይብሉ ሕክምናዊ መኸተ እዩ" ውን በሉ። ኣስዒቦም ድማ ብዛዕባ እቲ ቤተ-ክርስትያን ንስነ-ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሓደስቲ ተክኖሎጂታት ኣብ ምምራሕ ዘለዋ ግደ ሓሳባቶም ኣካፈሉ። "ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰሉ መሳርሒታት ብቕጽበት 'ጽቡቕ' ወይ 'ሕማቕ' ሓበሬታ ዘይኰነስ፣ ብኸመይ ከም ዚዓዩ፡ ግሉጽ ኣድልዎ ዘይብሎምን ከምኡውን ኣድልዎ ዝገብር እንተ ኾነን ምርዳእ እዩ ዘድሊ" በሉ።
ክሎይበር፦ ሰባት ምስ ሕሙም ዘለዎም ርክብ ክንኪ የብሉን
ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሕክምና ዓለም ዶ/ር ኦትማር ክሎይበር ብወገኑ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብቕልጡፍ ኣብ ኣገልግሎእት ሥነ መድሃኒት ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ኣመልከተ።
ጥቕምታቱ ብምጥቃስ ድማ ከምዚ በለ፣ ምርመራን ሕክምናን ንምቅልጣፍ፣ ሕክምና ዝያዳ ልክዕነት ክህልዎ ኣብ ምግባር ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ዝያዳ "ብሕታዊ" ንምግባር ከም ዘገልግል ገለጸ።
ይኹን እምበር ብዛዕባ ሓደጋታቱ እውን ኣጠንቀቐ - "ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ነቲ ሰባት ምስ ሕሙም ዘለዎም ርክብ ከነክዮን፣ ነቶም ንሕክምና ክከፍሉ ዘይክእሉ ጥራይ፣ ከኣ ትሑት ዋጋ ዘለዎ ኽንክን ዚህብ መሳርሒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተክኖሎጂ ንቦታ ደቂ ሰባት ብምውራር ውጥረት ክውስኽን ሓድሽ ማሕበራዊ ዘይማዕርነት ክፈጥርን ይኽእል ኢዩ" ክብል ውን ኣተሓሳሰበ።
ክሎይበር ኣስዕብ ኣቢሉ፣ ዜጋታት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኪመርሖ ዘለዎ ኣንፈት ኣብ ምውሳን ወሳኒ ግደ ኸም ዘለዎም ውን ገለጸ። "ከምዚ ዝኣመሰለ ጉባኤታትን ራእያትን ርእይቶታትን፣ እምነትን ተስፋን ዝዋስኡሉ ኣጋጣሚ እዩ ብምባል ውን ብዛዕባ እቲ ዝንበረ ጉባኤ ኣመልከተ። ኣብ ሕክምና ኣጠቓቕማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት መምርሒ ንምውጻእን ንምምራሕን ብሉጽ ኣገዳስነት ኣለዎ" ብምባል ድማ ምሕጽንታኡ ኣቕረበ።
ሊሳውት፦ ንመራሕቲ ውጥን AI ስነ-ምግባራዊ ሕቶታት ምውጻእ
ፕሮፌሰር ተሬዝ ሊሳውት ብወገና፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንተመራመርቲ ስነ-ህይወት ካቶሊካውያን እውን ከይተረፈ ዓብዪ ሓድሽ ብድሆ ከም ዝዀነ ኣጕልሐት።
"ብባህላዊ መገዲ ባዮኤቲክስ ንምዕባለታት ምላሽ ይህብ ኣሎ። ሎሚ ግን ሳላ ዕዮ ጳጳሳዊ ተቅዋም ሥነ ሕይወትን ደገፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ነዚ ጕዳያት እዚ ብንጥፈት ኣብ ማእከል ምይይጥና ከነቐምጦ ንኽእልና ኣሎና፣ ኣብዘን ሰለስተ መዓልትታት ኣብ እተኻየደ ዘተታት ዝረኣናዮ ኣወንታዊ መዳያት ድማ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ" ክትብል ውን መከረት።
ሊሳውት ኣስዒባ፣ ኣብ ሓደስቲ ተክኖሎጂያዊ ምዕባሌታት ዝርአ ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ዜለዓዕል ውዕዉዕ ስምዒትን ግርምቢጥን እተሓላለኸም ከም ምዃኑ ውን ኣስተንተነት።
ከምዚ ድማ በለት፦ "ንሕክምና እዚ ቀረብ እዚ ልክዕ ከምቲ ስታር ትሬክ እተሰምየ ፊል መሳጢ ኮይኑ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ካብ ከም ህንድን ካታሎንያን ዝኣመሰላ ሃገራት እተረኽበ ጸብጻባት ከም ዘመልክቶ፣ እዚ ተክኖሎጂ እዚ ብኸመይ ንክንክን ጥዕና ኸም ዜስፋሕፍሕ ይገብር ከምዘሎ ይሕብር፣ እዚ ኸኣ ነቶም ኣብቲ ዓውዲ ንዘገልግሉ ዘለዉ ሰባት ብዙሕ ተስፋ ክህቦም ኢዩ ዝርከብ ዘሎ" ክብትብል ውን ኣመልከተት።
ሊሳውት ኣብ መደምደምታ፣ ኣብ መንጎ ንተክኖሎጂ "ሰብኣዊ" ባህሪ ንምልባር ኣብ ዝግበር ፈተነን ብኻልእ ወገን ድማ ንደቂ ሰባት ከም ሓደ "መስርሕ" ጌርካ ናይ ምርኣይ ዝንባለን ዘሎ ውጥረት እውን ኣጕልሐት። "ነዚ ቀላሲ ሓይሊ እዚ ኣፍልጦ ምሃብን ዘተተታት ምክያድን ኣገዳሲ እዩ" ክትብል ውን ደምደመት።