ድለ

2025.08.06 Udienza Generale 2025.08.06 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ “ኣብ ክንክን ጥዕና ኣጠቓቕማ AI ጽፈትን ክንክንን ርክባትን ከረጋግጽ ኣለዎ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ቫቲካን እተኻየደ ዋዕላ፣ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕና ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት ንዘሎ ርክባት ከም ዘይትክኦ ንምርግጋጽ ኣተባብዑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥርነ ህይወት ካብ ዕለት 10-12 ሕዳር "ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ሥነ መድሓኒትን  (AI and Medicine)፦ ብድሆታት ሰብኣዊ ክብሪ" ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣዳልዩ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ተሳተፍቲ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ክንክን ጥዕና ንምምይያጥ "ብጸሎት ዝተሰነየ ሰናይ ትምኖቶም" ብምግላጽ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።

ቅዱስነቶም ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ከምኡውን ካልእ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ኣብ ደቅሰብ ዘሕደሮ ሰፊሕ ጽልዋ ኣስተንቲኖም፣ እዚ ድማ "ንኣተሓሳስባና ኣጸቢቑ ዝጸልዎ ኢዩ፣" ከምኡውን ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ዘሎና ኣረኣእያ ዝቕይር ኢዩ ክብሉ ገለጽዎ ።

"ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ሰብ ዝሰርሖም መሳርሒታት ከም መጓጅምትና ጌርና ኢና ምስኣታቶም ንዘራረብ ዘሎና፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዳርጋ ንምስፍሕፋሖም ንሕግዝ ኢና ዘሎና" በሉ። "በዚ መዳይ እዚ ገጽ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ክንርስዖ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንዅሉ እቲ ሓቀይና ሰብኣዊ ዝዀነ ነገራት ብኸመይ ከም እነለልዮን ኣኽቢርና ከም እንርእዮን ኽንርስዕ ንኽእል ኢና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ኣብ ዓውዲ ሕክምናን ጥዕናን ዘምጽኦ ረብሓታት ውን ወሲኾም ኣጐልሑ።

ይኹን እምበር ሓቀይና ምዕባለ ውልቀ-ሰባትን መንግስታዊ ትካላትን ሰብኣዊ ክብርን ሓባራዊ ረብሓን ክድግፉ ዝሓትት ምዃኑ ወሲኽም ገለጹ።

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን (AI) ካልእ ተክኖሎጂታትን፣ ብኽፍኣት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝኽእል እኳ እንተ ዀነ፣ እዚ ተክኖሎጂ እዚ ኣብ ሓቀይና ኣገልግሎት ደቂ ሰባት እንተ ተቐምናሉ "ለውጢ ዜምጽእን ጠቓምን" ኪኸውን ከም ዚኽእል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ኣቀብትን ኣገልገልትን ህይወት ደቂ ሰባት ንምዃን ዘለዎም ሞያ ምእንቲ ኺፍጽሙ፣ ኣብ ዓውዶም ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ብሓላፍነት ኪጥቀሙ ጻውዒት ኣቕሪቦም።"

"ተነቃፊ ዅነታት ደቂ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ይርአ እዩ፣ እንተዀነ ግን ነቲ 'ብኣምላኽ እተደልየን እተፈጥረን እተፈቕረን ሰብ ጥራይ ዚውንኖ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኽብሪ' ፈጺምና ኽንርስዖ የብልናን" ክብሉ ተላበዉ።

ቀጺሎም ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንውልቀ-ሰባት ክንክን ኣብ ምሃብ "ዘይትካእ ተፈጥሮ" ሰብኣዊ ርክሪ ከተኩሩ ውን ኣስተሓሳሰብዎም።

ሰብ ሞያ ጥዕና ክንክን ንምሃብ ክእለትን ምስ ሕሙማቶም ጥብቕ ርክብን ክገልጹ ኸለዉ፣ ብውጽኢታዊ መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ጥበብ ክህልዎም ከም ዘለዎም ውን ኣመልከቱ።

ክንክን ጥዕና ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዘለዎ ክእለት ክንኪ ኸም ዘይክእል ብምግላጽ፣ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት ካብቲ ሕሙምን ኣለይቶምን ዘለዎም ርክባት ፈጺሙ ክርሕቕ ከም ዘይብሉ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ንሰብኣዊ ክብርን ውጽኢታዊ ክንክን ጥዕናን ኬገልግል እንተ ደአ ዀይኑ፣ ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት ዘሎ ርክባትን ክንክንን ብሓቂ ኸም ዘመሓይሽ ከነረጋግጽ ኣሎና" በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓውዲ ሕክምናን ተክኖሎጅን ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ሰፊሕ ቍጠባዊ ረብሓታትን ከምኡውን ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ ንምቝጽጻር ዚግበር ቃልሲ" ውን ዘኪሮም።

ቅዱስ ኣቦና ንተገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ኣብ መንጎ ሰብ ሞያ ጥዕናን ፖለቲካውያን መራሕትን ካብ ሃገራዊ ዶባት ወጻኢ ኣብ ዝዝርጋሕ ዓውዲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ሰፊሕ ምትሕብባር ከተባብዑ ተማሕጸንዎም።

11 Nov 2025, 11:05