ድለ

2026.05.04 ልዮን መበል 14፡ ሓልዮት ድኻታት ከቢድ ግን ከኣ 'ዘይነጻጸል ኣካል ክርስትያናዊ ሕይወት እዩ 2026.05.04 ልዮን መበል 14፡ ሓልዮት ድኻታት ከቢድ ግን ከኣ 'ዘይነጻጸል ኣካል ክርስትያናዊ ሕይወት እዩ  (@VATICAN MEDIA)

ልዮን መበል 14፡ ሓልዮት ድኻታት ከቢድ ግን ከኣ 'ዘይነጻጸል ኣካል ክርስትያናዊ ሕይወት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ንድኻታት ምክንኻን ዘይንጸል ክፋል ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ህይወት ምዃኑ ብምጕላሕ፡ ንኣባላት እቲ ምስቲ ብካሪታስ ምስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ግብረ ሰናይ ምትእስሳር ዘለዎ ካቶሊካዊ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ጸገማት ኣብ ዝጋጥመሉ እዋን ተስፋ ከይቆርጹ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 4 ግንቦት፣ ኣካል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትካላት ግብረ ሰናይ ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ዝኾነ ካቶሊካዊት ግብረ ሰናይ ትካላት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣባላት ኣካየድቲ ዕዮ  ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ኣብዚ ርክብ እዚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቶም ድኻታትን ኣዝዮም ዝተጸገሙን ብምሕብሓብ ወንጌል ክእውጁ ዝደልዩ መብዛሕትኡ ግዜ ውልቃውን ትካላውን ጸገማት ከም ዘጋጥሞም ኣስተብሂሎም፡ "እዚ ኸኣ እኹል ጸጋታት ናይ ምርካብ ኣገልግሎት ዘይንጸል ክፍሊ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ህይወት ምዃኑ ንኻልኦት ምርኣይ ከምኡውን ብፍላይ ከምቲ እንደልዮ ክንሕግዝ ምስ ዘይንኽእለሉ ኩነታትን ሰባትን ክንራኸብ እንኮለና ተስፋ ምቝራጽ ዘይምቍራጽ ዘጠቓልል ኢዩ - ቢሎም ካቶሊካዊ ግብረ ሰናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ “ካብዚ ብድሆታት እዚ ብፍጹም ናጻ ከምዘይኮነ” ኣስተብሂሎም። “እንተኾነ ግን ልክዕ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰናኽላት ምስ ዘጋጥመና እዩ ደጊሙ ‘ኣነ ወትሩ ምሳኻትኩም እየ!’ ናይ ዝበለና ድምጺ ኢየሱስ ምስማዕ ክንመሃር ዘሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።


ኣብ መወዳእታ መጋቢት 2026 መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ብርእሰ ሰበኻ ማያሚ ዝካየድ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝውዕል ዝነበሮ መደብ ምወላ ምጉዳሉ፣ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣሰነይቲ ንዘይብሎም ስደተይናታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘቅርቦ ኣገልግሎት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ምዃኑ ናይ ርእሰ ሰበኻ ማያሚ ከም ዝሓበረ ዝዝከር ኮይኑ፡  ስርሒት “ፔድሮ ፓን” ካብ 1960 ጀሚሩ ቤት ጽሕፈት ዳግመ - ምጥያስ ስደተይናታት፡ ኣሰነይቲ ንዘይብሎም ህጻናት መዕበዪ ማእከል ብምምስራት ኵለ መዳያዊ ኣገልግሎት ካብ ምቕራብ ሓሊፉ ምስ ኣባላት ኣባይቲ ስድራኦም ንኽራኸቡን እውን ዝሕግዝ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ቀጺሎም “ብቑዕ ጻዕሪ” ካቶሊካዊ ትካላት ግብረ ሰናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ናይ ርህራሄ ኣገልግሎት ብፍላይ ኣብ መንጎና ንዝርከቡ ኣብ ጸገም ዘለዉ ትሑታት ኣብ ዘቅርቦ ኣገልግሎት” ክቕጽሉ ኣተባቢዖም - "ከምዚ ብምግባርኩም፡ ንዘይሰብኣዊ ኩነታት መፍትሒ ክትረኽቡ፡ ስቓይ ውልቀሰባትን ኣባይቲ ስድራን ከተቃልሉን፡ ጾር ናይቶም ብጸገምን ዓመጽን ዝሳቐዩ ከተቃልሉ ትጽዕሩ። ኣብዚ ኩሉ ኩነታት ኣብ ዕለታዊ ስራሕኩም ዘድርኸኩም ሓልዮትን ፍቕሪ ክርስቶስ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካቶሊካዊ ትካላት ግብረ ሰናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልዕሊ 170 ናይ ሃገረ ስብከታት ትካላት ግብረ ሰናይ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝዓበያ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ከም ዝኾነን እውን ይፍለጥ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ፍቕሪ ብጻዩ ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽ ዘለዎ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ጭቡጥ መርትዖ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ካቶሊካውያን ሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ “ብፍቕሪ ልቢ ኢየሱስ ንኻልኦት ስጋዊ - ንዋታዊ ሓገዝ ንምቕራቭ ብዘለዎም ድሌት ክድረኹ ኣለዎም። ነቶም ዕድለይናታት ዘይኮኑ ብግብራዊ ሓገዝ ክድግፉ እንከለዉ፡ ካቶሊካዊት ግብረ ሰናይ ትካላት ምስ ስቡእ ክርስቶስ ይራኸብ እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ኣብ መደምደምታ መደረኦም እቲ ካቶሊካዊ ትካላት ግብረ ሰናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትንሳኤ ክርስቶስ “ንኹሉ ነገራት ሓድሽ ከም ዝገብሮ” ኣፍልጦ ክህብን ዕዮ እቲ ትካል ብተስፋ ፋሲካ ክምራሕ ክፈቅድን ኣተባቢዖም፡ “ንኽቡር ተልእኾኹም ሰናይ ትምኒተይ አቕርብ፡ ንዓኻትኩም ንኹሎም መሳርሕትኹምን ኣብ ጸሎተይ ዝኩራት ምዃንኩም ድማ እረጋግጸልኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 May 2026, 16:20