ድለ

ኣብ ፍሎሪዳ እትርከብ ቤተክርስትያን ብሰንኪ ምጉዳል ስልዒት እተቅርቦ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ይሰናኸል ኣብ ፍሎሪዳ እትርከብ ቤተክርስትያን ብሰንኪ ምጉዳል ስልዒት እተቅርቦ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ይሰናኸል  (2026 Getty Images)

ኣብ ፍሎሪዳ እትርከብ ቤተክርስትያን ብሰንኪ ምጉዳል ስልዒት እተቅርቦ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ይሰናኸል

ናይ ትራምፕ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ 11 ሚልዮን ዶላር (ዳርጋ 9.4 ሚልዮን ኤውሮ) ዝሽፍን ውዕል ምስራዙ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ዝመሓደራ ማሕበራት ረድኤት ስደተይናታት ንዘቕርብኦ ኣገልግሎት ዓቢይ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዘሎን በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ርእሰ ሰበኻታት ማያሚ ዝርከብ ካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰራሕተይናታት ካብ ስራሕ ንኽሰናበቱ ዘገድዶ ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማያሚ ሄራልድ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ከም ዝጸብጸቦ እቲ ናይ መንግስቲ ውሳኔ ኣብ መወዳእታ ሰነ ልዕሊ 80 ሰራሕተይናታት ካብ ስራሖም ክሰናበቱ ዝገድድ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ደቡብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ብራያን ዋልሽ ቑሸት ቆልዑ ተባሂሉ ዝጸዋዕ ክዕጸው ከም ዝገበርን እዚ እውን ካብ ኩባ ቬንዙዌላ ከምኡውን ሓይቲ ንዝመጹ ኣሰነይቲ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዘተኣማምን መዕቈቢ  ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት እቲ ንርእሰ ሰበኻታት ዝስላዕ ዝነበረ መሳለጢ ገንዘብ ክቋረጽ ምዃኑ ካብ መንግስቲ መልእኽቲ ከብዝበጸሖ ኣፍሊጡ እዚ ድማ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸነሐ ምትሕብባር ከብቅዕ ዝገብር እዩ።

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታ

እቲ ሓላፍነት ዘለዎ መንግስታዊ ትካል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ውሳነ እተገብረ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ቍጽሪ እቶም ክንክን ዘድልዮን ብዘይ ኣሰነይቲ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝስደዱ ቈልዑ ብዝሒ ኣዚዩ ስለ ዝነከየ እዩ እንክብል መግለጺ ከም ዝሃበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡  ናይ ርእሰ ሰበኻታት ሚያሚ ሊቀ ጳጳሳት ቶማስ ዌንስኪ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ተለቪዥን ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ምቝራጽ ሓገዝ መንግስቲ ነቒፎም "ጽቡቕ ሰሪሕናን ኣገልጊልናን ኢና - ቢሎም - ክሳዕ ሕጂ እተገብረ ዕዮ ድማ ኣገዳስነቱ ኣጒሊሖም፡ ንዙሓት ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ተዋሂቡ እዩ። መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንካቶሊካውያን ትካላት ረድኤት ዝህቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክቛረጽ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ መንግስቲ ዝኽተሎ ጽኑዕ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዘመሓድር ሕጊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብግልጺ ስለ ዝተቓወመቶ እዩ እንክብሉ ነቒፎም፡ ቤተ ክርስቲያን ትማልን ልምን ጽባሕን ኣብ ጎድኒ ድኻታትን ስደተይናታትን ሕሙማንን እያ” ከም ዝበሉን እቲ ርእሰ ሰበኻታት ከም ዝሓበሮ ድማ ኣብቲ መእለዪ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ትካል ግብረ ሰናይን ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ 84 ሰራሕተይናታት መንግስቲ ካብ ስራሕ ከሰናብቶም ከም ዝኾነን እቲ መእለዪ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ማእከል ክዕጾ ምዃኑ እውን ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ከም ዘፍለጡ የመላኽት።

02 May 2026, 17:19