ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ደብረ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፣ 'ክርስቶስ ብምልዐት ህይወትና ከነሐድስ ይዕድመና ኣሎ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ፋልማ ኣጐስጢኖሳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣብ ኣናባ ኣልጀርያ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣጉስጢኖስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፣ ከምኡ'ውን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከም ዓብዪ ቅዱስን ናይ ቤተ-ክርስትያንን ሊቅን፣ ነቲ ጐይታ ካብ ጸገማትናን ፈተናታትናን ከተንስኣና ብሓይሉ ንህይወትና ንምሕዳስን ንምቕያርን ዘቕረቦ ጻውዒት ንምቕባል ፈጺሙ ከም ዘይደንጐየ ኣዘኻኺሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣቱም ፍቑራት ክርስትያን ምእመናን ኣልጄርያ፣ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ትሑታትን እሙናትን ምልክት ፍቕሪ ክርስቶስ ኢኹም። ብተራ ዝመስል ተግባራዊ ኣገልግሎት ናይ ሓቀይና ርክባትን መዓልታዊ ዝርርብን ንወንጌል መስክሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ እትነብረሉ ቦታ ጣዕምን ብርሃንን ክትኮንዎ ኢኹም" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ መዘኻኸሪ እዚ ኣብቲ ኣብ ኣናባ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ ዘዕረጋዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ዝለገስዎ ኣባትዊ ቃለ ምዕዳን ኢዩ ዝንበረ።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዘካፈልዎ ስብከት ካብዚ ኣንብብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝብከቶም፣ ኣብዚ ስፍራ እዚ "ብዙሓት ሰማእታት ጸልዮም" ከምኡውን "ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንመጓሰኡ ፍቕሩ ገለጸሎም፣" ንሓቂ ድማ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንክርስቶስ ኣበርቲዖም ከም ዝደልይዎን፣ ብልባዊ እምነት ከም ዘገልገልዎምን ዘኪሮም። ነቶም ኣባኡ ዝንበሩ ምእመናን ድማ ወረስቲ ናይዚ መፈሳዊ ትውፊት እዚ ክዀኑ ተማሕጸንዎም፣ ብሕውነታዊ ልግስን ብምስክርነትን ኣብ ሓርነት እቶም "ካብ ላዕሊ እተወልዱ" ከም ምልክት ተስፋ ንዓለም ክነብሩ እውን ተማሕጸንዎም።

ስም እዚ እንርከበሉ ዘሎና ስፍራ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት እኳ እንተ ተቐየረ፣ እቶም ቅዱሳን ግን ምስታ ኻብ ሰማይ እትመጽእ ምድሪ ዘለዎም ምትእስሳር ብምዕቃብ ሓለውትናን እሙናት መሰኻኽርናን ምዃኖም እውን ኣመልከቱሎም።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፣ ንቅዱሳን ናብ ሓድሽ ህይወት "ካብ ላዕሊ ክውለዱ" ብኸመይ ከም ዝጸውዖም ብምዝካር ድማ፣ እዚ ጻውዒት እዚ ንነፍሲ ወከፍ ድሕነት ዘናዲ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝቐርበሉ ኣጕልሑ። እዚ ጻውዒት እዚ ንተልእኾ መላእ ቤተ-ክርስትያን እንተላይ ንማሕበረሰብ ክርስትና ኣልጀርያ ከም ዝቐርበሎም እውን ደጊሞም ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ ኣረኣእያ እዚ እምነት ንምድራዊ ጸገማት ከም እትስዕሮን "ጸጋ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንምድረ በዳ የዓምብቦ" ብምባል እውን ገለጹ።

ክርስቶስ ንህይወትና ከነሐድስ ይዕድመና ኣሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ካብ ላዕሊ ዳግም ክትውለዱ ኣሎኩም" ዝብል ቃላት ክርስቶስ ዘይከኣል ዝመስል ትእዛዝ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኣለዉ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ተጠንቂቕና ኽንሰምዕ ከሎና እዚ ጽውዒት እዚ፣ ተሪር ጸቕጢ ወይ ቀይዲ ዘይኰነስ፣ ከምኡውን "ንውድቀት ዝቐረበ ኵነኔ" ዘይኰነስ፣ እቲ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ መምርሒ፣ "ውህበት ሓርነት" ምዃኑ ንርዳእ ኢና፣ ከመይሲ ካብ ላዕሊ ብምስጋና ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ክንውለድ ከም እንኽእል ዝገልጸልና ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጥንታዊት ከተማ ሂፖ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጥንታዊት ከተማ ሂፖ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ   (@Vatican Media)

ነዚ ብፈቃር ፍቓድ ኣምላኽ ክንቅበሎ ተጸዊዕና ኢና፣ እዚ ድማ ብእምነት ናብ ዝጅምር ናይ ሕብረት ህይወት ብምስሓብ ንደቂ ሰብ ከሐድሶም ዝደሊ ሓይሊ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ክርስቶስ ንህይወትና ምሉእ ብምሉእ ከነሐድስ ይዕድመና እኳ እንተ ኾነ፣ ነዚ ንኽንገብር ብርታዐ ውን ይህበና እዩ።

ልክዕ ከምቶም ቅድሜና ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ታሪኽና ብሓቂ ክቕየር ዝኽእል እንተ ዀይኑ፣ ንጐይታ ክንሓትት ከም ዘሎና ኣፍልጦ ሂቦምሉ እዮም፣ ብፍላይ እዚ ድማ ኣብ ግዜ ጸገማትን ሽግርን ጸበባን ክበድ ስለ ዝዀንና እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብምቕጻል ኣምላኽ ብዓብዪ ፍቕሩ እዚ ከም ዝከኣል ብምዝኽኻር፣ "ሕራይ" ቢልና ክንምልሰሉ ተላበዉና።

ኢየሱስ ንጾርና ምሳናን ምእንታናን ተሰኪሙ እዩ

ስቓይናን ሓጢኣትናን ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብዘየገድስ፣ ጐይታ ነዚ ጾር እዚ ምሳናን ምእንታናን ጸይርዎ ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ "ብድኽመትና ብዙሕ እኳ ተስፋ እንተ ቘሪጽና፣ ኣምላኽ ሓይሉ ዝገልጸሉ እዋን ሽዑ እዩ" ክብሉ እውን ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ፣ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ኺህባ ኢሉ ድማ ነፍሲ ወከፍና በቲ ተበጃዊ ብምእማን ዝመጽእ ሓርነት፣ ሓድሽ ህይወት ክንረክብ ከም እንኽእል ኣዘኻኺሮም።

በዚ ኸምዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ክርስትያን ምእመናን ብሓቂ ካብ ላዕሊ ዝተወልዱ ኢዮም፣ ብኣምላኽ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኢየሱስን ከምኡውን ውሉድ ናይታ ብቅዱስ ቁርባን እትምግቦም ቤተ-ክርስትያንን እዮም።

ናይ ልግስን ምስክርነትን ማሕበረሰብ

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዘሎ መንፈሳዊ ሓድነት ክህልዎ ዝኽእል ጭቡጥ ሳዕቤን ከስተንትኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኵሉ ነገር ዘለዎ፣ ከም ክፍሊ ናይ ሓደ ኣካል መጠን ካብ ጥሪቱ ሓድሕዱ ይካፈል።

ድኽነትን ጭቈናን እናሃለወ ኽነሱ፣ እቲ ንክርስትያን ምእመና ዚመርሖም መሰረታዊ ስርዓት ፍቕሪ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ደጊሞም ገለጹ። በዚ ከምዚ ኣምላኽ ኣብ ልብና እተጻሕፈ ሕጊ ተደሪኹ ቤተ-ክርስትያን ብቐጻሊ ዳግም ትውለድ፣ ኣብቲ ዝያዳ ዘድልያ ቦታ ድማ ተስፋን ክብርን ዕርቅን ተስፍሕ ኣላ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ቤተ-ክርስትያን ካብ ኵሉ ቋንቋታትን ባህልን ዝመጹ ህዝብታት ከም ዝሓቘፈት ገሊጾም።

ሓዋርያት ከኣ ብዓብዪ ሓይሊ ንትንሣኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስከሩ፤ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። እቲ ዜለዓዕሎም ዝንበረ ፍቕሪ ድማ ካብ ስነ ምግባራዊ ተጸምዶ ንላዕሊ እዩ ዝንበረ። እዚ ምልክት ድሕነት እዩ፦ ሓዋርያት፣ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ስለ ዝተንስአ ህይወትና ክልወጥ ከም ዚኽእል ይእውጁ እዮም።

ጓሶት ነፍሳት ተልእኾኦም ንምሕዳስ ዝቐረበሎም ጻውዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ንጳጳሳትን ካህናትን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምዕዳን፣ ምእንቲ እቶም ብሕድሪ እተዋህብዎም ነፍሳት፣ ነዚ ተልእኾ እዚ ብቐጻሊ ከሐድሱ ተማሕጺኖም፣ ምላእ ቤተ-ክርስትያን ነቶም እንረኽቦም ሰባት መልእኽቲ ሓድሽ ህይወት ክትከውን ከም ዘለዋ እውን ኣዘኻኺሮም።

ስለዚ ካህናት ፍርሂ ከሰሓሕቶም ወይ ብካልእ ብድሆታት ምስክርነቶም ኬዳኽሞም ከይፈቕዱሉ እውን ኣጠንቂቖም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ልዮን መበል 14፣ ብኣስኣሰር ቅዱስ ኣጐስጢኖስን ካልኦት ሰማእታትን ንዝተረኽቡ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ሃገሮም ጨውን ብርሃንን ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረቡ።

"ኣቱም ፍቑራት ክርስትያን ምእመና ኣልጀርያ፣ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ትሑትን እሙናትን ምልክት ፍቕሪ ክርስቶስ ኢኹም" ክብሉ ተማሕጸንዎም፣ "ብተራ ዝመስል ተግባራዊ ኣገልግሎት ሓቀይና ርክባትን መዓልታዊ ዝርርብን ንወንጌል መስክሩ። በዚ ኸምዚ ናብቲ እትነብረሉ ቦታ ጣዕምን ብርሃንን ከተምጽኡ ኢኹም" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጥንታዊት ከተማ ሂፖ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጥንታዊት ከተማ ሂፖ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ   (@Vatican Media)
15 Apr 2026, 16:41

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ናይ መጨረሻ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር/ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት

ንኩሉ ኣንብብ >