ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ "ንሰላም ዕየዩ" ከምኡውን "ብዘይ ኣጽዋር መፍትሒ ድለዩ"
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
"ጽልኢ ምእንቲ ክጠፍእ፡ ምእንቲ ንሰላም ንጸሊ፣ ምእንቲ ንሰላም ከኣ ንዕየ። ኣብ ዓለም ጽልኢ ብቐጻሊ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" ክብሉ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብ ካስቴል ጋንደልፎ፡ ኣብ ኣፍ ደገ መንበሪ ገዛ ባርበሪኒ ንጕጅለ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘሃብዎ መግለጺ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕትታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋንን፡ ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ፍርህን ውጥረትን እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሰር ሰላም ክንስዕብ ተማሕጺኖም። ኣብ ርእሲ እዚውን ማሕበረሰብ ዓለም "ዘተ ንምድንፋዕ ብሓቂ ክጽዕርን፡ ጸገማት ንምፍታሕ ብዘይ ኣጽዋር መፍትሒ ክደልን" ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጊዜ ጸሎት ናይ መልኣከ እግዚአብሔር፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕትን፡ ኢራን ብወገና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ሓያሎ ከባቢታት ናይ ደብዳብ ግብረ መልሲ ኣብ ዝሃበትሉ ጊዜ፦ " ሰላምን ርግኣትን፡ ንሓድሕድካ ብምፍርራህ ወይ ጥፍኣትን፡ ስቃይን፡ ሞትን ብዝዘርእ ዓዕናዊ ኣጽዋር ብምጥቃም ኣይርከብን ኢዩ። ሰላምን ርግኣትን፡ ብሓቀይናን፡ ቅኑዕን፡ ሓላፍነት ዘሰክመካ ዘተ ብምግባርን ጥራይ ኢዩ ዝርከብ" ክብሉ ናይ ሰላም ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ።
