ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብሓድሕድ ምፍርራሕ ወይ ብቐታሊ ኣጽዋር ዘይተሃንጸ ሰላም ክህሉ ይጽውዑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብሓድሕድ ምፍርራሕ ወይ ብቐታሊ ኣጽዋር ዘይተሃንጸ ሰላም ክህሉ ይጽውዑ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብሓድሕድ ምፍርራሕ ወይ ብቐታሊ ኣጽዋር ዘይተሃንጸ ሰላም ክህሉ ይጽውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ድሕሪ ምፍጻመን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓመጽ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሃገራት ሰላም ንምድላይ ዘለወን ግብረ ገባዊ ሓላፍነተን ክዝክራ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 1 መጋቢት 2026 ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ነጋድያን ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኢራንን ዝርአ ዘሎ ፍጻመታት “ዓሚቝ ስክፍታ” ከም ዘሕድረሎም ገሊጾም፡ "ምርግጋእን ሰላምን ብሓድሕዳዊ ስግኣት፡ ብሕልቂት፡ ቃንዛን ሞትን ብዝዘርእ ኣጽዋር'ውን ዘይኮነ፡ ብርትዓዊ፡ ሓቀይናን ሓላፍነታውን ዘተ ጥራይ'ዩ ዝህነጽ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ዓመጽ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እንተደኣ ኮይኑ፡ ዘይተኣደነ መዓት ከምዘጋጥም የጥንቅቝ።

“ዓብይ መዓት ከጋጥም ኣብ ዝኽእለሉ እዋን፡ ነቶም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ ነቲ ዓንኬል ዓመጽ ቅድሚ መዋጽኦ ዘይብሉ ምዃኑ፡ ብዓንተዉኡ ደው ናይ ምባል ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ክወስዱ ልባዊ ጻውዒት አቕርብ! መንግስታት ሰላም ንምድላይ ናብ ዘተ ክምለሱ እጽልይ” ከም ዝበሉን፡ “ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ናይ ዝናፍቑ ህዝብታት ሰናይ ምንቕቓሕ ናብ ዝብል ሓላፍነቱ ክምለስ እላበው ንሰላም ድማ ጸሎትና ኣይነቋርጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀዳም ዕለት 28 ለካቲት እስራኤልን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሓባር ኣብ ልዕሊ ቴህራንን ካልኦት ሓያሎ ከተማታት ኢራንን ሓባራዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጽማ ከም ዝጀመራን ኢራን ድማ ብወገና ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ወተሃደራዊ መዓስከራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘአንግዳ ሓያሎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ግብረ መልሲ ከም ዝሃበትን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኢራን መንግስታዊ ማዕከናት ሓበሬታ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞት ናይቲ ንኣስታት 37 ዓመታት ንኢራን ዝገዝአ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ካሜነይ ከም ዝተቐትለ የረጋግጽ።

02 Mar 2026, 16:30