ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፦ መድሃኒትን መውዓዪን ናብ ዩክረይን ልኢኾም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ውግእ ከቢድ ዕንወት ኢዩ ፈጢሩ ዘሎ። ስድራቤታት ተበታቲነን፡ ሰላማውያን ሰባት ሕይወቶም ንምድሓን ሃዲሞም፣ ኣንስትን ቈልዑን ካብቶም ኣብ ዓውደ ውግእ ተላኢኾም ዘለዉ ሰብኡት ተፈልዮም፣ ኣባይቲ ድማ ናብ ፍርስራስ ተቐዪሩ ይርከብ። ይኹን እምበር ኣብ እዋን ጸልማት እውን ከይተረፈ ለውሃትን ተጻዋርነትን ይንጸባረቕ እዩ ዘሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ በቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኩነታት "ሰብኣዊ ዕንወት" ንዝቀረበሎም ልባዊ ጻውዒት ምላሽ ብምሃብ ኢዮም ኣድላዪ መድሃኒታት ልኢኾም።
ብመሰረት እቲ ብላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ቅድስቲ መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝለኣኽዎ ረድኤት ብትካል ባንኮ ፋርማሴውቲኮ ዝተሰናደወ ኰይኑ ዋግኡ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዩሮ ዝበጽሕ ኢዩ።
መድሃኒትን ካልእን
ኣብ ውግእ፡ ስእነት ዘድሊ ነገራት ካብ መድሃኒት ንላዕሊ እዩ ዚዝርጋሕ። ጳጳስ ሰበኻ ካርኪቭ-ዛፖሪዝሂያ ዝኾኑ፡ ብፁዕ ጳጳስ ፓቭሎ ሆንቻሩክ፡ ድሕሪ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሓይሊ ጸዓት ኣብ ዘውረዶ ጕድኣት፡ ኣብ ክንዲ ልዕሊ 800 ስድራቤታት ኰይኖም ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ሓጺር እዋን ጽገና ክግበር ስለ ዘይከኣል፡ እቶም ጳጳስ ናብ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓለቃ ግብረ ሠናያት ቤተ መዝገብ ነዚ ናይ መውዓዪ መሳርሒታት ሓገዝ ሓቲቶም።
ትማሊ ንግሆ ዕለት 24 ለካቲት ኣብ ኢጣልያ እተዓደገ ብኣማእታት ዝቝጸር ነዳዲ ዝመልአ ኤለትሪካዊ መውዓዪ ናብ ዛፖሪዝሂያ በጺሑ። ልዕሊ 1,000 ካብዚኣቶም ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነታት ንዘለዉ ስድራ ቤታት ዝወሃብ ክኸውን ኢዩ። እዚ ከኣ ገሊኦም ኣብ ሙቐት ዘለዎ መዕቈብን ግዝያዊ መንበሪታትን ኪዕቈቡ ይግደዱ ስለዘለዉ ኢዩ።
ካርዲናል ኮንራድ፡ "ናይ ቀረብን ናይ ኣሰራርሓን ብድሆታት እኳ እንተሎ፡ እቲ ንብረት ኣብ ኵሉ እቲ ብደብዳብ ዝተሃርመ ቦታታት ክዝርጋሕ ኢዩ" ኢሎም።
ውህበት ሰላም
እዚ ሓገዝ እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጥታዊ መልሲ ኰይኑ፡ ሰንበት ዕለት 22 ለካቲት ኣብ ጊዜ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ዘቕረብዎ ጻውዒት ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዞም፡ ንግዳያትን "እተበታተኑ ስድራ ቤታትን፡ ንኪግለጽ ዘይከኣል ስቓይን" ብምዝካር፡ ህጹጽ፡ ኪደናጐ ዘይብሉ ሰላም ክመጽእ
ተማሕጺኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ “እቲ ንነዊሕ እዋን እተጸበናዮ ውህበት ሰላም ኣብ ጊዜና ምእንቲ ክበርህ” ነቶም ዝሰምዕዎም ዝነበሩ ኣብ ጸሎት ክጽመዱ ተማሕጺኖም።
