ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቬንዙዌላ፡ ዓመጽ ክሰዓርን ልኡላውነት ሃገር ክኽበርን ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ካራካስ ኣሲሮም ንፍርዲ ንምቕራብ ናብ ኒውዮርክ ከም ዝወሰድዎ ክንገር እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቬንዙዌላ ዘሎ ህልው ኩነታት ስክፍታኦም ገሊጾም፡ “ሰናይ ናይቲ ፍቑር ህዝቢ ቬንዙዌላ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ካልእ ቆላሕታ ክስዕርን ዓመጽ ኩሉ ክሰዓርን መንገድታት ፍትሕን ሰላምን ክንሕዝን ክመርሓናን ኣለዎ፣ ልኡላውነት እታ ሃገር ክንሕሉ፣ ኣብ ቅዋም ሃገር ዝተነብረ ልዕልና ሕጊ ከነረጋግጽ፣ ሰብኣውን በርገሳውን መሰላት ነፍሲ ወከፍ ሰብን ናይ ኩሉን ከኽብር፣ ከምኡ’ውን ብሓባር ርጉእ መጻኢ ናይ ምትሕብባር፣ ምርግጋእን ስምምዕን፣ ብፍሉይ ንምህናጽ ክንሰርሕን ብሰንኪ ኣጸጋሚ ቁጠባዊ ኩነታት ዝሳቐዩ ድኻታት ቆላሕታ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ክራንስ-ሞንታና ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ናይቲ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ክራንስ-ሞንታና ስዊዘርላንድ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ግዳያትን ከምኡውን ብዛዕባ ኣባይቲ ስድራኦምን ፈተውቶምን እውን እናሓሰቡ፡ ንዅሎም እቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ክራንስ-ሞንታና ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ዝሳቐዩ ሰባት ደጊመ ጸሎትይን ቅርበተይን ክረጋግጸሎም እደሊ። ምእንቲ እቶም ዝሞቱ መንእሰያትን ዝቘሰሉን ምእንቲ ኣባይቲ ስድራኦምን እጽሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ቅርበትን ጸሎትን ንህዝብን ሃገርን ቬንዝዌላ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸሎት ብምርግጋጽ፡ ኵሉ ምእንቲ ህዝቢ ቬንዙዌላ ክጽሊ ዓዲሞም፣ ብተወሳኺ ንኹሎም ቬንዙዌላውያን ንኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኮሮሞቶ ሓላዊት ቅድስትን ጠበቓን ቬንዙዌላን ንቨነዝዌላውያን ቅዱስ ጆሴ ግረጎርዮ ሄርናንደዝን ቅድስቲ ካርመን ረንዲለስን ኣወኪፎም፡ ኵሉ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ክውከል ጻውዒት ብምቕራብ፡ “ኣብ ኣምላኽ ሰላም እምነትና ንቐጽል” እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ “ብሰንኪ ውግኣት ንዝሳቐዩ ህዝብታት ንጸልን ብምትሕብባር ድማ ደው ንበል” እንክብሉ ዘስሞዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።
