ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንግዳያት ባርዕ ክራንስ-ሞንታና ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብቴሌግራም ዕለት 1 ጥሪ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ክራንስ-ሞንታና ኣብ ዝርከብ ኣልፓይን ኣብ ዝርከብ ቤት መስተ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኣስታት 40 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን ልዕሊ 110 ድማ ከም ዝቖሰሉ ምስ ተሓበሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተኸተመ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ ብዓቢ ሓልዮትን ርህራሀን ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም “ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብቲ ናይ ሰላምን ብርሃንን መሕደሪኡ ክቕበሎ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ፍቱዋቶም ዝሳኣኑ ኣባይቲ ስድራ እግዚኣብሔር ኣብ ስቓዮም ቀረባኦም ኮይኑ ክድግፎም እጽሊ - ቢሎም - ኣደ እግዚኣብሔር ብለውሃታ ንኹሎም በዚ መዓት ዝተሃሰዩ ዝተሃስዩ ናይ እምነት ምጽንናዕ ክረኽቡን ተስፋ ክዕቅቡን ተማልደሎም” እብክብሉ ናብቲ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከተማ ናይ ዝርከብ ሰበኻ ጽዮን ጳጳስ ዣን ማሪ ምሎቪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ክራንስ-ሞንታና ኣብ ዝርከብ ኣልፓይን ቢት መስተ ለ ኮንስተሌሽን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓድሽ ዓመት ጽምብል ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኣስታት 40 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ኣስታት 115 ከም ዝቖሰሉን ሰብመዚ ናይታ ከተማ ሓቢሩ፡ እቲ ባርዕ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ክልተ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ምዃኑን ጠንቂ እቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።
ቅርበት ሰበኻን ጓሶትን
ሃገረ ስብከት ጽዮን እውን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ዕለት 1 ጥሪ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ዝተሰምዖ ስንባደን “ንኹሎም ግዳያትን ፈተውቶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ዘለዎ ሓልዮትን ቅርበትን ርህራሄን” ኣረጋጊጹ፡ "እቲ ጽምብል ምሸት ክኸውን ዝነበሮ ንኣማኢት ሰባት ናብ ዘስካሕክሕ ዕንወት ብምቕያሩ ዝተሰምዓና ሓዘን እናገለጽና ሓሳብናን ጸሎትናን ናብኦም የቕንዕ - ቢሎ - እቲ ሰበኻ “ንሰራሕተይናታት ሕክምና፡ ሓይሊ ጸጥታ፡ በርገሳውን ፍርዳውን ሰብመዚ ሓዊሱ፡ ኣብ ቦታ ይኹን ኣብ ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለያ ኣባይቲ ሕክምና፡ ነቶም ግዳያት ኣብ ምሕጋዝ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተሳተፉ ኩሎም ደገፍን ምስጋናን” ኣጒሊሑ፡ ብድሕሪ’ዚ እቲ ሃገረ ስብከት ኣብ መግለጺኢ ኣብ ማእከል እዚ መዓት ርህራሄን ደገፍን ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተስፋ ብምግባር ንኹሎም እቶም ዝተጎድኡን ስድራቤቶምን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝወከፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጉባኤ ጳጳሳት ስዊዘርላንድ መንፈሳዊ ተበግሶታት የዳሉ
ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ስዊዘርላንድ እውን ዕለት 2 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ምስ ግዳያትን ኣባይቲ ስድራኦምን ከምኡ’ውን ምስ ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወትን ዘለዎ ምትሕግጋዝ የረጋግጽ።
“ኣባላት ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ስዊዘርላንድ እውን በቲ ዘጋጠመ መዓቲ ኣዚዮም ከም ዝሰንበዱ ኣብቲ ብናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ስዊዘርላንድ ኣቦ መንበር ጳጳስ ቻርለስ ሞረሮድ ዝተኸተመ መግለጺኡ ብምምልካት “ኩለን ኣብያተ ክርስትያናትና ኣብዚ ዘስካሕክሕ እዋን ናይ ደገፍን ምጽንናዕን ጸሎትን ቦታታት እየን፡ ዕለት 2 ሰዓት 18፡00 ምሸት ናይ ኩለንን ናይቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ስበኻ ጽዮን ከም ምልክት ሓዘንን ቅርበትን ናይ ኣቢያተ ክርስትያናት ደወል ከም እተደወለን። ኩለን ሰበኻታት ስዊዘርላንድ እውን ኣብዚ ናይ ቅርበትን ተሳትፎን ምልክት ክጽንበራ ከም ዝዓደመን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብተወሳኺ እቲ መግለጺ በቲ ጉባኤ ዝተዳለወ ዝተወሰኑ መንፈሳዊ ተበግሶታት፡ ኣብ ሞንታና ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምልኾ ኣብ ፊቅ ቅዱስ ቍርባ፣ ዕለት 3 ጥሪ ምሰት ሰዓት 18፡00 ናይ ፍትሓት ጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን ዕለት 4 ጥሪ ሰዓት 10:00 ብናይ ሰበኻ ጽዮም ጳጳስ ዣን ማሪ ሎቪ ዝምራሕ መስዋዕተ ቅዳሴን ከምኡ እውን ኣቦ መንበር ናይ ስዊዘርላንድ ጳጳሳት ጉባኤ ጳጳስ ሞረሮድ ዘዕርግዎ መስዋእተ ቅዳሴ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብቲ ቅዳሴ መራሕቲ ተሃድሶ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ናይ ከተማ ሞንታና መጋቤ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ቫላይስ ስቲፋን ክሮንቢኽለርን ከምኡ እውን ኣቦ መንበር ናይ ስዊዘርላንድ ሲኖዶስ መጋቤ ጊልስ ካቪንን ክሳተፉ ከም ዝኾኑ የረጋግጽ።
