2026.01.21 Udienza Generale 2026.01.21 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ መንጎ ውግእን፡ ሓልዮት ሰብኣዊ ክብረት ኣብ ዝጠፍኣሉን ምእንቲ ሰላም ንጸሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፡ ኣብዚ ግዜና ብፍሉይ ንሰብኣዊ ክብረት ኣኽብሮት ዘይምሃብን፡ ኣህጕራዊ ውጥሪን እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ምእመናን ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነትን ሰላምን ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብ ታሪኽ ንዋጋ ሰብኣዊ ክብረት ዘሎና ኣኽብሮት እናጠፍአ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ እዋንን፡ ውግእ ከኣ ከም ሓደ ቅዲ ኰይኑ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋንን፡ ምእንቲ ሰላም ንጸሊ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፡ ኣብቲ ወትሩ ረቡዕ ኣብ ናይ ቫቲካን ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝገበርዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ቋንቋ ፖርቱጋል ዝዛረቡ ምእመናን ድሕሪ ትምህርቶም ሰላም ምስ በሉ፡ "እቲ ንእግዚአብሔር ኣቦ ዝገለጸልና፡ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ፡ መገድታት ፍትሕን ዕርቅን ንኽንረክብ ይሕግዘና" ክብሉ ጸልዮም።

ኣብ መንጎ ክርስትያን ሓድነትን ምእንቲ ክህሉን፡ ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ሰላም ምእንቲ ኺሰፍን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ካብ 18 ክሳዕ 25 ጥሪ ምእንቲ ሓድነት

 ክርስትያን ዚካየድ ናይ ሓደ ሰሙን ጸሎት፡  ንምእመናን በዚ ሓሳብ እዚ ኪጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቅድሚ ሕማማቱ ምእንቲ ሓድነት ደቀ መዛሙርቱ ከም ዝጸለየ ብምዝካር፣ ነቶም ቋንቋ ጀርመን ዚዛረቡ ነጋድያን፡ "ኣብዚ ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት እንገብሮ ሰሙናዊ ጸሎት፡  ዓለም ብእኡን፡ ብግልጸቱን ምእንቲ ክትኣምን፡ ምስኡ ብምዃን ምእንቲ ሓድነት ኵሎም ተኸተልቱ ንጸሊ" ክብሉ ተማሕጺኖም።

ነቲ ናይዚ ዓመት እዚ መሪሕ ቴማ ብምምልካት "ከምቲ ንሓንቲ ተስፋ ዝተጸዋዕኩምዎ፡ ሓደ ሰብነት፡ ሓደ መንፈስ ኣሎ" (ኤፌ 4:4) ድሕሪ ምባል፥ ቅዱስ ኣቦና፡ ንኵሎም ንክርስትያን ምእመናን ናብ ጐይታ ክልምኑ ኣተባብዖም።  እዚ ከኣ፡ ነተን ኣብ ኵሉ ዓለም ተዘርጊሔን ዘለዋ አብያተ ክርስትያን ህያብ መንፈስ ቅዱሱ ክህበን እሞ፡ ነቲ ናይ ምክፍፋል ኵነት ሰጊረን፡  ድልዱል ማእሰር ሓድነት ንኪምስርታ እዩ።"

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እዚውን፡  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡  ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን "ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን ምእንቲ ምሉእን፡ ዚርአን ሓድነት ኵሎም ክርስትያን ኣበርቲዖም ክጽልዩ" ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ከምቲ ዝጸንሐ ልማድ ድማ ኣብ ዕለተ ጸዋዕተ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ሰዓት 5፡30 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጳውሎስ ስገር መናድቕ ሮማ ኣብ አካየድ ጸሎተ ዋዜማ ብምስታፍ ክመርሑ እዮም።

 

22 Jan 2026, 11:43