ር. ሊ. ጳ.፦ ፍቑራት ውሉድ ኣምላኽ ኢና!
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ሳላ ኢየሱስ ክርስትያናት ምእመናን ንእግዚኣብሔር ኣቦ ይፈልጥዎን፣ ገዛእ ርእሶም ብምትእምማን ይውፉይ።”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝጀመርዎ ተኸታታሊ ትምህርተ-ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ኣብዚ ሰሙነ እዚ እውን ባዕባ እቲ “ቃል እግዝኣብሔር” እተሰምየ ሰነድ ኣስተምሂሮም።
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ነቕርበልኩም። ሰናይ ምክትታል!
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!
ብዛዕባ ዶግማዊ ቅዋም “ቃል እግዚኣብሔር” (Dei Verbum) ናይ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን፣ ማለት ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ዝጀመርናዮ ትምህርትና ክንቅጽል ኢና። ኣምላኽ ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ብምዝርራብ ገዛእ ርእሱ ኣብ ዝገልጸሉ ኪዳንዊ ተዋስኦ ርኢና ኔርና። ስለዚ ሓሳባት ዜመሓላልፍ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንታሪኽ ዝካፈልን ኣብ ሓባራዊ ርክብ ሕብረት ዝሓትትን ዝምድናዊ ፍልጠት እዩ። ፍጻሜ እዚ ግልጸት እዚ ኣብ ታሪኻውን ብሕታውን ርክብ ድማ እዩ ዚፍጸም፣ ኣብኡ ድማ ኣምላኽ ባዕሉ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝህበናን፣ ብኣኡ ድማ ብዕምቈት ከም እተፈለጥና ኣብ እንፈልጠሉ ሓቂ ንኣቱ። እዚ ከአ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ እዩ። እቲ ሰነድ [ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን] ከምዚ ይብል፦ "እቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ምድሓን ሰብን ዘሎ ዓሚቝ ሓቂ፣ ምእንታና በቲ ማእከላይን ምልኣት ኵሉ ግልጸትን ዝዀነ ክርስቶስ ይበርህ ኣሎ" (ቃ.እ. 2) ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ምስ ኣቦ ዘለዎ ርክብ ንዓና ውን ብምስታፍ፣ ነኣቦ ገሊጹልና እዩ። ኣብቲ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝለኣኾ ወልድ "ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ናብ ኣቦ ክበጽሕን፣ ኣብ መለኮታዊ ባህርይ ክኻፈልን እዩ" (ibid)። ስለዚ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ወልድ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ ብምእታው፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ምሉእ ፍልጠት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ወንጌል ሉቃስ ነቲ ጐይታ ብሓጐስ ዝጸለዮ ጸሎት ኪገልጽ እንከሎ፣ ነዚ የረጋግጸልና፦ "ኦ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፣ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካሎም አመስግነካ ኣሎኹ። እወ ኣቦይ እቲ ጸጋዊ ፍቓድካ ኸምኡ ክንዲ ዝኾነ። ካብ ኣቦይ ኲሉ ተዋሂቡኒ እዩ፣ ብዘይካ እቲ ወልድ ክገልጸሉ ዝፈቐደ እንተ ዘይኮይኑ፣ ብዘይካ ኣቦ ንወልድ መን ምዃን ዝፈልጥ የልቦን፣ ብዘይካ ወልድ ድማ ንኣቦ መን ምዃን ዝፈልት የልቦን።" (ሉቃ 10 21-22)
ሳላ ኢየሱስ ንኣምላኽ ከምቲ ንሱ ዝፈልጠና ጌርና ኢና እንፈልጦ (ገላ 4፡9፤1ቆሮ 13፡13)። እወ ኣምላኽ ብክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ገሊጹልና እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ከም ደቁ መጠን ብምስሊ ወዱ ከም እተፈጥና ዘሎና ሓቀይና መንነትና ገሊጹልና እዩ። እዚ "ዘለኣለማዊ ቃል ...ንኹሎም ሰባት የብርህ፣” ነቲ ኣብ ቅድሚ የኢንቲ ኣቦ ዘሎና ሓቂ ውን ይገልጸልና፡ “እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኹም ዓስቢ ኺህበኩም እዩ" (ማቴ 6፡5፣ 6፡8)፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ" (ማቴ 6፡32) በለ። ግይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ንእግዚአብሔር ኣቦ እንፈልጠሉ ቦታ እዩ፣ ኣባኡ ድማ ከም ደቁ መጠን ጌሩ ከም ዝፈልጠና ንርዳእ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናብ ናይ መወዳእታ ምልኣተ ህይወት ከም እተጸዋዕና ንፈልጥ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ይጽሕፍ፦ "እቲ ዘመን ምስ ኣከለ ኣምላኽ ንወዱ ለኣኾ. . . ብዚ ኸምዚ ድማ ናይ ውሉድነት ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብ እዩ። ውሉድ ስለ ዝዀና ድማ፣ ኣምላኽ ንመንፈስ ወዱ ናብ ልብና ብምልኣኽ ኣባ ኣቦ ኢልና ክንጽዕ ኣኽኣለና!” (ገላ 4፡4-6) ።
ኣብ መወዳእታ ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣቦ ኣብ ሰብኣውነቱ ገሊጹልና እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ ዝነብር ስጋ ዝለበሰ ቃል ክንዲ ዝዀነ፣ ኣባኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓቀይናን ፍጹምን ሰብኣውነት ገሊጹልና ውን ኣሎ፦ "ንኢየሱስ ምርኣይ ማለት ንኣቦኡ ምርኣይ እዩ” (ዮሓ 14፡9)። በዚ ምኽንያት እዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ግለጸት እዚ ምሉእ ብምሉእ ብቓላቱን ብግብርታቱን ብትእምርቱን ብተኣምራቱን ብፍላይ ከኣ ብሞቱን ብኽቡር ትንሳኤኡን፣ በቲ ናይ መወዳእታ መልእኽቱ ዝኾነ ንመንፈስ ሓቅን ብምልኣኽ ነቲ ግልጸት ፍጹም ገበሮ። ንኣምላኽ ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንፈልጦ፣ ነቲ ሰብነቱ ብምልኣት ኽንቅበሎ ኣሎና፦ ልክዕ ከምቲ ፍጹም ሰብኣውነት ኢየሱስ ንምልኣት መለኮታዊ ውህበት ዝገልጾ፣ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ካብ ሰብኣውነት ገለ ነገር ኣብ ዝጐድለሉ ቦታ ውን ኣይኮነ ዝግለጽ፣ እቲ ምሉዕ ሰብኣውነት ኢየሱስ ኢዩ ብዛዕባ ሓቂ ናይ ኣቦ ዝገለጸልና። (ዮሓ 1፡18)።
እቲ ዘድሓነናን ዝጸውዓናን ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ፣ እቲ ስጋ ዝለበሰን ዝተወልደን፣ ዘሕውን ዝምህርን፣ ዝተሳቐየን ዝሞተን ዝተንስኣን፣ ኣብ ማእከልና ውን ዚነብር ጐይታ ባዕሉ እዩ። ስለዚ ንዕቤት ሥጋዌኡ ንምኽባር ንኢየሱስ ከም መትረብ መተሓላለፊ ኣእምሮኣዊ ሓቅታት ጌርካ ምርኣይ እኹል ኣይኰነን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀይና ኣካልነት ስለዘለዎ፣ እቲ ሓቀይና ውህደት ምስ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣብዚ ኣካል እዚ ኢዩ ተፈጺሙ፣ እዚ ድማ በቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኾነ መገዲ ክውንነትን፣ ብናይ ገዛር ርእሱ ምስትውዓልን ስምዒትን፣ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍኖተ መነባብሮን፣ ኣቢሉ ናብ ዓለም ክሓልፍ ክንዲ ዝኸኣለ ኢዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብዛዕባ ሓቂ ዘለዎ ኣረኣእያ ክንካፍል ዓዲሙና ኣሎ፦ "ነኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ርኣዩ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ይምግበን ደአ እምበር፣ ኣይዘርኣን ኣይዐጽዳን ኣብ መኽዘን ውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩም ግዳ ካብኣታትን ኣዚኾም ዶ ኣይትበልጹን ኢኹም?" በለ። (ማቴ 6፡26)።
ዝኸበርኩም አኅዋትን ኣሓትን ኣሰር ኣሰር ኢየሱስ ክሳዕ መወዳእታ ብምስዓብ፣ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልየና ዚኽእል ዋላ ሓደ ነገር ከም ዘየለ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ብሓድሽ "ኣምላኽ ምሳና እንተ ዀይኑ መን እዩ ዝቃወመና?" ክብል ጸሓፈ። እቲ ንወዱ ዘይነሓፎ፣ እዃ ደአ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ ከመይ ኢሉ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና? (ሮሜ 8፡31-32)። ሳላ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶን፣ ክርስትያን ምእመናን ነኣቦ ይፈልጥዎን ብምትእምማን ድማ ገዛእ ርእሶም የወፍዩሉ።
