ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ዝተዘርግሐ "ልዮን በዓል ቺካጎ" ዝተሰምየ ሰነዳዊ ቪድዮ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዛ “ልዮ በዓል ቺካጎ” እተሰምየት ሰነዳዊት ፊልም፣ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስ መን ከም ዝነብረን ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኮይንዎ ዘሎን ኣብ ምፍላጥ ዓሚቝ ዘገባ እተቕርብ፣ ካብቶም ብቐረባ ዝፈልትዎም ሰበባት ከም ኣሕዋቱ ልዊስን ጆንን ዘለዎም ኣረኣእያ ዝሓዘት፣ ፍልይትን ቅርበታውን መግለጺ እትህብ ሰነዳዊት ቪድዮ ኢያ።
ዓብዪ ሓው ሉዊስ ፕሪቮስት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ "ቍጡዕ ምንባሩ ኣይዝከረንን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ነኣዴታት ዝሃበን ላዋህ ዝኾነ ባህሪ እዩ ዝነብሮ" ክብል፣ ነቲ ሕጻን ሮበርት ኣብ ፍሎሪዳ ዘሕለፎ ናይ ንእስነት ታሪኽ የዘንቱ። ሉዊስ ሓዎም ወሲኹ ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዛንታታትን ናይ ስድራቤታዊ እዋናቱን የካፍል፣ ናይ ቍልዕነት ግዜኦምን ስድራቤታዊ ህይወቶምን ብስእላዊ መንገዲ የዘንቱ።
ብተመሳሳሊ እቲ ማእከላይ ሓዎም ጆን ውን ብወገኑ፣ ካብ ወለዶም ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ሮበርት ማኪና ንምምራሕ ዝነበሮ ፍቕርን፣ ንዅሉ ባህርያቱ እንደገና ብምምርማርን ብምዝንታውን ዘለዎ ናፍቖትን ተዘክሮታትን የካፍል። ሮበርት ኣብ ታሕተዋይ ምድሪ ቤቶም ብላቲንን እንግሊዝኛን ጸሎት ቅዳሴ "ክለማመድ" እንከሎን፣ ነቲ ናይ ኣዲኦም ሚልድረድ ናይ ሓጺን ጠረጴዛ ከም መንበረ ታቦት ገይሩ ኺጥቀመሉ ኸሎ ውን ከይተረእ ዘለዎ ተዘክሮታት የካፍል።
ዓለም ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተወልደ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ (ከምኡ እውን ኣብ ሃገረ ፔሩ ሰፊሕ ጕስነታዊ ተመክሮ ዘለዎን፣ ኣብ ኩርያ ሮማና ዓብዪ ኣገልግሎት ዝነብሮን ናይ ሃገረ ፔሩ ዜግነት ዘለዎን) ክትረክብ እንከላ፣ ኣሕዋቱ ብወገኖም እቲ ናይ ዕርቅን ርክባትን ውህበት ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ኸም
ዝነበሮ ይዝክሩ። ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን እንተ ዀነ ንሱን ሉዊስ ሓዉን ሓደ እዋን ብብሽክለታኦም ናብ ሓደ ጭካነን ዓመጽን ዝመልኦ ኸባቢ ቺካጎ ምስ በጽሑ፣ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ሮበርት ነቶም "ዘይእዙዛት ጭፍራ" ኪዀኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ናብ ኣዕሩኹ ክቕይሮም ከም ዝኸኣለ ውን ይዝክሩ።
እዛ ፊልም እዚኣ ተዘክሮታት ካልኦት ፈተውቱን ኣጐስጢኖሳውያን ካብ ሚድዌስትን ኣብ ቺካጎን ካብ ኣውራጃ ቅዱስ ቶማስ በዓል ቪላኖቫን ዝመጹ ሰባት እውን ዝሓዘ እያ። ተዘክሮታቶም ምስቲ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ፍቕርን ዕርክነትን ተደሪኾም ብእሙንነቱን ብዋዛኡን ዝፍለጥ "ኣባ ቦብ" ውን ወሲኽካ ተመክሮኦም የካፍሉ።
ምስቲ ሮበርት ብ1980 ኣብ ሚናፖሊስ ኣብ ዝርከብ ቤተ ሕክምና ገዳመ ኖርዝዌስተርን ኣብ ጕስነታዊ ኣገልግሎት ተመኩሮ ክቐስም እንከሎ ዝረኸቦ፣ ሉተራዊ ፓስተር ጆን ስኒደርን ነባሪ ዕርክነት ከም ዝነበሮ እውን የጕልሕ። ስኒደር ካብ ስነ-መለኮታዊ ምይይጥ ኣብ ግዜ ድራር ኣትሒዙ፣ ኽሳዕ እቲ ብሉጽ ሕውነታዊ ግዜ ዝበሃል ናይ ሰሓቕን ጸወታን ግዜ የሕልፉ ምንባሮምን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ ግዜ በረድ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምዝዋር ዜጠቓልል ተዘክሮታት የካፍል።
ካልእ መሓዛኦም ዝነበረት ድማ ሜሪ ዶናር-ሪል እትበሃል መማህርታ ቪላኖቫ፣ ብዛዕባ ሓባራዊ ተዘክሮታቶምን ብዛዕባ እቲ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ምሕዝነታዊ መዘከርታታትን ተካፍል።
ፕሪቮስት ንናይ ከተማ ቺካጎ ጕጅለ ስፖርት ዋይት ሶክስ ዝነበሮ ፍቕሪ - ኣዲኡ ንኩብስ እትድግፍ እኳ እንተ ነበረት፣ ምስ መበቈሉ ሳውዝ ሳይድ እውን ዝነበሮ ቀበር ውን ጐሊሑ ይርአ ነበረ ። እዛ ሰነዳዊት ፊልም ኣስዒባ ናብ ሬት ፊልድ ምልስ ብምባል ኣብኡ ድማ ኣብ ጸወታ ቐዳማይ ናይ 2005 ዎርልድ ሲሪ ተኻፊሎም ከም ዝበሩ ትዝክር።
እዛ ፊልም እዚኣ ዳርጋ 30 ቃለ-መሕትታት ዝሓዘት ኰይና፣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘሕለፍዎ ናይ ንእስነት ህይወትን፣ መንፈሳዊ ጕዕዞን ንጡፍ ኣገልግሎትን ከኣ ትገልጽ። ጐረባብትን፡ መምህራንን፡ ኣጉስቲንያውያንን ፈተውቶምን፡ ካብቲ ኣብ ዶልተን ዝርከብ ገዛ ስድራ ቤት ፕሪቮስት ዘሎ ተዘክሮታቶም ውን ተካፍል፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ነቲ ዝፍተዎ ዝንበረ ኦረልዮ ፒሳ ሓዊስካ ኣብቲ ኸባቢ ዘዘውትሮ ዝነበረ ሒደት ዓይነታት ምግቢ ውን ተዘንቱ።
እዚ ሰነዳዊ ፊልም ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ምስ ርእሰ ሰበኻታት ቺካጎን ምስ ኣፖስቶላዶ ኤል ሴምብራዶር ማሕበር ሓድሽ ስብከተ ወንጌል (ESNE) ብምትሕብባር እዩ ተሰናድዪ።
