"ልዮን ካብ ቺካጎ" - ሰነዳዊ ፊልም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ኣመሪካ፡ ዓደቦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብ መንጎ ድምጽታት፡ ምስልታትን ምስክርነትን ብዛዕባ ተክለ ሰብነት፡ ታሪኽ፡ መበቆል፡ ዝምድናን ጸዋዕታን ናይቶም ካብ 8 ግንቦት 2025 ጀሚሩ ንኵላዊት ቤተ ንኽመርሑ ዝተሓርዩ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሕይወት ታሪኽ እትድህስስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝከታተል ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተሰናደወ ሰነዳዊ ፊልም ብወግዒ ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ናይቶም ዕለት 8 ግንቦት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽመርሑ ዝተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ታሪኽ ህይወት ዝድህስስ ሰነዳዊ ፊልም፡ ካብ መጀመርታ ዓመታቶም ጀሚሮም ናይ ዘተን ምይይጥን ዕርክነትን ዝንባለ ዘርእይ ስብእናኦም ብዕምቆት ንምርዳእ ዝሕግዝ ኮይኑ፣ ምሕዝነት ምስ ኣባላት ደቂ ማሕበሮም ኣጎስጢኖሳውያን ዓሚቕ ርካባቶምን - ዕርክነቶም ምስ መጻምድትን ኣባይቲ ስድራን፡ ምስ ሓደ ሉተራዊ መጋቤ ጆን ስናይደር ካብ ሚኒያፖሊስ ዝሃብዎ ምስክርነት ዘጠቓልል፡ እዚ ኩሉ ባህርያት ዘተን ምይይጥን ዕርክነትን ብዕምቆት ኣውጉስቲናውነቶም ዘንጸባርቕ ከም ዝኾነ ዘርእይን መጋቤ ጆን ስናይደር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እውን እቶም መንእሰይ "ቦብ" ("ሕጂ ልዮን መበል 14፡ ኣብ ልበይ ግን ኩሉ ግዜ ቦብ እዩ ይብሉ) ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫን ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ክህነት ምኽንያት ድማ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቲዮሎጊያ ቺካጎ ዘሕለፍዎ ሕይወት ዝድህስስ እዩ።
