ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
2025.01.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ካህናት ብስቓይ ሰባት ‘ክቕረጹ’ ጻውዕዊት የቕርቡ 2025.01.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ካህናት ብስቓይ ሰባት ‘ክቕረጹ’ ጻውዕዊት የቕርቡ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ካህናት ብስቓይ ሰባት ‘ክቕረጹ’ ጻውዕዊት የቕርቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ብዙሓት ሃገረ ስብከታት ስጳይና ዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይን መምሃራንን ሃነጽቲ ውሉደ ክህነትን፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ካህናት ብስቓይ ናይቶም ዘገልግልዎም ሰባት ክቕረጹ ዝፈቕዱ ክኾኑ ኣለዎም እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን መጉዳእቲ ዘጓነፋ ከተማ ቫለንሲያ ዘጠቓልል፡ ካብ ብዙሓት ሃገረ ሰበኻታት ስጳይና ዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይን መምሃራንን ሓነጽቲ ካህናትን፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

እቲ ኣብ ስጳይና ከተማ ቫለንሲያ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘስዓበ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን፥ ዳግማይ ከየጋጥም ተስፋ ዝግበሮ ፍልይ ዝበለ ተርኣዮ ጥራይ ኣይነበረን . . . ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓዘን ከጋጥሞ እንከሎ፡ ጽምዋ ኽስምዖ እንከሎ፡ ካብ መረበቱ ከመዛበል እንከሎ፡ ንቕድሚት ንምስጓም ደገፍ ዘድልዮ ምዃኑ ዘረጋግጽ ተመክሮ እውን ዝተነብረሉ እዩ ቢሎም፡ ግደ ካህናት “ንዝተሰብረ ልቢ ምጽንናዕ፡ ኣብ ሞንጎ ዓበይትን ንኣሽቱን ሓደጋታት መዓልታዊ ህይወት፡ ንሰባት መንፈሳዊ ደገፍ ምሃብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ . . . "በቲ ብዘጋጠመ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን ዘጓነፈኩም ሓዘንን ስቓይን ብርቱዕ እውን እተኾነ፡ እቲ ጽንኩር ኩነት ንተስፋ ክፉታት ክንከውን ዝድርኽ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ድቕቅድቕ ዝበለ ጸልማት ክንበጽሕን ኩሉ ዘጽንዓና ዝመስል ዝነበረ ሓደሽ ክብል እንከሎን፡ ካብኡ ንላዕሊ ክንከይድ ዘኽእለና ስለ ዝኾነ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰባት ነቲ ጸልማት ኣብ ምግጣም በይኖም ከም ዘይተርፉ፡ ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን ብብዙሓት ወለንተይናታትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ዝተወፈየ፡ መግለጺ ለውሃት ኣምላኽ ዝኾነ ሰናይ ተግባር የረጋግጾ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተስፋ ካብ ባዶ ሓረጋት ወጺእና ዝዓሞቐ ትርጉም ክንደሊ ይድርኸና . . . ተስፋና ስም ኣለዎ- ኢየሱስ እዩ - ነፍሲ ወከፍ ካህን፡ ካልአ ክርስቶስ ክኸውን ዝተጸውዐ እዩ . . . ልቦም ዝተሰብረ ሰባት ክትራኸብን ክትርእን እንኮለኻ - ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ገዛእ ርእስ እንጌራ ገይሩ ንኹሉ ዝፈተተ፡  ገዛእ ርእስና ክንህብ እዩ ዘሎና!”

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ልክዕ ከምቲ ንዅሉ ነገራት ብናጻ እትቕበልዎ፡ ገዛእ ርእሶm ብናጻን ብለጋስነትን ከወፍዩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Jan 2025, 16:22
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930