
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ካህናት ብስቓይ ሰባት ‘ክቕረጹ’ ጻውዕዊት የቕርቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ካብታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን መጉዳእቲ ዘጓነፋ ከተማ ቫለንሲያ ዘጠቓልል፡ ካብ ብዙሓት ሃገረ ሰበኻታት ስጳይና ዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይን መምሃራንን ሓነጽቲ ካህናትን፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥
እቲ ኣብ ስጳይና ከተማ ቫለንሲያ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘስዓበ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን፥ ዳግማይ ከየጋጥም ተስፋ ዝግበሮ ፍልይ ዝበለ ተርኣዮ ጥራይ ኣይነበረን . . . ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓዘን ከጋጥሞ እንከሎ፡ ጽምዋ ኽስምዖ እንከሎ፡ ካብ መረበቱ ከመዛበል እንከሎ፡ ንቕድሚት ንምስጓም ደገፍ ዘድልዮ ምዃኑ ዘረጋግጽ ተመክሮ እውን ዝተነብረሉ እዩ ቢሎም፡ ግደ ካህናት “ንዝተሰብረ ልቢ ምጽንናዕ፡ ኣብ ሞንጎ ዓበይትን ንኣሽቱን ሓደጋታት መዓልታዊ ህይወት፡ ንሰባት መንፈሳዊ ደገፍ ምሃብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ . . . "በቲ ብዘጋጠመ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን ዘጓነፈኩም ሓዘንን ስቓይን ብርቱዕ እውን እተኾነ፡ እቲ ጽንኩር ኩነት ንተስፋ ክፉታት ክንከውን ዝድርኽ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ድቕቅድቕ ዝበለ ጸልማት ክንበጽሕን ኩሉ ዘጽንዓና ዝመስል ዝነበረ ሓደሽ ክብል እንከሎን፡ ካብኡ ንላዕሊ ክንከይድ ዘኽእለና ስለ ዝኾነ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሰባት ነቲ ጸልማት ኣብ ምግጣም በይኖም ከም ዘይተርፉ፡ ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን ብብዙሓት ወለንተይናታትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ዝተወፈየ፡ መግለጺ ለውሃት ኣምላኽ ዝኾነ ሰናይ ተግባር የረጋግጾ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተስፋ ካብ ባዶ ሓረጋት ወጺእና ዝዓሞቐ ትርጉም ክንደሊ ይድርኸና . . . ተስፋና ስም ኣለዎ- ኢየሱስ እዩ - ነፍሲ ወከፍ ካህን፡ ካልአ ክርስቶስ ክኸውን ዝተጸውዐ እዩ . . . ልቦም ዝተሰብረ ሰባት ክትራኸብን ክትርእን እንኮለኻ - ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ገዛእ ርእስ እንጌራ ገይሩ ንኹሉ ዝፈተተ፡ ገዛእ ርእስና ክንህብ እዩ ዘሎና!”
ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ልክዕ ከምቲ ንዅሉ ነገራት ብናጻ እትቕበልዎ፡ ገዛእ ርእሶm ብናጻን ብለጋስነትን ከወፍዩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።