ር. ሊ. ጳ. ንስድራ እተጠምቁ ህጻናት ፦ ጥምቀት ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ብቅብኣ ኣሳእል ሚክኤል ኣንጀሎ ዝወቀበ ናሕስን መናድቕን ቤትጸሎት ሲስቲን ናይ 21 ህጻናት ሥርዓተ ምስጢረ ጥምቀት ፈጺሞም ።
ሎሚ እቶም ቈልዑ ሓላፍነት ህጻናት ኣለዉ
ኣብ መባዕታ መሥዋዕተ ቅዳሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንስድራ ቤታት እቶም ተጠመቕቲ ሰላምታ ኣቕረቡሎም፣ ነቶም ህጻናት ኺበኽዩን ጫውጫው ክብሉን ኪምገቡን ግደፍዎም ክብሉ ድማ ቅዱስነቶም ኣተባብዕዎም ። "እዞም ህጻናት ፍዅስ ክብሎም ክብሎም ኣለዎ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እዞም ኤዶርዶ ሚያ ማሪያ ሲልቭያ ሎረንዞ ከምኡውን ካልኦት 17 ቈልዑ "ሎሚ መዝነት ይቕበሉ ኣለዉ፣ ብጸሎት ከኣ ከነገልግሎም ኣሎና" ክብሉ ተላበዉ።
ንወለድን ንኣባሓጎታትን ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤትን ሎሚ ንዉሉዶም ጥራይ ዘይኰነስ ንዓታቶም እውን ፍልይቲ መዓልቲ ምዃና ኣዘኻኸርዎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነፍሲ ወከፍኩም ንዓኻትኩምን ንወለድኹምን ንቤተ ክርስትያንን እቲ ዝዓበየ ውህበት ማለት ውህበት እምነት ንደቅኹም ትህቡ ኣሎኹም " ክብሉ ውን ኣሞገስዎም ።
ኣብ ግዜ ጸገም ንሽምዓ እምነትኩም ኣብርሁ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣሕጽር ኣቢሎም ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ነዞም ህጻናት እዚኣቶም "ብእምነት ብሓቀይና ሰብኣውነት ከምኡውን ብሓጐስ ስድራቤት ንኽዓብዩ" ክሕግዞም ንጐይታ ኣማሕጸንዎም።
ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ሓሙሽተ ቐንዲ ምልክታት ጥምቀት ማለት ብዛዕባ ሽምዓ ጻዕዳ ልብሲ ኣስተንተኑ ። ነቶም ወለድን ንኣቦሓጎታቶም እኖሓጎታቶምን ምስ እዞም ህጻናት ኮይኖም ናይ እምነት ብርሃን ሽምዓ ክስከሙ ውን ኣተባብዕዎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ንመዓልቲ ጥምቀት ካብ ምዝኽኻር ሓሊፎም ውን ነቶም ወለዶም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ሽምዓ ኺጥቀሙ ሓደ ብድሆ ኣቕረቡሎም። "ጸገም ወይ ግድላት ህይወት ክገጥመኩም እንከሎ ንስድራቤትኩም ጸጋ ክህበኩም ንጐይታ ንምምሕጻን ሽምዓ ኣብርሁ" ብምባል ውን መዓድዎም።
ፍሉይ ልምዲ
እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህጻናት ናይ ምጥማቕ ልምዲ ኻብ 1981 ዓ.ም. ኢዩ ጀሚሩ ። ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ኣብ ሃዋርያዊ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ቤተጸሎት ፖሊን ህጻናት ምጥማቕ ጀመሩ፣ እዚ ጽምብል እዚ ኸኣ ንደቂ ወተሃደራት ስዊዝ ጥራይ እተሓዝአ ኢዩ ዝነብረ።
ድሕሪ ኽልተ ዓመት ማለት ብ1983 እዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዚ ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ክካየድ ጀመረ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ንደቂ ዅሎም ሰራሕተኛታት ቫቲካን ውን ዕድል ክህብ ጀመረ ።