ር. ሊ. ጳ. ንስድራ እተጠምቁ ህጻናት ፦ ጥምቀት ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ 21 ሕጻናት ኣጠሚቖም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ብቅብኣ ኣሳእል ሚክኤል ኣንጀሎ ዝወቀበ ናሕስን መናድቕን ቤትጸሎት ሲስቲን ናይ 21 ህጻናት ሥርዓተ ምስጢረ ጥምቀት ፈጺሞም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ህጻን እንከጠምቑ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ህጻን እንከጠምቑ

ሎሚ እቶም ቈልዑ ሓላፍነት ህጻናት ኣለዉ

ኣብ መባዕታ መሥዋዕተ ቅዳሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንስድራ ቤታት እቶም ተጠመቕቲ ሰላምታ ኣቕረቡሎም፣ ነቶም ህጻናት ኺበኽዩን ጫውጫው ክብሉን ኪምገቡን ግደፍዎም ክብሉ ድማ ቅዱስነቶም ኣተባብዕዎም ። "እዞም ህጻናት ፍዅስ ክብሎም ክብሎም ኣለዎ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እዞም ኤዶርዶ ሚያ ማሪያ ሲልቭያ ሎረንዞ ከምኡውን ካልኦት 17 ቈልዑ "ሎሚ መዝነት ይቕበሉ ኣለዉ፣ ብጸሎት ከኣ ከነገልግሎም ኣሎና" ክብሉ ተላበዉ።

ተቐመቕቲ ህጻናትን ወለዶምን ኣብ ቤትጸልት ሲስቲን
ተቐመቕቲ ህጻናትን ወለዶምን ኣብ ቤትጸልት ሲስቲን

ንወለድን ንኣባሓጎታትን ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤትን ሎሚ ንዉሉዶም ጥራይ ዘይኰነስ ንዓታቶም እውን ፍልይቲ መዓልቲ ምዃና ኣዘኻኸርዎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነፍሲ ወከፍኩም ንዓኻትኩምን ንወለድኹምን ንቤተ ክርስትያንን እቲ ዝዓበየ ውህበት ማለት ውህበት እምነት ንደቅኹም ትህቡ ኣሎኹም " ክብሉ ውን ኣሞገስዎም ።

ኣብ ግዜ ጸገም ንሽምዓ እምነትኩም ኣብርሁ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣሕጽር ኣቢሎም ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ  ነዞም ህጻናት እዚኣቶም "ብእምነት ብሓቀይና ሰብኣውነት ከምኡውን ብሓጐስ ስድራቤት ንኽዓብዩ" ክሕግዞም ንጐይታ ኣማሕጸንዎም።

ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ሓሙሽተ ቐንዲ ምልክታት ጥምቀት ማለት ብዛዕባ ሽምዓ ጻዕዳ ልብሲ ኣስተንተኑ ። ነቶም ወለድን ንኣቦሓጎታቶም እኖሓጎታቶምን ምስ እዞም ህጻናት ኮይኖም ናይ እምነት ብርሃን ሽምዓ ክስከሙ ውን ኣተባብዕዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓደ ተጠማቒ ህጻን እንክቐብኡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓደ ተጠማቒ ህጻን እንክቐብኡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ንመዓልቲ ጥምቀት ካብ ምዝኽኻር ሓሊፎም ውን ነቶም ወለዶም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ሽምዓ ኺጥቀሙ ሓደ ብድሆ ኣቕረቡሎም። "ጸገም ወይ ግድላት ህይወት ክገጥመኩም እንከሎ ንስድራቤትኩም ጸጋ ክህበኩም ንጐይታ ንምምሕጻን ሽምዓ ኣብርሁ" ብምባል ውን መዓድዎም።

ፍሉይ ልምዲ

እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህጻናት ናይ ምጥማቕ ልምዲ ኻብ 1981 ዓ.ም. ኢዩ ጀሚሩ ። ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ኣብ ሃዋርያዊ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ቤተጸሎት ፖሊን ህጻናት ምጥማቕ ጀመሩ፣ እዚ ጽምብል እዚ ኸኣ ንደቂ ወተሃደራት ስዊዝ ጥራይ እተሓዝአ ኢዩ ዝነብረ።

ድሕሪ ኽልተ ዓመት ማለት ብ1983 እዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዚ ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲን ክካየድ ጀመረ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ንደቂ ዅሎም ሰራሕተኛታት ቫቲካን ውን ዕድል ክህብ ጀመረ ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ በዓለ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
13 January 2025, 16:02