ኵናት ሊባኖስን እስራኤልን፡ ኣመሪካን ኢራንን ኵናት ሊባኖስን እስራኤልን፡ ኣመሪካን ኢራንን  (AFP or licensors)

ኣብ ሊባኖስ ኣገልግሎት ስደተይናታት ኢየሱሳውያን ንእተመዛበሉን ስደተኛታትን ረድኤት ይህብ

ኣብ ሃገረ ሊባኖስ ዓመጽ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተመዛቢሎም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ትካላት ግብረ ሰናይ፡ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት መዕቈብን ምግብን፡ ስነ-ኣእምሮኣውን፡ ማሕበራዊ ደገፍን ብህጹጽ ንኽህቡ ከም ዝደረኾም ኣገልግሎት ስደተይናታት ኢየሱሳውያን ገሊጹ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኢራን ኣብ መንግስታውን፡ ወተሃደራውን፡ ሲቪላውን ትሕተ-ቅርጺ ብዝገብርዎ ዘለዉ ቀጻሊ ደብዳብ ልዕሊ 1,000 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። እቲ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ቀዳም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ቈሲሎም፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ተመዛቢሎም ኣለዉ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ጊዜ፡ ብመጠኑ፡ እቲ ግጭት እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ፣ ኢራን ድማ ኣብ ወሽመጥ ናይ ሕነ ምፍዳይ ደብዳብ ትቅጽሎ ኣላ፣ እዚ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ኣጋዲድዎ ይርከብ፣ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ዝያዳ ምክፍፋል ኣስዒቡ ኣሎ።

ስደተይናታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት
ስደተይናታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት

ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዞባዊ ሓላፊ ኣገልግሎት ስደተኛታት ኢየሱሳውያን (JRS) ኣባ ዳንኤል ኮሩ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስን ኣብ ከባቢኣን መጥቃዕትታት እናቐጸለ ምስ ከደ፡ እቲ ኵነታት ብቕልጡፍ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ገለጾም።

ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ተመዛቢሎም

ኣባ ዳንልኤ ኮሩ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ሓደጋ፡ ንብዙሓት ሰባት ብፍላይ ካብ ደቡባዊ ሊባኖስን፡ ገለ ክፋላት በይሩትን ካብ ኣባይቶም ኪሃድሙ ኣገዲድዎም ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብታ ርእሲ ከተማ ዕቝባ ይደልዩ ኣለዉ።

"ምናልባት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ካብ ደቡባዊ ሊባኖስን፡ ካብ ደቡብ በይሩትን ተመዛቢሎም ንርኢ ኣሎና" ብምባል ወግዓዊ ቍጽሪ ገና ይረጋገጽ ከም ዘሎ ገሊጾም።

መንግስቲ ሊባኖስ ብኣማኢት ዝቝጸር ግዝያዊ መዕቈቢ ከፊቱ፡ ሕዝባዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ናብ ህጹጽ መዕቈቢ ስድራቤታት ቀይርዎ ይርከብ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቦታታት ድሮ ብብዝሒ ሰባት ኣዕለቕሊቑ ኣሎ።  "ልዕሊ 300 ሕዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መዕቈቢ ተቐዪረን ይርከባ፣ እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝመልአ ፈሊጥና ኣሎና" ክብሉ ኣባ ዳንኤል ወሲኾም ገሊጾም።

መዕቈቢ ቤተ-ክርስትያን ንስደተኛታት ሰራሕተኛታት ይሕግዝ

ብዙሓት ስድራቤታት ሊባኖስ ኣብ መንግስታዊ መሳለጥያታት መዕቈቢ እኳ እንተ ረኸባ፣ ስደተኛታት ሰራሕተኛታትን፡ ደቂ ሊባኖስ ዘይኰኑ ዜጋታትን፡ ሓገዝ ንምርካብ ተወሳኺ ብድሆታት ኣጋጢምዎም ኣሎ። ኣባ ዳንኤል ኮኑ ከምዝሓበርዎ፡ ወግዓዊ ፖሊሲ ንወጻእተኛታት ካብ ሕዝባዊ መዕቈቢ ዘይንጽሎም እኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ግን ከም እተሰጕጉ ተገሊጹ ኣሎ።

"ሊባኖሳውያን ዘይኰኑ ስደተኛታት ናብ መንግስታዊ መዕቈቢ ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎም ንሰምዕ ኣሎና። እዚ ወግዓዊ ፖሊሲ ኣይኮነን፣ ከም ሓቂ ግን ኣብቲ መዕቆቢ ተቐባልነት ይረኽቡ የለዉን።”

በዚ ምኽንያት እዚ ኣገልግሎት ስደተኛታት ኢየሱሳውያን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ማሕበረሰባት ቤተ-ክርስትያንን፡ ነቲ ኣቀዲሙ ኣብ 2024 ኣብ ዝነበረ ኲናት እተመስረተ መዕቈቢ እንደገና ከፊቶምዎ ይርከብ። እዚ ናይ መዕቆቢ ቦታታት እዚ፡ ሕጂ ካብ ፊሊፒንስ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ የመን፡ ሰራ ልዮን፡ ናይጀርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታትን ይቕበል ኣሎ።

ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህጹጽ ረድኤት ይቅየር

መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ናይ ስደተኛታትን ናይ ትምህርቲ መደባት ኣተኲሩ ዝሰርሕ፡ ኣገልግሎት ስደተኛታት ኢየሱሳውያን፡ ነቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ንጥፈታቱ ቀዪሩ ይርከብ።

ኣባ ዳንኤል ኮሩ "ናይ ኣእምሮ ጥዕናን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍን መደባትና ንቅጽሎ ኣሎና፣ ኣብያተ ትምህርቲ ስለ እተዓጽወ ግን ናይ ትምህርቲ መደባትና ግን ደው ኢሉ ኣሎ። ንሰራሕተኛታትና ካብ ማእከላት ትምህርቲ፡ ናብ መዕቈቢ ስደተኛታት ቀዪርናዮም ኣሎና። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ብህጹጽ ዘድሊ ነገራት ውሕስነት ዘለዎ መዕቈቢን፡ ጥዕናን፡ ንእተመዛበሉ ስድራቤታት መግቢ ምዕዳልን ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።

ጻውዒት ሰላምን ዲፕሎማሲን

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ እተፈጥረ፡ ምጥርጣርን ፍርህን እኳ እንተሎ፡ ብዙሓት እተመዛበሉ ስድራ ቤታት ኣብ መወዳእታኡ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ተስፋ ኣለዎም።

"ሕዝቢ ሊባኖስ ንሃገሮም የፍቅሩን፡ ኣብኡ ብሰላም ክነብሩ ይደልዩን እዮም" ውሕስነትን ድሕነትን ግን፡ ነቶም ክምለሱ ተስፋ ዝገብሩ ቀንዲ ዘተሓሳስቦም ነገር ኢዩ።

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14: ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንኽሰፍን ዘቕረብዎ ጻውዒት ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምዎ፣ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበልዎ ቃላት በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ጽቡቕ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ዝገለጹ፡ ኣባ ዳንኤል፡ መራሕቲ ሃገራት ንጻውዒት ሰላም ክሰምዑ ተስፋ ብምግባር "ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምሕባር" ብቀጻሊ ንጽሊ ኣሎና ኢሎም።

እቲ ምሕጽንታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ፡ "ዓመጻ ኣብዚ ደው ክብልን፡ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃገራት ክህሉ ንዘለዎ ዘተ ክፉት ክኸውን፡ መራሕቲ መንግስታት ከኣ ጠለባት ሕዝቦም ብርዝነት ክርእይዎን ኢዩ።”

"ሕዝቢ ንስድራቤቶም ክከናኸኑን፡ ማሕበረሰብኣዊ ትካላት ክሃንጹን፡ በቲ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ሃብታም ሃይማኖታውን ባህላውን ፍልልያት ብሓባር ክነብሩን፡ ሰላምን ርግኣትን የድልዮም። ሕዝቢ "ብሰላምን ርግኣትን ክነብሩ ክኽእሉ ኣለዎም" ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

 

06 Mar 2026, 13:13