ድለ

ትካል ሓልዮ ህጻናት ው. ሕ. ሃ. ሕማም ኮሌራ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ትካል ሓልዮ ህጻናት ው. ሕ. ሃ. ሕማም ኮሌራ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ  (AFP or licensors)

ትካል ሓልዮ ህጻናት ው. ሕ. ሃ. ሕማም ኮሌራ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ

ጸብጻብ ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF፡ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ንዝርከባ ሽዱሽተ ሃገራት የጥቅዕ ብምህላዉ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ንሓደጋ ከም ዝተቓልዑን፡ ወቕታዊ ዝናም፡ ውሕጅ፡ ምምዝባል ህዝቢ፡ ከምኡ’ውን ስግር - ዶባዊ ምንቅስቓሳት፡ ንዝርግሐ እቲ ተላባዒ ሕማም የቀላጥፍዎ ምህላዉ የረጋግጽ።

ዜና ቫቲካን

 እተን በዚ ሕማም ዝተጎድኣ ሃገራት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ናይጀርያ፣ ጫድ፣ ካሜሩንን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን እየን። ህጻናት ካብቶም ኣብቲ ዝተጠቕዑ ከባቢታት በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ርኡይ ክፋል ይኾኑ። ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ 44 ሚእታዊት ካብቶም ብተላባዒ ሕማም ሽሮኽ ዝተለኽፉ ሰባት ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ጫድ ድማ ዳርጋ ክልተ ሲሶ ካብቶም ዝተለኽፉ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ካሜሩን ማእከላይ ዕድመ ሕሙማት ዓሰርተ ዓመት እዩ። ኣብ ናይጀርያ ካብ መጀመርታ 2026 ኣትሒዙ ልዕሊ 50,000 ብሽሮኽ ሕማም ከም ዝተለኽፉን 338 ሰባት ድማ ከም ዝሞቱን፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ልዕሊ 30,400 መልከፍቲ ከምእትመዝገበን ኣስታት 700 ከም ዝሞቱን ኣብቲ ዞባ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ከምዘመዝገበት እውን ይፍለጥ።

ክልተ መልክዓ ምድራዊ መተሓላልፎ

እቲ ለብዒ ብቐንዱ ኣብ ክልተ መልክዓ ምድራዊ መተሓላልፎታት ዝተዋህለለ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ተፍሳስ ቀላይ ጫድ -  ንጫድን: ካሜሩንን ናይጀርያን ዝጸሉ- ከምኡውን ተፋሰስ ሩባ ኮንጎ ዝምልከት እዩ። ኣብዘን ዞባታት ዝረአ ዘሎ ውሕጅ ንምንጪ ዝስተ ማይ ይብክል፣ ትሕተ ቅርጺ ጽሬት ይጎድእ፣ ንዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ንምብጻሕ ይዕንቅፍ ኣሎ። ናይ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ትካል ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ጉለስ ፋንይኒኑ፡ እቲ ሕማም ብሃገራዊ ዶባት ብመስመራት ማይ፡ መስመራት ንግዲን ዋሕዚ ስደትን ይዝርጋሕ ከምዘሎ ይገልጽ። ንብዙሓት ህጻናት ጽሩይ ዝስተ ማይ ምርካብ እኹል ኣይኮነን። እቲ ለበዳ ንምግታእ ዞባዊ ስጉምትን ወፈራታትን የድሊ። ኣብ ባይታ ትካል ሓይል ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሃገራዊ ሰበስልጣን ዝምራሕ ስጉምትታት ብምድጋፍ ተበጻሕነት ውሑስ ማይን ጽሬትን ንምምሕያሽ፣ ነቲ ሕማም ንምክትታልን ቀረብ ሕክምና ንምቕራብን ይሕግዝ ኣሎ። ወፍሪ ክታበት እውን ይካየድ ኣሎ፣ ምስ ከም ውድብ ጥዕና ዓለምን ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (CDC) ዝኣመሰሉ ትካላት ስግረ - ዶባዊ ምውህሃድ የደልድል፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጻዕርታት ረድኤት ንምዕባይ፡ እቲ ትካል ተወሳኺ 15 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሓተተ ዜና ቫቲካን ጸብጻብ እቲ ውድብ ጠቒሱ ይሕብር።

14 Aug 2026, 17:33