ስክፍታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምዝባዕ ህይወት ቓዛ
ሰበስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንህይወት ሰላማውያን ይዘርግ ከምዘሎን፡ መዕቆቢ ቦታታት ይሃስዩን ምምዝባል ክውስኽ ይገብር ከምዘሎን ይገልጹ።
ዜና ቫቲካን
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ጉጅለታት ረድኤት ሓገዝ ከስፍሑን መዕቆቢ ቦታታት ከማሓይሹን ኣገደስቲ መሰረታዊ ንዋት ብቕልጡፍ ናብ ቓዛ ክኣትዉ ከምዘለዎም ገሊጹ፡
ጉጅለታት ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ቓዛ ኣስታት 3 ሽሕ ግዝያዊ መዕቆቢታት ብምምሕያሽ ን9 ሽሕ ስድራቤታት ህጹጽ ቀረብ ከም ዘካፈሉ የመላኽት።
ብተናጸል፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሰሜን ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተይናታት እስራኤል ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስርሒት ዓሰርተ ሽዱሽተ ፍልስጤማውያን ቆሲሎም ልዕሊ 60 ድማ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ይንገር።
ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም፡ ሰራሕተይናታቱ ዝተፈላለየ መጉዳእቲ ዝበጽሖም 16 ሰባት ከም ዝሓከሙን ሓያሎ ሕሙማት ከም ዘውጽኡን ኣፍሊጡ። ኣብ ቓዛ፡ ብሓማስ ‑ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት ሓበሬታን ክፍሊ ማሕተምን፡ እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 300 መዓልታት 4,091 ጥሕሰት ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ከምዝፈጸመትን፡ 1254 ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱን 4121 ድማ ከምዝቖሰሉን ክሕብር እንከሎ
ብተወሳኺ ትማሊ ሓሙስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቀጠር፣ ዮርዳኖስ፣ ኢንዶነዥያ፣ ፓኪስታን፣ ቱርኪየ፣ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ነቲ ኣብ ቓዛ ቀጻሊ ጥሕሰት እስራኤል ኢሎም ዝገለጽዎ ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘውጽኡ ይንገር።
08 Aug 2026, 17:17