ሶርያ፡ በሽር ኣል ኣሳድ ኣብ ዘይተረኽበሉ መጋባእያ ሞት ተፈሪድዎ
ዜና ቫቲካን
ቤት ፍርዲ ደማስቆ ርእሰ ብሔር ሶርያ ነበር በሽር ኣል ኣሳድ ኣብቲ ንኣስታት 14 ዓመታት ኣብ ሶርያ ዘዕነወ ግጭት ብገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነይና ተባሂሉ ኣብ ዘይተረኸበሉ መጋባእያ ንሞት ከም እተፈረዶን። እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ታሕሳስ 2024 መንግስቱ ድሕሪ ምውዳቑ ናብ ሩስያ ዝሃደመ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ መራሒ ብቤት ፍርዲ ሶርያ ዝወረዶ ናይ መጀመርታ ፍርዲ እዩ።
ክሲ ቤት ፍርዲ
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣሳድ ካብ ካልኦት ገበናት፡ ኣቐዲሙ ብዝተወጠነ ግብረ ቅትለት፡ ስቅያት፡ ብዘይ ፍቓድ ምእሳርን ምቕታል ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተሓታቲ እንክብል፡ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ማህር ኣል ኣሳድ፡ ኣዛዚ ራብዓይ ዕጥቃዊ ክፍለ ሰራዊት ነበርን ካልኦት ኣባላት ወተሃደራውን ጸጥታውን ኣካላት ናይቲ ስርዓት ነበርን ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ተመሳሳሊ ፍርዲ ዝተመሓላለፎም ኮይኑ። ኣተፍ ናጂብ፡ ወዲ ሓውቦ ናይቲ ርእሰ ብሔር ነበርን ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ዳራ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጸጥታ ነበርን'ውን ንሞት ተፈሪድዎ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ናጂብ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ብኣካል ዝቐረበ እንኮ ተኸሳሲ ኮይኑ። ኣብ ዳራ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2011፡ ጸረ መንግስቲ ጭርሖታት ጽሒፎም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሓያሎ መንእሰያት ምእሳርን ምግፋዕን፡ ዘበራበሮ ብርቱዕ ተቓውሞታት፡ ድሒሩ ብሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ ዝተካየደ ግብረ ዓኣፈና ናብ ኲናት ሓድሕድ ከም እተሰጋገረ እውን ይዝከር።
ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዝወሰደ መርመራ
ናይቲ ፍርዲ ቤት ውሳኔ ስዒቡ፡ ጉጅለታት ሶርያውያን ኣብ ደማስቆን ዳራን ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ተኣኪቦም ነቲ ፍርዲ ብምጽንባል፡ ኣብ እዋን እቲ ግጭት ዝተቐትሉ ወይ ዝጠፍኡ ሰባት ዘርኢ ስእሊ እውን ሒዞም ከም ዝነበሩን፡ እዚ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ፍርዲ ኣብ መወዳእታ ዝመጸ ውሳነ፡ ብርእሰ ብሔር ኣሕመድ ኣል - ሻራ ዝምርሑ ሓደስቲ ሰብመዚ፡ ድሕሪ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ምሕደራ ስድራ ቤት ኣሳድ ኣብ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ስጉምቲ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ይኹን እምበር፡ ነቐፌታ የጋጥሞ ከም ዘሎን፡ ብመሰረት ናይ ሕጊ ሊቅን ንጡፍን ኣንዋር ኣል ቡኒ፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ነቲ ርእሰ ብሔር ነበርን ካልኦት ኣብ ዝተዓቖቡለን ሃገራት እንከለዉ ዝተፈርዱ ብምዃኖም፡ ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝያዳ ከጸግሞ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ሓፊዝ ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ በሽር ኣል ኣሳድ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ስድራ ቤቱ ኣብ ሩስያ ከም ዝርከብን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ድሕሪ ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ዓመጽቲ ምውዳቑ፡ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ዝጸንሐ ምሕደራ ስድራቤት ኣሳድ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ከም ኣተቛረጸ ይፍለጥ።