ድለ

ማዳጋስካር - ጭውያን ምጥፋእን ህጻናት ማዳጋስካር - ጭውያን ምጥፋእን ህጻናት  (AFP or licensors)

ማዳጋስካር - ጭውያን ምጥፋእን ህጻናት

ሓይሊ ጸጥታ ማዳጋስካር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 172 ሰባት ከም ዝጠፍኡን ካብዚኣቶም ድም እቶም 91 ቈልዑ ምዃኖም ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ሓቢሩ፡ ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለት ሓዊሱ ሓደጋ ዘጋጥሞም ናይ ዘሎ ሰባት ቝጽሪ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን፡ ካብ ወርሒ ሰነ ንነጀው ድማ ጭውያ ዳርጋ መዓልታዊ ከም ዝፍጸምን፡ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ኖሲ በ ደቂ 8ን 13ን ዓመት ዝዕድሚአን ክልተ ኣዋልድ ከም ዝጠፍኣ የረጋግጽ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ማዳጋስካር ቈልዑ ብምስጢር ከም ዝጥፍኡን፡ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ክቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ከም ዘለዉን፣ እቲ ዜፍርህ ንግዲ ናይ ውሽጥ ሰብነት ኣካላት ከኣ ከም ብሓድሽ ፍርሂ ሰፊሑ ኣሎ።

በብጽምዲ ሓድሓደ ግዜ ብንኣሽቱ ጕጅለታት ሓድሓደ ግዜ ድማ በይኖም ከም ዝጠፍኡን። ካብታ ርእሲ ኸተማ ኣንታናናሪቮ ዝጠፍኡ እኳ እንተ ኾነ፡ ካብቲ ኣብ ሰሙን 2,000 ዶላር ኣመሪካ ዚኸፍሉ በጻሕቲ ዚርከበሉ ኖሲ በ (ኣብ ውሽጢ ደሴት) እትርከብ ከተማ እውን ከም ዝጠፍኡን። ኣብ ደቡባዊ ጫፍ እታ ደሴት ኣብ ዚርከብ ማናካራን ኣናላቮካን ዚሰርሑ ኣባላት ማሕበር ‘fidei donum - ህያብ እምነት’ ኣባ ሉካ ፎርናቻርን ኣባ ፍራንቸስኮ ሜሎኒን፡ "እቲ መጠንቀቕታ ዑደታዊ ምዃኑ ሓቢሮም እቲ ዜሕዝን ከኣ እንደገና ይፍጸም ኣሎ" እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ "ጭውያ ቈልዑን መንእሰያትን ክፉት ቍስሊ እዩ። ብዛዕባ ኣህጉራዊ ንግድ ኣካላት እተገብረ ምርመራ ጠንቂ ዘጋጥም ዘሎ ጭውያን ምጥፋእን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምዃኑ” ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ንተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ የረጋግጹ።

ሓይሊ ጸጥታ ማዳጋስካር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 172 ሰባት ከም ዝጠፍኡን ካብዚኣቶም 91 ቈልዑ ምዃኖም ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፡ እቲ ቝጽርታት ድማ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ይውስኽ ከም ዘሎን፡ ካብ ወርሒ ሰነ ንነጀው ጭውያ ዳርጋ መዓልታዊ ዜጋጥም ኰይኑ ኣሎ። እቲ ናይ ቀረባ ግዜ ፍጻመ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ኖሲ በ ዝጋጠመ ክልተ ደቂ 8ን 13ን ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ከቢድ ፍርሂ ከም ዘለዉ ኣብ ማዳጋስካር ናይ ዘገልግል ናይ ኢጣልያ ዘይመኽሰባዊ ትካል “ሓገዝን ደገፍን ቆልዑ” ኣባል ክላውድዮ ኦራንጀ ይሕብር።

ተራ ተዓዘብቲ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና

ናይ ሰበኻ ኣንትሲራቤ ጳጳስ ዣን ፓስካል ኣንድርያንሶቪና ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቶም፡" ኣብ ቅድሚ እቲ ዘሕዝን ክውንነት ናይዞም ማዕበላት ቅትለታት ተራ ተዓዘብቲ ኮይንና ክንርከብ ኣይንኽእልን ኢና ቢሎም፡ ናይ ማዳጋስካር ጉባኤ ጳጳሳት እውን ብወገኑ ካብዚ ኩሉ መዓት ረባሒ መን እዩ ዝብል ሕቶ የቕርብ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ መራሕቲ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ "ሓድሽ ወለዶ" ንርእሰ ብሔር ኣንድሪ ራጆሊና ካብ ስልጣኑ ዝዓለወ ወተሃደራዊ መንግስቲ 1500 ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ኣሰሊፎም ኣብ ጎደናታትን ንኣሽቱ መገድታትን ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ለይትን መዓልትን ሓለዋ ከካይዱ እውን ይገብር እንተሎ፡ ብጀካ እቲ ምዕራባውያን በጻሕቲ ዝርክብሉ ዕርድታት ዘለዎ ከባቢታት ዝተረፈ ክፋል እታ ደሴት ግን ክሳብ ሕጂ ሓለዋ የብሉን።

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብድሕሪ ዘይሕጋዊ ምዕዳግን ምሻጥን ምውጻእን ውሽጣዊ ኣካላት ሰብነት ከምኡውን ብዘስካሕክሕ መገዲ ምጥፋእ ቈልዑ ኣብቲ ተቖጻጻሪ ዘይብሉ ቦታታት ዘሎ ዓቢይ ጸገም ከም ዝኾነን እቶም “መንእሰያት ሓድሽ ወለዶ” ዝተኣተወሎም መብጽዓታት ቃላት ኮይኑ ጥራሕ ይተርፍ ምህላዉ እዩ ዝንገር።

ዝዀነ ይኹን ነገር ምእንቲ ከይቅየር ኵሉ ነገር ይቀያየር

እቶም እተጠቕሱ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ማዳጋስካር ኵሉ ነገር ዘቐየረ ነገር ከም ዘየሎ ኣረጋጊጾም። ኣብ ዝሓለፈ እቲ ህዝቢ ነገራት ክመሓይሽን ክልወጥን ብዝብል ድላይ ተተባቢዖም ናዕቢ ከካይዱ ሓይሊ እኳ እንተ ረኸቡ ድኽነት ሕጽረት ኤለክትሪክ ምቁጻጽ ቀረብ ማይ ከም ልሙድ ይነብርዎ ከም ዘለዉን እታ "ንቘልዑ ደገፍን ጽንዓትን" እተሰምየ ዘይመኽሰባዊ ትካል መስራቲት ኣሪያና ማርቲኒ ሓቢራ፡ "ኵሉ ነገር ልክዕ ከምቲ ቕድሚ እቲ ዕልዋ ዝነበሮ ወይ ካብኡ ዝገደደ ኮይኑ እዩ ዚቕጽል ዘሎ - ቢላ - እቲ ዕልዋ ኵነታት መንእሰያት ዋላ ሓንቲ ኣይቀየሮን” ከም ዝበለት ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር የረጋግጽ፡

እቲ ዜገርም ነገር እዛ ተባሃጊት ደሴት ድኻታት ብዘይ ማይን ኤለክትሪክን ኪነብሩ ኸለዉ ኵሉ እቲ ማይ ከኣ ናብቲ ሙቐት ዘለዎ መሕጸቢ ነብስን ኵሉ ዓይነት ምሾትን ናብ ዘለዎ ናይ መዘናግዒ ቦታታት እዩ ዝፍነው፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንሰባት ካብ ሽቕለት ኣልቦነት ንምውጻእ ዝዓለመ ዝዀነ ይኹን ውጥናት ኣዚዩ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ኮይኑ ዘሎ። "እቲ ክንገብሮ ዝከኣለና ነገር ተኣምር ኮይኑ ኣሎ። ሳላ CEI - ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ቀንዲ ኣትኵሮና ናይ ስነ ሕርሻ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ መስሪትና ኢና" እንክብሉ ኣቦ ሉካ ፎርናቻሪ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ንእተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ሕጂ ዘሎ ብድሆ ነታ ደሴት ብሓቂ ምንጪ ዕቤትን ምዕባለን ምእንቲ ኽትከውን እታ ደሴት ናብ ስነ ቍጠባ ሃብቲ ማያት ባሕሪ ናብ ማእከል መጽናዕትን ምርምርን ምቕያር እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ምስቲ ብሰንኪ ምጕዳል ፍትሕን ክቱር ድኽነትን ዝሰፍሕ ዘሎ ዜስካሕክሕ ንግድ ደቂ ሰብ ምትእስሳር ዘይብላ ክትከውን መታን” ኢሎም።

03 Aug 2026, 17:24