ሃገረ ዮርዳኖስ ን2000 ዓመት ዝኽሪ ጥምቀት ጐይታና ኢየሱስ ንምጽንባል ምድላዋት ጀመራ
ዜና ቫቲካን
2030 ዓ.ም. ካብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዮሃንስ መጥምቕ እተጠምቀሉ ትውፊታዊ ዕለት 2,000 ዓመት ዝዝከረሉ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ሕጂ ኣብ ሃገረ ዮርዳኖስ ኣብ ኣል-ማግታስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ እዩ ተፈጺሙ።
ትማሊ ሰኑይ ዕለት 10 ነሓሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ዮርዳኖስ ጃፋር ሃሳን፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነቲ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ሃገራዊ ኮሚተ ንምድላው ካልኣይ ሽሕ ዓመት ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ መሪሑ።
እቲ ኮሚቴ ሚኒስተራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተወከልቲ ማሕበረሰብን ከምኡ ውን ዝምልከቶም ትካላትን ዝሓቘፈ ኮሚቴ ኮይኑ፣ ነቲ ዝኽሪ ንምድላውን ንምቍጽጻርን ከም ሃገራዊ መወከሲ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ቀዳማይ ምኒስተር ሃሳን ነቲ ብቤት ምኽሪ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ዮርዳኖስ ዝቐረበ ተበግሶ ንምድጋፍ ምስ መምርሒታት ግርማዊ ንጉስ አብዱላህ ዳግማይ ብምስምማዕ ብህጹጽ ምድላዋት ምጅማር ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ።
ካልኣይ ሽሕ ዓመት ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዝካር፣ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ኣቕዋም ሃገረ ዮርዳኖስን ከም ዓለምለኻዊ መካነ ንግደት መጠን ዘለዋ ግደ ዘንጸባርቕን ክኸውን ከሎ፣ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ብሓባር ምንባር ንኻልኦት ኣኽብሮትን ሰላም ፍቕርን ሰብኣዊ ሕውነትን የጕልሕ ክብል ኣመልኪቱ።
ቀዳማይ ምኒስተር ሃሳን ከም ዝገለጾ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ኣጋጣሚ ንምድጋፍ ኵሉ ጥሪቱ የንቀሳቕስ ከም ዘሎ ብምግላጽ፣ ዮርዳኖስ ከም ሃገር ሃይማኖታዊ ውርሻን ዓለምለኻዊ መካነ ንግደት ክርስትያን መጠን ዘለዋ ቦታ ንምድልዳል ኣጋጣሚ ምዃኑ ገለጸ።
እቲ ኣኼባ ነቲ ኣብ ጥቓ ጥምቀት ጐይታና እተፈጸመሉ ቦታ ዚርከብ መሰረታዊ ህንጻታትን ምዕባለ መሬትን ሓያሎ ፕሮጀክትታት ንምፍጻም ዘውጽኦ መደባት ገምጊሙ ይርከብ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ንክርስትያን ነጋድያንን በጻሕትን ዝኸውን እተሓናፈጸ ቝሸት፣ ንጥምቀት ጐይታትን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እተወፈየ ቤተ-መዘክር፣ ቀጠልያ ኮሪደር ከምኡውን ኣብቲ ቦታ ዘሎ ምምሕያሽ ዘድልዮ ህንጻታት ዜጠቓልል እዩ።
ብተወሳኺ'ውን እቶም ተሳተፍቲ ነቲ ኣፈጻጽማ ብደገፍ ክኢላታትን ምኩራት ሰባትን ንምቍጽጻር ፍሉይ ንኡስ ኮሚተታት ምቛም ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም።
ኣብ 2030 ንኻልኣይ ሽሕ ዓመት ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምድላው ዝቖመ ሃገራዊ ኮሚቴ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ዮርዳኖስ እዩ ዝምራሕ ዘሎ፣ ኣባልነቱ ሚኒስተራት መንግስታዊ ርክባት፣ ውሽጣዊ ጕዳያት፡ ዲጂታላዊ ቍጠባ፣ ንግድን ቱሪዝምን፣ ጥንታዊ ቅርስታትን ዘጠቓልል ድማ ኢዩ።
ኣብቲ ኮሚቴ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶፎሮስ ኣትላህ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዮርዳኖስ ሊቀጳጳሳት፤ ብፁዕ ኣቡነ ኢያድ ትዋል ናይ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዓቓቤ መንበር ኣብ ዮርዳኖስ፤ ብፁዕ ኣቡነ ሆሳም ናኡም ሊቀ ጳጳሳት ኣንግሊካዊት ቤተክርቲያን ዮርዳኖስ፣ ብፁዕ ኣቡነ ሙኒብ ዮናን ጳጳስ ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ነበር፤ ኣቦ መንበር ቦርድ ኣመሓደርቲ መሰረታዊ ምዕባሌ ናይ መካነ ጥምቀት ጐይታና፣ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኮሚሽን መካነ ጥምቀት ጐይታና፣ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ቦርድ ቱሪዝም ዮርዳኖስ፣ ናዲም ኣል-ማውሸር፡ ኦሳማ ኢምሴህ ከምኡውን ባሴም ፋራጅ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ኢዮም።