ኢንዶነዥያ፡ ድሕሪ ርእደ መሬት ልዕሊ 8 ሽሕ ህጻናት ትምህርቲ ከቋርጹ ክግደዱ እዮም
ዜና ቫቲካን
ሰንበት ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ ኢንዶነዥያ ብፍላይ ድማ ኣብ ደሴት ፍሎረስ ብዘጋጠመ 7.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ብጀካ እቲ ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ምምዝባልን ኣብቶም ብሰንኪ ምፍራስ መሬት ዝተሃስዩን ካብ ደገጋዊ ዓለም ዘሎ ርክባት ኣብ ዝተቛረጾም ከባቢታት ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ይቕጽል ኣሎ።
ዕለት 18 ነሓሰ ንግሆ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱማትራ፡ 29 ኪሎ ሜተር (18 ማይልስ) ዕምቆት ዘለዎ፡ 6.1 ዝዓቐኑ ሓድሽ ርእደ መሬት ከምዝተመዝገበ ትካል መጽናዕቲ ስነ መሬት ኢንዶነዥያ ሓቢሩ።
ኩነታት ህጻናት ስክፍታ የልዕል
ብፍላይ ድሕሪ እቲ ርእደ መሬት ዝረአ ዘሎ ኩነታት ህጻናት ዘሰኽፍ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ኣድሕን ህጻናት ኣብ ኣውራጃ ምብራቕ ኑሳ ተንግራ ልዕሊ 8 ሽሕ ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ክከታተሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ከም ዝርከቡን ኣብ ድሕንነቶም እናዓበየ ዝኸይድ ሓደጋታት የጋጥሞም። ብሰንኪ እቲ ርእደ መሬትን ድሕሪ ርእደ መሬትን ልዕሊ 900 ኣባይቲ ተሃስዮም እዮም፡ ካብዚ ብተወሳኺ ብውሕዱ 87 ኣብያተ ትምህርትን 18 ማእኸላት ጥዕናን ካብቶም ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓት ኮይኖም፡ እቲ ርእደ መሬት፡ ነቶም ድሮ ምስ ተርእዮ ኤል ኒኖ ዝተኣሳሰር ድርቅን ምስ እምባ ለዎቶቢ ዝተኣሳሰር እሳተ ጎመራ ሓደጋታትን ዝቃለሱ ዘለዉ ማሕበረሰባት እውን ኣጋጢምዎም ኣሎ ፡ እዚ ድማ ኣብ ጥዕና ህጻናት፡ ትምህርትን ስነ - ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ጽቡቕ ሂወትን ዘለዎ ጽልዋ ከም ዘጋደዶ ይንገር።
“ህጻናት ካብቶም ኣዝዮም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ እዮም”
ትካል ኣድሕን ህጻናት ምስ ናይቲ ከባቢ ትካል ዓንኬል ግምት ህብረተሰብ (Circle of Imagine Society) ቲሞር ብምዃን ጻዕርታት ረድኤት ንምጅማር ድሌታት ኣባይቲ ስድራ ይግምግም ኣሎ። እቲ ትካል ቀዳምነታት ዕማማቱ፡ ተበጻሕነት ትምህርቲ ምምላስን መነባብሮ ስድራቤታት ምድጋፍን ዘጥቓልል ኮይኑ፡
“ህጻናት ካብቶም ኣዝዮም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ እዮም” እንክብል ጨንፈር ትካል ኣድሕን ህይወት ኣብ ኢንዶነዢያ ኢንዶነዥያ ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ ምላሽን ጽንዓትን ፋድሊ ዑስማን ኣስሚሩ፡ እቲ ቅልጡፍ ምላሽ ብነዊሕ እዋን ዝወስድ ስጉምትታት ክስነ ከም ዘለዎ ገሊጹ፡ ክሳራ፣ ሕጽረት መግቢ፣ ስራሕን መርዓን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ካልእ ሓደጋታት ምክልኻልን ምፍታሕ ከምዘድሊ የተሓሳስብ።
ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ትካል ረድኤት - ካሪታስ ይንቀሳቐስ ኣሎ
ጨንፈር ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ - ካሪታስ ኢንዶነዥያ ኣብተን ብሰንኪ ርእደ መሬት ዝተሃስያ ሰበኻታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሩቴንግ፡ ላቡዋን ባጆ፡ ኩፓንግ፡ ማውመረን ደን ናይ ሰብኣዊ መርበብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምቛም፡ ወለንተይናታትን ጉጅለታት ሃገረ ስብከትን ነቲ ህዝቢ ይሕግዙን ኣብ ስርሒታት ምውጻእ ይሳተፉን ኣለዉ። ሰበኻታት ብዛዕባ ድሌታት ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ሓበሬታ እውን ይክባ። ትካል ረድኤት ቤተ ክርስቲያን ካብቶም ኣዝዮም ህጹጽ ድሌታት፡ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ፡ ብፍላይ ድማ ንህጻናት፡ ኣረጋውያን፡ ነፍሰጾራትን ስንኩላንን ኣለልዩ ብምልላይ ኣብ ምቕራብ ይዋሳእ ከምዘሎን እቲ ምላሽ ነቲ “ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ሓንቲ ምላሽ” ዝብል መትከል ዝኽተል ኮይኑ፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ብመሰረት ኣባ ፍረዲ ራንተ ታሩክ ኣመሓዳሪ ጨንፈር ካሪታስ ኢንዶነዥያ፡ ሰበኻታት፡ ዓለማውያን ምእመናን፡ ወለንይናታትን መሓውራት ቤተ ክርስቲያንን “ንሰብኣዊ ኩነታት ብቕልጡፍን ብኣድማዕነትን ምላሽ ንምሃብ” ከምኡ’ውን ሓገዝ ናብ ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ከም ዝበጽሕ ንምርግጋጽ ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።