ድለ

2021.08.23 meeting Rimini 2021.08.23 meeting Rimini 

ጉባኤ ሪሚኒ፦ ኣብ ቅድስቲ መሬት ተስፋ ምዕቃብ

ኣብ መበል 47 ጉባኤ ሪሚኒ ቅድስቲ መሬት ቀንዲ ኣትኵሮ ናይቲ ርክባት ኮይና ትርከብ ኣላ። ካብ ዕለት 21 ክሳዕ 26 ነሓሰ ማሕበር ቅድስቲ መሬት ኣብ ከተማ ኣድሪያቲክ ዘተታትን ምርኢታትን ባህላዊ ተበግሶታትን ከካይድ እዩ። እቲ ኣተኵሮ ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ውግእን ስቓይን እናሃለዉ ክንሶም ተስፋን ሰላምን ብኸመይ ክዕቀቡ ከም ዝኽእሉ ኣብ ዝብል ዛዕባታት ክኸውን ኢዩ።

ዜና ቫቲካን

ቅድስቲ መሬት ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ኣርእስትታት ናይቲ ኣብ ሪሚኒ ዝካየድ መበል 47 ጉባኤ ዕርክነት ህዝብታት ክትከውን ኢያ። እዚ ካቶሊካዊ ጉባኤ ካብ ዕለት 21 ክሳዕ 26 ነሓሰ ኣብ ትሕቲ ጭርሖ "L'amor che move il sole e l'altre stelle" (ንጸሓይን ንኻልኦት ከዋኽብትን እትንቀሳቐስ ፍቕሪ) ብዝብል ድማ ክካየድ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 22 ነሓሰ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከተማ ኣድሪያቲክ ምስ በጽሑ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ እዮም።
ማሕበር ቅድስቲ መሬት “Fondazione Terra Santa" ETS ኣብቲ ጉባኤ መደባት ከሰናዱን ከምኡውን ብዙሕ ፍጻመታት ክቕርብን ኢዩ። ገለ ኻብዚ ድማ መጽሔት ቴራሳንታ፣ ፖርታል ዜና Terrasanta.net ከምኡ'ውን  ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስትያን ዝድግፉ መጻሕፍትን ውጥናትን ክቐርቡ ኢዮም።

ካቶሊካዊ ጉባኤ ሪሚኒ፦ መርሓግብር

እቲ ጉባኤ ብዕለት 21 ነሓሰ ኣብ ቲያትሮ ጋሊ ብመዘምራን ያስሚን ብዝቐርብ ዝማሬ ክጅመር ኢዩ። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ተቕዋም ማግኒፊካት ዝተሰምየ ናይ ሙዚቃ ቤት ትምህርቲ፣ ናይ ቅድስቲ ምድሪ ዕቃቤ ናይ መንእሰያት መዘምራን መደባት ድማ ነቲ ኣጋጣሚ ከም መኽፈቲ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል መዓልትታት እቲ መደባት ብዛዕባ ዅነታት ሊባኖስ፡ ግጭት እስራኤልን ፍልስጥኤምን ከምኡውን ኵነታት ክርስትያን ምእመናን ኣብ ቅድስቲ ምድሪ ዜጠቓልል ክኸውን እዩ። ብዕለት 24 ነሓሰ ክቡር ኣባ ፍራንቸስኮ ኢየልፖ ዓቃቤ ቅድስቲ መሬትን፣ ከምኡ ውን ቆሞስ ናይቲ ኣብ ቃዛ ዝርከብ እንኮ ካቶሊካዊ ቁምስና ዝኾኑ ክቡር ኣባ ጋብሪኤል ሮማኔሊ ብዛዕባ ኣገዳስነት ቅድስቲ መሬት መደረታት ከቕርቡ እዮም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ክቡር ኣባ ኢልፖ ንተመሃሮ ብዛዕባ ዅነታት ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ንዝቐርበሎም ሕቶታት ክምልሱን፣ ብዛዕባ ሳዕቤናት እቲ ውግእን ምኽንያታት ተስፋን ድማ ክመያየጡን ኢዮም። ብዕለት 26 ነሓሰ ፓትርያርክ ላቲናዊ ሥርዓት ኢየሩሳሌም ብፁዕ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ብዛዕባ ኩነታት ኢየሩሳሌምን መጻኢ ናይቲ ዞባን ንመንእሰያት መደረ ከካፍሉ ኢዮም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዝካየድ ዘተታት ኣብ ሊባኖስ ብዛዕባ ዳግመ ህንጸት ተስፋታት እውን ዘተኮረ ክኸውን እዩ። ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዘተታት ዝሳተፉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ኢጣልያ ዝኾነ ኣንቶንዮ ታጃኒ ክኸውን ኢዩ።

'ኣባኡ ምጽናሕን ምዕቃብን'

ክቡር ኣባ ኢልፖ ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቅድስቲ ምድሪ ዘለዉ ክርስትያን ምእመናን፣ ብኽልተ ግስታት ክግለጹ ይከኣል ይብሉ፣ እዚ ኸኣ "ምጽናሕን ምዕቃብን" እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ጽንኩር እዋናት እውን ከይተረፈ፣ ንማሕበረሰብ ዘይምሕዳግ ማለት እዩ። ምዕቃብ ኪበሃል ከሎ ኣብ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ዓወታት ዘይኰነስ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ፣ ኣብ እምነት እተመርኰሰ ተስፋ ምዕቃብ ማለት እዩ ድማ ይብሉ።

ምጥርጣርን ውግእን እናሃለወ ክነሱ፣ እታ ጸኒዓ ዘላ ቤተ-ክርስትያን

ስለዚ ቤተ-ክርስትያን መዓልታዊ ዕዮኣ ትቕጽል ኣላ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ትዓዪ፣ ንስድራቤታትን ቈልዑን ንኣረጋውያንን ንድኻታትን ትድግፍ ከምኡውን ኣብ ጸሎት ቈራጽነት ገይታ ትቕጽል ኣላ። ብተወሳኺውን ኣብ እዋን ግጭት ብቐሊሉ ዕሽሽ ክበሃል ዝከኣል ንኣሽቱ ምልክታት ዝርርብን ርክባትን ንምዕቃብ ትጽዕር ኣላ። "ነቲ ዜተኣማምን ተስፋን ሕውነታዊ ሓቢርካ ናይ ምንባር ተኽእሎን ኣጽኒዕና ኽንሕዝ ከምኡውን፣ ነቲ ዅሉ እናሃለወ ኽነሱ ዝቕጽል ዘሎ ንኣሽቱ ዘርኢ ዝርርባት ከነማዕብል ተጸዊዕና ኢና። ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣርእስተ ዜና ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም፣ እንተዀነ ግን እዚ ኹሉ ንማዕጾ ሰላም ክፉት ዝገብር ኢዩ" ክብሉ ክቡር ኣባ ኢልፖ ማእልኪቶም።

"ማሕበር ቅድስቲ መሬት" እዚ መደባት ጉባኤ ሪሚኒ ምስ ተፈጸመ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘጋጠመ ቅልውላው ንምሕባር ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዛዕባ እታ ውግእን ምጥርጣርን እናሃለወ ኽነሱ ብተስፋ እትቕጽልን እተገልግልን እትዕቅብን ዘላ ቤተ-ክርስትያን እውን ከዘንቱ እዩ ዚደሊ ዘሎ።

20 Aug 2026, 12:32