TOPSHOT-COLOMBIA-EARTHQUAKE-AFTERMATH TOPSHOT-COLOMBIA-EARTHQUAKE-AFTERMATH  (AFP or licensors)

ሃገረ ኮሎምብያ፦ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብዛዕባ ሓደጋታት ንግዲ ቆልዑ የጠንቅቑ

ደድሕሪ እቲ ብዕለት 10 ነሓሰ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ህጹጽ ኵነታት፣ ኣብቲ ዝኸፍአ ጕድኣት ዝወረዶ ገጠራት ንማሕበረሰብኣዊ ድሕንነት የዳኽም ኣሎ። ኣብዚ ቦታ እዚ ዘለዉ ስድራ ቤታት መሰረታዊ ዘድልዮም ነገራት ድማ ጐዲልዎም ይርከብ ኣሎ።

ዜና ቫቲካን

እቲ ብዕለት 10 ነሓሰ ኣብ ኮሎምብያ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ኣብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝጸንሐ ውሽጣዊ ግጭትን ቍጠባዊ ጸገማትን ዝዓነወት ሃገር፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ ኣሎ። ብውሕዱ 53,000 ሰባት በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብእተፈላለየ መገድታት ተጐዲኦም ይርከቡ፣ እንተ ወሓደ 4,000 ሰባት ከአ ቈሲሎም፣ ዳርጋ 300 ዝዀኑ ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ንዓመታት ዘገልግል ዘሎ ማሕበር ህጹጽ ረድኤት ብኡንብኡ ተበግሶፕ ዝገበረ ማሕበር ሴስቪ ትካል ግብረ ዋና ዳይረክተር ስቴፋኖ ፒዚያሊ፣ "ጕጅለታትና ህጹጽ ረድኤት ናብተን ኣብ ርሑቕ ዝርከባ ኣቝሻት እውን ከይተረፈ ክበጽሑ ክኢሎም ኢዮም" በለ። ፒዚያሊ ኣስዕብ ኣቢሉ "እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብፍላይ ኣብ ግሉል ገጠራት ከቢድ ጕድኣት ኣውሪዱ ኢዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዘለዎም ዘበለ ኩሉ ሰኢኖም ኣለዉ፣ ንኻልእ ቅልውላው ብኸመይ ምላሽ ከም ዚህቡ ድማ ኣይፈልጡን እዮም። ካብ መንጎ እቲ ዝኸፍአ ጕድኣት ዝወረዶ ዞባታት ቾኮን ቡዌናቬንቱራን ድሮ ብኸቢድ ድኽነትን ብምኽንያት ውሽጣዊ ስደትን እተመዛበሉ ብዝሒ ህዝብን ይርከብዎም።"

ቸቪስ ንህጹጽ ረድኤት ዝሃቦ ምላሽ

ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንሰባት ስለ ዘዳኸሞም መሰረታዊ ነገራት ስለ ዘስኣኖም ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብሰንኪ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋኡ እውን ከቢድ ማሕበራዊ ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ዳይረክተር እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ዘመልከቶ፣ "እቲ እንህቦ ሰብኣዊ ግብረ-መልሲ ብፍላይ ኣብቲ እተጐድአ ኸባቢታት ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ማእከላት ዕቝባ ኣብ ምቛም ዘተኰረ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ኸም ማይን ጥዕናን ዝኣመሰለ ኣድላዪ ነገራት እኹል ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ክወሃቦ ይኽእል እዩ" በለ።

ብመሰረት እቲ ውድብ መደባት ምሕዳስን ቍጠባዊ ምዕባለን ቅድሚ ምጅማሩ፣ ንሰባት ዜድልዮም ነገራት ብቕልጡፍ ምላሽ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ እቲ ዳይረክተር ዝገለጾ፣ ማሕበር ሴስቪ ቀዳምነት ዝህቦ ነገታት ማሕበረሰባት ናጽነቶም እንደገና ንኽረኽቡ ምሕጋዝ ኢዩ። "እቲ ዅነታት ምስ ተረጋግአ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዕዳጋታት እንደገና ክዓዪ ተስፋ ንገብር፣ እዚ ድማ ስድራቤታት ኣብ ረድኤት ከይተመርኰሱ ብቐጥታ ናይ ገዛእ ርእሶም ድሌታት ንምምላእ ዘኽእል ቍጠባዊ ደገፍን መደባትን ዳግማእ ህንጸትን ክንጅምር የኽእለና ኢዩ" ክብል የመላኽት።

ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ቘልዑን ህጻናትን

እቲ ኣብ ኮሎምብያ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ንማሕበረሰብ ዘዕነወን፣ ነቲ ንዓመታት ነታ ሃገር ዝጸለዋ ማሕበራዊ ህጹጽ ኵነታት ከጋድድ ይኽእል ኢዩ። "ኣብ ላቲን ኣመሪካ ንግዲ ቘልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣዝዩ ኸቢድ ጸገም እዩ" ብምባል ፒዚያሊ ኣጠንቀቐ። ኮሎምብያውያን ቈልዑ ብፍላይ ብዕጡቓት ጕጅለታት ወተሃደራዊ ውድባትን ገበነኛታትን ንምምዝማዝ እተቓልዑ እዮም።

እቲ ዳይረክተር ኣስዒቡ፣ "ንግዲ ቆልዑን ህጻናትን ድማ ስድራ ቤት ምስ ተበታተና እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ተርእዮ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ኣብታ ሃገር እተላዕለ ሕንፍሽፍሽ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ ኢዩ" በለ። ነዚ ሓደጋ እዚ ንምቍጽጻር ዝውሰድ ስጕምትታት ኣመልኪቱ ድማ፣ "እቶም ኣብዚ ዅነታት እዚ ዝሰርሑ፣ ምስ ቈልዑ ብኸመይ ከም ዝራኸቡ ዝፈልጡ ሓገዝ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ንኽርድኡ ክሕግዝዎም ንኽዘራረብዎም ዘተባብዑ ከምኡውን ከም ዝከናኸኑን ዕቝባ ከም ዝረኸቡን ከም ዝስምዖም ዝገብሩ ሰባት ክዀኑ ኣገዳሲ ኢዩ" በለ።

እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስብ ነገር ግን ኣህጉራዊ ህዝባዊ ኣቓልቦ ኣብ ዕዮ ግብረ ሰናይ ኮሎምብያ ምትኳር ኢዩ። ከምቲ እቲ ዳይረክተር ዝገለጾ፣ "ህዝቢ ኣብ ዝደኸመሉን ንብዙሕ ሓደጋታት እተቓልዓሉን ኵነታት ናይ ተስፋ ብርሃን ጥራይ ኢዩ ዘድሊ" ይብል።

20 Aug 2026, 12:35