ድለ

Aftermath of earthquakes in La Guaira Aftermath of earthquakes in La Guaira  (REUTERS)

ኣብ ቬንዙዌላ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብገምጋም ኣስታት 4,500 ሰባት ሞይቶም

ድሕሪ እቲ ኣብ ቬንዙዌላ ዘጋጠመ ቀታሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ዳርጋ 3 ሰሙን ጸኒሑ ብዙሓት ሰባት ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ስለ ዘለዉ፣ ጕጅለታት ድሕነት ነቲ ፍርስራስ ካብ ምፍታሽ ኣየቋረጹን ዘለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 24 ሰነ ኣብ ቬንዙዌላ ብዘጋጠመ ማንታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቍጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ ኣስታት 4490 ደይቡ ይርከብ ኣሎ።

ልዕሊ 16,000 ሰባት ቈሲሎም ዳርጋ 18 ሽሕ ዝዀኑ ድማ ብዘይ መዕቈቢ ከም ዝተረፉ፣ ሰበ-ስልጣን ቬንዙዌላ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡባዊ ኣመሪካ ዘጋጠመ ሓደገኛ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ ሓበሬታ ተገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዳርጋ ሰለስተ ሰሙን ዝኸውን ጸኒሑ፣ ስድራ ቤታት ሬሳ ዜፍቅርዎም ሰባት ንምርካብ ኣብ ፍርስራስ ክደልዩ ኸለዉ ብዙሓት ሰባት ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ዘሎ።

እቶም ሰበ-ስልጣን ከም ዝገለጽዎ፣ ኣስታት 6,500 ሰባት ድሒኖም ይርከቡ።

ልባዊ ጓሂ

ይኹን እምበር ሓያሎ ናይ ምድሓን ጻዕርታት ብጓሂ ስርሖም ኣቋሪጾም የከቡ። ሮይተርስ ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ማእከል እቲ ሓደጋ፣ ኣብ እትርከብ ከተማ ላ ጓይራ እትነብር ጐርዞ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብተን ናይ መጀመርታ 24 ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ሃለዋታ ከም ዘይተረኽበ ጸብጸባ ይሕብሩ። እቲ ዜድሊ ፍሉይ መሳርሒ ስለ ዘይተረክበ ድማ እቶም ናይ ሕይወት ኣድሕን ሰራሕተይናታት ኪረኽብዋ ኣይከኣሉን። ሬሳኣ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝወደቐ ህንጻ ክሳብ ሕጂ ተደፊኑ ኣሎ።

እታ ጓል 17 ዓመት መሓዛኣ ማሪያ ንሮይተርስ ከም ዝገለጸቶ፣ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ክልቲኣን ኣብ ዚመጽእ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዘቕርባኦ ሳዕስዒት ይለማመዳ ኸም ዝነበራ ገለጸት። ማሪያ ን17 ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተዓጽያ ስለ ዝነበረት ኣብ መወዳእታኡ ብህይወት ደሓነት።

ካብቶም ብሓባር ነቲ ምርኢት ዜዳልዉ ዝነበሩ 10 ኣዕሩኽ እቶም ሽዱሽተ ብህይወት ተሪፎም እዮም።

ድሕሪ እቲ ዕንወት ብዙሕ ተመሳሳሊ ዛንታታት ድማ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እቶም ኣብ ፈለማ ህጹጽ ረድኤት እተላእኩ መጥፋእቲ ሓውን ክኢላታት ጕጅለታት ሕይወት ኣድሕንን ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ።

"ብህይወት ዘለዉ ሰባት ከም ዘለዉ ንፈልጥ እኳ እንተ ነበርና፣ ብምኽንያት እቲ ኣብ መገዲ ዘሎ ፍርስራሳትን ዑናን ግና ብኣካል ኣብ ግዜኡ ኽንበጽሕ ኣይከኣልናን፣ እቲ ዘሕዝን ግን ... ሰባት ሞይቶም እዮም" ክብል ሓደ ብሪጣንያዊ ኣባል ጉጅለ መጥፋእቲ ሓዊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ልግስን ተጻዋርነትን

ካልእ ኣባል ጕጅለ ሕይወት ኣድሕን ብሪጣንያ ድማ፣ ህዝቢ ቬንዝዌላ ብዙሕ ስቓይ እኳ እንተ ኣጋጠሞ ዘርኣዮ ጽንዓትን ልግስን ኣመልኪቱ መስከረ።

"ኣባይቶምን ፈተውቶምን ስድራ ቤቶምን ስኢኖም እዮም፣ ሕያውነት ንምሃብ እውን ግዜ ረኺቦም እዮም" በለ።

"ማይን ምቁር ምግብን ዝዀነ ይኹን ነገር ይህቡና ነበሩ። ነዚ ጽንኩር እዋናት እዚ ንኽንሰግሮ ጥራይ እዮም ዚህቡና ነይሮም፣ እዚ ኸኣ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ሕያውነቶም ንዓይ ፍሉይ እዩ ነይሩ" ድማ ይብል።

መጸዋዕታ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ን1.3 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ንምሃብ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 6.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ጕድኣት ከም ዘስዓበ፣ እዚ ድማ ዳርጋ ሽዱሽተ ሚእታዊት ሓፈሻዊ ፍርያት ቬንዙዌላ ምዃኑ ይግመት።

14 Jul 2026, 18:53