ድለ

ስደተይናታት፡ 1500 ካብ ሞሮኮ ናብ ሴውታ ስደተይናታት፡ 1500 ካብ ሞሮኮ ናብ ሴውታ  (ANSA)

ስደተይናታት፡ 1500 ካብ ሞሮኮ ናብ ሴውታ

ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ጥራይ፡ ካብ 1,500 ክሳብ 2,000 ሰባት ናብቲ ስጳይናዊ ከባቢ ሴውታ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ዕለት 30 ሓምለ ድማ ኣማኢት ካልኦት ስደተይናታት ነቲ ዶብ ከም ዝሰገሩን ማድሪድ ስደተይናታት ናብ ዝመጹለን ሃገራት ናይ ምምላስ ውሳኔ ከተተግብር ከም ዝኾነትን ከምኡ ምስ ሞሮኮ ዘለዋ ምትሕብባር ከተሐይልን እንከላ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ድማ ከቢድ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታትን ኣብ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ ልዕሊ ዓቐን ከም ዝኾነ ይሕብሩ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ሞሮኮ እትርከብ ስጳይናዊት ከባቢ ሴውታ፡ መሊሳ ኣብ ማእከል ጸቕጢ ስደት ኮይና ኣላ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ጥራይ፡ ካብ 1500 ክሳብ 2,000 ሰባት ናብቲ ስጳይናዊ ከባቢ ሴውታ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ዕለት 30 ሓምለ ድማ ኣማኢት ካልኦት ስደተይናታት ከም ተጸምበሩን እዚ ድሕሪ ግንቦት 2021 ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ከተማ ዝተመዝገበ ዝዓበየ ዋሕዚ ስደተይናታት ኮይኑ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ጥራይ ናብ መሬት ስጳይና ከም ዝኣተዉ ይንገር።

ካብ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ዝመጸ መግለጺ

እቲ ሓድሽ ማዕበል ስደተይናታት ኣብ ልዕሊ መቐበሊ ስደተይናታት ማእከላት ዓቢ ጸቕጢ ይፈጥር ምህላዉ ናይቲ ርእሰ-ምምሕዳር ዞባ ሴውታ ሓላፊ ኹዋን ቪቫስ፡ ነቲ ጸኣት ስደተይናታት "ፍጹም ሰብኣውን ማሕበራውን ህጹጽ ኩነታት" እንክብል ብምግላጽ፡ ማእከላት ስደተይናታት ልዕሊ ዓቐን ከምዝኾነ እውን ይሕብር።

ብመሰረት ሰበስልጣን እቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ልዕሊ 1500 ሰባት ብባሕሪ ከምዝኣተዉን ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ ኣስታት 200 ሰባት ከምዝመጹ ይሕብሩ። ካብቶም ብርክት ዝበሉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከም ዝኾኑን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካልኦት ኣማኢት ሰባት ኣብታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ ፍኒደክ ሞሮኮ ተኣኪቦም፡ ብባሕርን ሓጹር ዶብ ብምሕዃርን ናብ ሴውታ ክኣትዉ ይፍትኑ ከም ዘለዉን። ብመሰረት ገለ ናይቲ ከባቢ ምስክርነት፡ እቲ ኣብቲ ጥቓ ዶብ ዝረአ ዘሎ ምትእኽኻብ ስደተይናታት በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ምኽፋት ዶብ ዝምልከት ዝተነዝሐ ወረ ዝተደረኸ ምዃኑ ይሕብሩ።

ማድሪድ ነቶም ስደተይናታት ናብ ዝመጹላ ሃገር ንኸተፋኑ ትዳሎ

መንግስቲ ስጳይና፡ ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብቲ ከባቢ ዝኣተዉ ስደተይናታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ "ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ" ክቕጽል ምስ ሰበስልጣን ሞሮኮ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ። ናይ ስጳይና መራሔ መግንስቲ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ መንግስቲ ነቲ ህጹጽ እዋን ንምምሕዳር፡ ኩሉ ዘሎ ጸጋታት ንምውዳብን ምስ ራባትን ኣህጉራዊ ትካላትን ምውህሃድ ንምሕያልን ምሉእ ተወፋይነት ከምዘለዎ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት’ውን ነቲ ጃምላዊ ዋሕዚ ምስ ተግባራት መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብምትእስሳር፡ ኣብ መንጎ ስጳይናን ሞሮኮን ብዛዕባ ስደት ዝምልከት ዘሎ ምትሕብባር ጽኑዕ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ።

ስነ ስልታዊ ዶብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን

ሴውታ ምስ ሜሊላ ብምዃን ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ኣህጉር ኣፍሪቃን ዝርከብ እንኮ መሬታዊ ዶብ ትውክል። እዚ ቦታ እዚ ባዕሉ ኣብ መስመራት ስደት ናብ ኤውሮጳ ካብቶም ቀንዲ ቦታታት ሓደ ይገብሮ። እቲ ናይ መወዳእታ ዓቢ ቅልውላው ዋሕዚ ስደተይናታት ካብ 2021 ዝጅምር ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ስጳይናን ሞሮኮን ብሰንኪ ጉዳይ ምዕራባዊ ሰሃራ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ወጥሪ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክልተኣዊ ዝምድናታት በብቑሩብ ዳግማይ ይሕነጽ እውን እንተሎ፡ እቶም ሓደስቲ መጻእቲ ግን ምምሕዳር ዋሕዚ ስደት ብኸመይ ቀጻሊ ብድሆ ኮይኑ ከምዝቕጽል ዘርእዩ ኮይኖም፡ ምስ ድሌታት ጸጥታ፡ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ምክልኻል ናይቶም ኣዝዮም ተቓላዕን ዝተሓዋወሰ እውን ምዃኑ ይንገር።

31 Jul 2026, 16:55