ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ን23 ሚልዮን ተወሳኺ ህጻናት ንከቢድ ድኽነት የቃልዕ
ብዴቦራ ካስተላኖ ሉቦቭ
ናይ ትካል ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - UNICEF ሓላፊት ፈጻሚ ኣካል ካትሪን ራስል፡ "እዚ ብዝቐጸለ መጠን ሳዕቤኑ ዝኸፍአ ክኸውን'ዩ" ክትብል፡ "ህጻናት ዋጋ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ይኸፍሉ ኣለዉ፡ ካብቲ ዞባ ኣዝዮም ዝረሓቑ ህጻናት ሓዊሱ" ክትብል ተጠንቅቕ።
እታ ሓላፊት ፈጻሚ ኣካል ነዚ ዝገለጸት ትማሊ ሓሙስ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ኣብ ቍጠባዊ ድኽታት ኣባይቲ ስድራ ብዝብል ኣርእስቱ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ ብወግዓዊ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ጸብጻብ ካብ ልዕሊ 167 ሃገራት ዝተረኽበ መረዳእታ ብምውሳድ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ወጥሪን ምስኡ ዝተኣሳሰር ምዝንባዕ መራኽብን ኣብ ህጻናት ሃሳዪን ክምለስ ዘይክእል ጽልዋ ይቕጽል ስለዘሎ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ልዕሊ 23 ሚልዮን ተወሳኺ ህጻናት ኣብ ቍጠባዊ ድኽነት ክወድቁ ከምዝኽእሉ ይግምት።
እቲ ጸብጻብ፡ ምውሳኽ ዋጋታት መግብን ጸዓትን፡ ከምኡ’ውን ምስ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተኣሳሰር ምምዝባላት ሓዊሱ፡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተጻብኦታት ዝመጽእ ሰፊሕ ቁጠባዊ ነውጺ፡ ነቲ ስድራቤታት ክገዝእዎ ዝኽእሉ ነገራት ከመይ ይፈግሮ ከምዘሎ የጉልሕ። እዚ ኩነታት እዚ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝደኸያ ኣባይቲ ስድራ ዝርከቡ ህጻናት ብዘይመጠን ከምዝጽለዉ እውን የብርህ።
ዕድመ ምሉእ ክጸንሕ ዝኽእል ጉድኣት
ከም ሳዕቤኑ ድማ ካትሪን ራስል. ትብል "ብቕልጡፍ ዝውስኽ ወጻኢታት ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ መግብን ትምህርትን ክረኽብዎ ወይ ክሽፍንዎ ዘይክእሉ ይገብሮ ምህላዉ ሓቢራ፡ ነቶም ድሮ ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ህጻናት እዚ ዘሰንብድ ኲነታት እዚ ንሕጽረት የዕምቖን ንዕድመ ምሉእ ዝጸንሕ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእልን እዩ ቢላ ከም ዘጠንቀቐትን፡ ጸብጻብ ትካል ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ክልተ ክኾኑ ዝኽእሉ ተርእዮታት ይምርምር፡ እዚ ድማ ኣሉታውን ከቢድን ድኽነት ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ኣሉታዊ ተርእዮ፡ ተወሳኺ 18.3 ሚልዮን ህጻናት ናብ ቍጠባዊ ድኽነት ክደፍእ ዝኽእል ማእከላይ ቁጠባዊ ስንባደ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እቲ ከቢድ ስእሊ፡ ኣስዒቡ፡ ዝሓየለን ዝነውሐን ምዝንባዕ ዋጋታትን ቁጠባዊ ንጥፈታትን ከም ዝህሉ ዝግምት ኮይኑ፡ እቲ ኲናት እንተቐጺሉ ተወሳኺ 23.4 ሚልዮን ህጻናት ናብ ቍጠባዊ ድኽነት ክድፋእ ከም ዝኽእል ግምታት ይገብር።
ጻውዒት ንማሕበረሰብ ዓለም
ከም ውጽኢቱ ድማ ትካል ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ንሃገራዊ መንግስታት፡ ለገስቲ መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላት ቍጠባን ህጻናት ካብቲ ዝኸፍአ ጽልዋታት ናይቲ ቅልውላው ክከላኸሉ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ቀዳምነት ዝወሃቦም ስጉምትታት፡ ህጻናት ዝጽግዕዎ ኣገልግሎታትን ቀረብን ዝኸውን ውሽጣውን ኣህጉራውን ምወላ ምሕላው ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ጥዕና፡ ኣመጋግባ፡ ትምህርትን ሓለዋ ህጻናትን ሓዊሱ፤ ንህጻናት ዝምልከት ዝውውር ገንዘብ ሓዊሱ ስርዓታት ማሕበራዊ ሓለዋ ምዕባይን ምቕጻልን፣ ቅድሚ ድጎማታት ምእላይ፡ ቀጻልነት ደገፍ ምርግጋጽ፤ ከምኡ’ውን ህጻናትን ኣባይቲ ስድራን ብዘይ ምቁራጽ ተበጻሕነት ብተመጣጣኒ ዋጋ ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ቀረብን ምምችቻው፡ እንኮላይ ምስ ዝቕባበ ዝውስኽ ዝተሓተ ወጻኢታት ምግባር።
ብተወሳኺ፡ እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ውሽጣዊ ወፍሪ ንምሕላው ቍጠባዊ ምስፋሕ መንግስቲ ንህዝባዊ ወጻኢታት ዚውስኸሉ ወይ ጾር ቀረጽ ዚንክየሉ ቝጠባዊ ምንቅስቓስ ምርግጋጽ፡ እንተላይ ኣገልግሎት ዕዳ ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ማሕበራዊ ዕቝባን ካብ ወጻኢታት ንላዕሊ ኣብ ዝዀነሉ ቦታታት ናይ ዕዳ ኣገልግሎት ደው ምባል ወይ ዕዳ ዳግመ ምውዳብ ከምኡውን ቅልጡፍን ሰፊሕን ደገፍ ንምሃብ ዘኽእል ነቲ ኣብ ልዕሊ ህሉውን መጻእን ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ንምቅላል፡ ኣብ እዋን ቍጠባዊ ራዕዲ እንኮላይ ብዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኣብ ቈልዑ ዘተኰረ ናይ ምድላው ስርዓት ምፍጣርን ምትግባርን ዘለዎ ኣገዳስነት የስተብህል።
ህይወትን መጻኢ ዕድልን ህጻናት ኣብ ሓደጋ ምእታው
ራስል፡ “እዚ ቅልውላው፡ ንህይወትን መጻኢ ዕድልን ህጻናት ኣብ ሓደጋ የእትዎ ኣሎ። ዓለም ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክትወስድ እንተዘይክኢላ፡ ውህደት ሳዕቤናት ግጭት፡ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ምውሳኽ ወጻኢታትን ንሚልዮናት ህጻናት ናብ ዝዓሞቐ ድኽነት ክደፍኦም'ዩ። ብጻዕሪ ዝረኸብናዮ ልምዓታዊ መኽሰብ ሃደሽ ክብል እክንርኢ ንኽእል ኢና"
(ምንጪ ሓበሬታ ትካል ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - UNICEF)