ድለ

ቃልሲ ላይበርያ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ዕደና ቃልሲ ላይበርያ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ዕደና  (AFP or licensors)

ቃልሲ ላይበርያ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ዕደና

ላይበርያ ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ዕደና ምትግባር ኣደልዲላ፡ ኣብ ልዕሊ ማዕድናዊ ሃብቲ እታ ሃገር እተካይዶ ምክትታል ከም ዘመሓየሸት ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ስጉምቲ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ቁጠባዊ፡ ከባብያውን ጸጥታውን ሳዕቤናት ዘይተመሓደረ ዕደና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታ ዘንጸባርቕ እዩ።

ዜና ቫቲካን

መንግስቲ ላይበርያ፡ ምርመራታት ንምሕያል፡ ዘይሕጋዊ ዕደና ንምምካት፡ ከምኡ’ውን ምቁጽጻር ጽላት ዕደና እታ ሃገር ንምምሕያሽ ዝተፈጥረ ሓይሊ ዕማም ጸጋታትና ሓልዉ (PORT) ብዝብል መጸውዕ ሓድሽ ኣካል ከም ዘቖመን፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ንስራሕቲ ዕደና ክከታተል፣ ፍቓድ ዕደና ምሃብ ዝጠልቦ ነገራት ከኽብር፣ ግቡእ ክፍሊት ክከታተል፣ ከምኡ እውን ውሕስነት ናይ ከባብያውን ናይ ስራሕን ሕግታትን ዘረጋግጽ እዩ።

መንግስታዊ ምርመራ

ሚኒስተር ዕደናን ጸዓትን ማቴኖካይ ቲንግባን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተበግሶ ናብ ስለያ ዝምራሕ ምትግባር፡ ዝሓየለ ትካላዊ ምውህሃድ፡ ከምኡ’ውን ሓላፍነታዊ ምሕደራ ሃብቲ ማዕድናዊ ላይበርያ ዝወስድ ስነ ስልታዊ ለውጢ ምዃኑ እንከመላኽት፡ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ከምዝሓበሮ እቲ ሓይሊ ዕማም ዘይሕጋዊ ዕደናን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወርቅን ብምንካይ እቶት ህዝቢ እናወሰኸን ዘላቒ ምሕደራ ሃብቲ ንምድንፋዕን ዝዓለመ እዩ።

እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ብድሆ

ዘይሕጋዊ ዕደና ኣብ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዞባ ተፋሰስ ኮንጎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰፈሐ ኮይኑ። ኣብ መላእ ኣህጉር ዝርከቡ ሰብመዚ ኣብ ቀረባ እዋን ጻዕርታት ምትግባር ኣሐይሎም ኣለዉ። እዚ ስጉምቲ ላይበርያ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝጸሉ ሰፊሕ ብድሆ ዘንጸባርቕ እዩ።

ዘይሕጋዊ ምውጻእ ወርቂ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከም ሜርኩሪ ዝኣመሰሉ ሓደገይናታት ነገራት ይምርኮስ፣ እዚኦም ድማ ንሩባታትን ምንጪ ማይን ይብክሉ። ጽልዋኡ ኪኖ ጽላት ዕደና ዝዝርጋሕ እውን እዩ። ኣብ ዞባ ካኑንጉ ኡጋንዳ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕደና ወርቂ፡ ብዙሓት ነበርቲ ንንጥፈታት ሕርሻ ክገድፉ ብምግባር፡ ምህርቲ ሕርሻ ብምዝራግ፡ ንሕጽረት መግቢ ኣብቲ ከባቢ ኣበርክቶ ብምግባርን ህጻናት ካብ ትምህርቲ ክወጹን የገድድ ምህላዉን  ኣብ መወዳእታ ሰብመዚ ስርዓት ንምምላስን ነቲ ማሕበራዊ ሳዕቤናት ንምፍታሕን ነቲ ወርቂ ዝድለየሉን ህዝቢ ዝውሕዘሉን ቦታታት ክዕጸው ከም ዝገበርዎ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ዘይሕጋዊ ዕደናን ድሕንነትን

ዘይሕጋዊ ዕደና ምስ ሰፊሕ ዞባዊ ጸጥታን ቁጠባዊ ስክፍታታትን እውን ብቐረባ ዝተኣሳሰር እዩ። ንግዲ ወርቅን ካልኦት ስነ ስልታዊ ማዕድናትን ብሓያል ኣህጉራዊ ጠለባት ዝድረኽ ኮይኑ፡ ብተደጋጋሚ ምስ ብልሽውና፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ዝተወደበ ገበናዊ መርበባትን ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ምቁጽጻር ሃብታም ማዕድናዊ ዞባታት ምስ ዕጥቃዊ ግጭታት ተሓናፊጹ ኣሎ። ጉጅለ ዓመጽቲ M23 (ኤም23) ኣብ መጀመርታ 2025 ንጎማ ካብ ዝቆጻጸር ንደሓር፡ ሓያሎ ዞባታት ዕደና ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ከምዝወደቑን፡ ካብ ወርቅን ካልኦት ስነ ስልታዊ ማዕድናትን ዝረኽቦ ኣታውታት ኣብ ዘይሕጋዊ መርበባት ንግዲ ኣበርክቶ ከምዘለዎን ይንገር። እዚ ምዕባለታት እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ማዕድናዊ ሃብቲ ኣፍሪቃ ዝግበር ውድድር፡ ንሃገራዊ ምርግጋእን ዞባዊ ድሕነትን ብኸመይ ይጸልዎ ከምዘሎ ዘርኢ እውን ምዃኑ እዩ ዝንገር።

16 Jul 2026, 16:19