ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ኣብ ጉዳይ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውዕሎን
ዜና ቫቲካን
እቲ ዓቢ ታሪኻዊ ትሕዝቶ ዘለዎ "ኣብ እዋን ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውሎን፡ ኑክለሳዊን ባዕላዊ-ምንቅስቓስ ዘለዎም ኣጽዋርን፡ ሓደስቲ ዲጂታላዊ ስርዓታትን፡ ከምኡ እውን እናማዕበሉ ዝመጹ ናይ ዲጂታል ልምዓት ሞዴላትን፡ ዕጥቂ ንምፍታሕን፡ ሰላም ንምስፋንን ዝዓለመ ናይ ሮማ ኣዋጅ"፡ ሓሙስ ዕለት 16 ሓምለ ኣብ ሮማ ተፈሪሙ። እዚ ፍጻመ እዚ ነቲ ኣብ ጉዳይ ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውሎን፡ ኑክለሳዊ ኲናትን ክዝቲ ዝቀነየ ዓለማዊ ዋዕላ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል መዛዘሚ እዩ።
እቲ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ዓለማዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ሰባትን፡ ወከልቲ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላት ምርምር ሰላምን፡ ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውሎን፡ ዘሳትፈ ዋዕላ፡ ብናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica humanitas) ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተደረኸ እዩ። እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ኣብ ዘመነ ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ንክብሪ ወዲ-ሰብ ንምክልኻል ዝዓለመት እያ።
ቅድስቲ መንበር ነቲ መደብ ካብ ዕለት 14 ክሳብ 15 ሓምለ ኣብ “ቦርጎ ስቡሕ አንተ” ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ከተአንግዶ እንከላ፡ ሓሙስ ዕለት 16 ሓምለ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ሮማ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተዛዚሙ። እቲ ናይ ንጉሆ መደብ ብናይ ሮማ ከንቲባ ሮበርቶ ጓልቲየሪ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ሰላምታ እዩ ተጀሚሩ።
ቀጺሉ ፕሮፌሰር ዳኒኤል ሆልዝ ካብ መንበረ ጥበብ ቺካጎ፡ "እቲ ሕማቕ ዜና፡ ሕጂ ዘለናሉ እዋን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደገኛ እዋን ምዃኑ እዩ፤ እቲ ጽቡቕ ዜና ግን፡ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን፡ ካብ ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውሎን፡ ንርእስና ዝያዳ ድሕነት ንምስፋን ክንገብሮም እንኽእል ብዙሓት ነገራት ምህላዎም እዩ" ክብል ንተሳተፍቲ ኣዘኻኺሩ።
ካርዲናል ሬይና፦ ዝኾነ ማሽን ወይ ኣልጎሪዝም ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ሕይወት ውሳነ ክህብ ኣይክእልን እዩ
ናይ ሮማ ዓቃቤ መንበር ዝኾኑ ካርዲናል ባልዶ ሬይና፡ እዚ ናይ ሮማ ኣዋጅ ኣብዚ እዋን እዚ ፍሉይ ትርጉም ከምዘለዎ ገሊጾም። "እዚ ኣዋጅ እዚ፡ ኣብዚ ቅልጡፍ ለውጥታትን፡ ዓበይቲ ስግኣታትን ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ መጺኡ፤ ንሳቶም ድማ፡ ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ኑክለሳዊ ኣጽዋር፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ቅልውላው ኣህጉራዊ ምትሕብባርን፡ ከምኡ እውን ድሕነት ሃገር ኣብ ስግኣት ምእታውን፡ ምክልኻልን፡ ንሓድሕድካ ምፍርራህን ጥራይ ንምምርኳስ ዝግበር ፈተናን እዮም" ኢሎም።
ካርዲናል ሬይና ኣብ ታሪኽ ኣብ ሓደ "ወሳኒ እዋን" ንርከብ ከምዘለና ብምጥቃስ፡ "ሳይንሳዊን ተክኖሎጅያዊን ዕብየት፡ ጥዕናን፡ ትምህርትን፡ ምክልኻል ከባቢን፡ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን፡ ንህንጸት ሰላምን ዓቢ ዕድላት ይህብ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዕብየት እዚ ካብ ስነ-ምግባርን፡ ሓላፍነትን፡ ንክብሪ ወዲ-ሰብ ካብ ምኽባርን ዝረሓቐ እንተኾይኑ፡ ንዕብለላን፡ ተነጽሎን፡ንጥፍኣትን ዝውዕል መሳርሒ ክኸውን ይኽእል እዩ" ክብሉ ኣጠንቂቖም።
"እቲ ሎሚ ዝቐረበ ኣዋጅ፡ ዝኾነ ማሽን፡ ዝኾነ ኣልጎሪዝም ወይ ዝኾነ ባዕላዊ-ምንቅስቓስ ዘለዎ ስርዓት፡ ኣብቲ ህላዌ ወዲ-ሰብ ዝምርኮሰሉ ወሳኒ ውሳኔታት ክቕመጥ ከምዘይብሉ ብንጹር የዘኻኽረና" ኢሎም።
ወሲኾም እውን፡ "ብዛዕባ ሕይወትን ሞትን፡ ሰላምን ኲናትን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ መጻኢ ሕዝብታትን ዝመጹ ወለዶታትን ዝምልከቱ ውሳኔታት፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብኣዊ ቁጽጽር ክኾኑ ይግባእ" ኢሎም።
ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተዕሎ ንወዲ-ሰብ ንምህናጽ ወይ ንምፍራስ ክድርኾ ይኽእል እዩ
ብተመሳሳሊ፡ ኣባ አንድርያ ቹቺ ብዛዕባ ሰብኣዊ ብልሒ ዝተሰምዖም ርእይቶ ሂቦም። ወዲ-ሰብ ብሓደ ሸነኽ ዘደንጹ ስርሓት ክሰርሕ ዝኽእል ክኸውን ከሎ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ሰብኣዊ ብልሒ ዓቢ ዕንወት ከስዕብ ከምዝኽእል ገሊጾም።
ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውዕሎን፡ ኑክለሳዊ ሓይልን ካብዚ ፍሉያት ከምዘይኮኑ ብምጥቃስ፡ "ሰብ-ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ንደቂ-ሰባት ንምህናጽ ወይ ንምፍራስ ክድርኾም ይኽእል እዩ" ኢሎም።
ካርዲናል ሲልቫኖ ማርያ ቶማሲን፡ ተዓዋቲት ኖቤል ሰላም ፕሮፌሰር ማርያ ረሳን እውን፡ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ውድድር ኣጽዋርን፡ ኣብዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስግኣት ዘለዎ እዋን ዘድሊ ስነ-ምግባራዊ መምርሒን ብዝምልከት ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ህልውናና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ
ተሸላሚ ኖቤል ፊዚክስን ኣብ መንበረ ጥበብ ካሊፎርንያ ፕሮፌሰር ቲዮረቲካዊ ፊዚክስን ዝኾኑ ፕሮፌሰር ዴቪድ ግሮስ፡ እቲ ብዛዕባ ሓደጋ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘለዎም ገምጋም ካብቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝነበሮ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ገሊጾም።
ውዕላት ቁጽጽር ኣጽዋር እናጠፍኡ ምኻዶምን፡ ሕጂ ትሽዓተ ሃገራት ናይ ኑክለሳዊ ሓይሊ ዋንነት ከም ዘለወንን ብምግላጽ ሓዘኖም ገሊጾም። "ኣብ ማእከል ዝቀልጠፈ ቅድድም ኣጽዋር ኢና ዘለና" ዝበሉ ፕሮፌሰር ግሮስ፡ ሕዝቢ ዓለም እዚ ስግኣታት እዚ ኣብ ሕይወቶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብርግጽ ኣብ ሕይወት ደቆምን፡ ደቂ ደቆምን ብከመይ ክጸሉ ከም ዝኽእል ዕሽሽ ክብሉ ከም ዘይብሎም ኣገንዚቦም።
ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ክዛረቡ ከለዉ፡ እቶም ዝቐረቡ ሓሳባት ቀለልቲ ምዃኖምን፡ ቀዲምና እውን ዝሰማዕናዮም ምዃኖምን ኣስሚሮምሉ። "እተን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት፡ ስግኣት ውግእን፡ ኑክለሳዊ ውግእን፡ ጥፍኣትን ዝቕንሱ ፖሊሲታት ከማዕብላ ንሓትት" እውን ኢሎም።
እቶም ኣብኡ ተረኺቦም ዝነበሩ ሰባት፡ ብቓላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ብቤተ-ክርስትያንን፡ ሞራላዊ ስምዒት ብዘለዎ ዝኾነ ሰብን ተደሪኾም ክንቀሳቀሱ ከም ዝግበኦም ገሊጾም። "ሰብኣውነትኩም ዘክሩ፡ ነቲ ዝተረፈ ድማ ምርስዑ" ብምባል እቶም ተሸላሚ ኖቤል ደጊሞም ብምጥንቃቕ፡ ህልውናናን፡ ህልውና መጻኢ ወለዶታትን ብንጹር ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ገሊጾም።
ኣምባሳደር ሰላም ሻሮን ስቶን እውን ካብቶም መደረ ዘስምዓ ክኾና ከለዋ፡ ንጥቕሚ ኩሉን ንክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ብሓባር ብምስራሕ፡ ዓቕሚ ማሽናት እናሰፍሐ ምስ ከደ፡ እቶም ነተን ማሽናት ዝሰርሑ ሰባት ዘርእይዎ ሞራላዊ ጻዕሪ እውን ብማዕሪኡ ክዓቢ ከም ዝግባእ ገሊጸን። "ክብሪ ወዲ ሰብ ኣልጎሪዝም ኣይኮነን" ክትብል ገሊጻ።