ድለ

Civil Defence personnel respond following an Israeli strike on a residential apartment in Gaza City Civil Defence personnel respond following an Israeli strike on a residential apartment in Gaza City 

ኣብ ቃዛ 9 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም

ሽዱሽተ ኣባላት ዘለውዋ ስድራቤት ትማሊ ሰሉስ በቲ ሃገረ እስራኤል ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ኣየር ተቐቲሎም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ቅድሚ ትሽዓተ ወርሒ ብኣመሪካ እተደገፈ ተዅሲ ናይ ምቝራጽ ውዕል ካብ ምፍራሞም ንነጀው ኣብ ቃዛ ዝፍኖ ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕቲ ኢዩ።

ዜና ቫቲካን

ሓደ ኣቦን በዓልቲ ቤቱን ኣርባዕተ ደቆምን ኣብቲ ኣብ ከባቢ ሳብራ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ደቂሶም ከለዉ ተቐቲሎም።

ሰራዊት እስራኤል ዒላማኡ ዕጡቓት ሓማስ ምዃኑን ውጽኢት እቲ መጥቃዕቲ ገና ይምርመር ከም ዘሎን ብምግላጽ ነቲ መጥቃዕቲ የረጋግጽ።

"ብተዛማዲ ኣብቲ ዞባ ርግኣት የልቦን፣ እትኸደሉ ዜተኣማምን ቦታ እውን የለን" ብምባል እቲ ኣቦሓጐ እዛ ስድራቤት ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ወይ ሓበሬታ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

ሓካይም ፍልስጥኤም ጸኒሖም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ማእከላይ ሰፈር ቃዛ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ማኪና መጥቃዕቲ ብምውራዱ፣ ክልተ ሰባት ከም ዝቐትሉ ካልኦት ድማ ከም ዝቘሰሉ ገሊጾም።

ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ተዅሲ ናይ ምቝራጽ ውዕል ካብ ዝካርይድ ንነጀው ልዕሊ 1,160 ፍልስጥኤማውያን፣ መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ቃዛ ገሊጾም።

እቲ ዕርቂ ነቲ ሰፊሕ ኲናት ደው ኣቢልዎ እኳ እንተ ነበረ ነቲ ዳርጋ መዓልታዊ ዝፍኖ መጥቃዕቲ እስራኤል ግን ደው ኣየበሎን። እስራኤል ንዕጡቓት ዒላማ ትገብር ከም ዘላ ገሊጻ።

ከም ግብጽ፣ ቀጠር፣ ቱርኪን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝኣመሰላ ማእከላይ ወገናት፣ ነቲ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ደው ንምባል ዘውጽኦ መደብ ንምድልዳል ይጽዕራ ኣለዋ፣ እዚ ድማ ጉጅለ ሓማስ ኣጽዋር ንምርጋፍ እስራኤል ካብ ዕጥቃሲ ስርሒት ክትወጽእን ዝሓትት እኳ እንተዀነ፣ ኣብቲ ጻዕርታት ግን ብዙሕ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእየ ዝሕብር ምልክት ኣይተረኽበን።

እቲ ውግእ ካብ ዝጀመረሉ፣ ጉጅለ ሓማስ ዝመርሖም ተዋጋእቲ፣ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምውራድ 1,200 ሰባት ቀቲሎም 250 ድማ ጅሆ ሒዞም ኣለዉ።

ሰበ-ስልጣን ጥዕና ቃዛ ከም ዝገለጾ እስራኤል ስዒባ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 73,000 ፍልስጥኤማውያን ተቐቲሎም ይርከቡ። ዳርጋ ዅሎም እቶም 2 ሚልዮን ህዝቢ ቃዛ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዚርከብ ንእሽቶ መሬት እዮም ዝነበሩ ዘለዉ፣ እዚ ኸኣ ብቐንዱ ኣብ ግዝያዊ ድንኳናት ወይ ኣብ ዝዓነወ ህንጻታት ከምኡውን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ዅነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

(ምንጪ ፦ ሮይተርስ)

23 Jul 2026, 10:34