ድለ

ኣብ ፈረንሳን ስጳይናን ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ኣስታት 270 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ኣብ ፈረንሳን ስጳይናን ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ኣስታት 270 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም 

ኣብ ፈረንሳን ስጳይናን ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ኣስታት 270 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም

ሰራሕተይናታት መጥፋእቲ ሓዊ ብኽልቲአን ሃገራት ዝዝርጋሕ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ንምግታእ ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብ ፈረንሳ 200 ሽሕ ሰባት ኣብ ስጳይና ድማ ኣስታት 70 ሽሕ ሰባት ከም እተመዛበሉን ምዕራብ ኤውሮጳ ኣብዚ ወቕቲ ሓጋይ ፍሉይ ልዑል ሙቐት ብምህላዉ፡ ዘጋጥም ባርዕ ሓዊ ንምግታእ ኣጸጋሚ ይገብሮ ከም ዘሎ ይንገር።

ዜና ቫቲካን

ኣብ መላእ ስጳይናን ፈረንሳን ኣስታት 270 ሽሕ ሰባት ብትእዛዝ ኣባይቲ ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ኣድሕን ህይወትን በቲ ዘጋጥም ዘሎ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ከግዕዙ ትእዛዝ ከም እተወሃቦምን እዚ እውን ካብ መነባርብሮኦም ከም ዘመዛበሎምን ባርዕ ዱር ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት እተን ሃገራት እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ናይ ሓጋይ ሙቐት ብፍሉይ ልዑል ብምዃኑ፡ ሓዊ ብቐሊሉ ክዝርጋሕ ይገብር ምህላዉ  እንክሕበር፡  ወርሒ ሰነ 2026 ኣብ ምዕራባዊ ኤውሮጳ ካብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ወርሒ ሰነ ክነጻጸር እንከሎ ኣዚዩ ብርቱዕ ሙቐት ዝተራእየሉ ምዃኑ Copernicu - ኮፐርኒኩስ  እተሰምየ ኣገልግሎት ተኸታታሊ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኤውሮጳ ዝሃቦ መረዳእታ ይሕብር።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታትን 200 ሺህ ሰባት ተመዛቢሎም

ኣብ ፈረንሳ ልዕሊ 98 ሺሕ ሄክታር ከም ዝባደመን እዚ ኩነታት ምስ ኣዝዩ ደረቕ ኩነታት ኣየርን ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ፈረንሳን ስጳይናን ዝዘንብ ትሕቲ ማእከላይ ዝናብን ተደሚሩ፡ እቲ ኣትክልቲ ኣዝዩ ደረቕን ንመቃጸሊ ዝቐንዐን ምዃኑን፡ ንፋሳት እውን ነቲ ሃልሃልታ ንምስፋሕ ክሕግዝ ከምዝኽእልን BBC - ብሪጣንያዊ ትካል ፈነወ ዝሃቦ ጸብጻብ የመላኽት።

ብተወሳኺ፡ ዘይተለምደ ርጥብ ዝበለ ክረምቲ፡ ኣትክልቲ ብሰፊሑን ብቕልጡፍን ክዓብዩ የኽእሎም ከም ዝነበረ፣ እዚ ድማ ብዋዒ ሓጋይ ምስ ነቐጸ፡ ነቲ ባርዕ ሓዊ ነዳዲ ኮይኑ ከም ዝርከብን፡ እዚ ድማ ባርዕ ንኽዝርጋሕ ፍጹም ምቹእ ኮነታት ይኸውን። ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ መላእ ኤውሮጳ ንሓደጋ ማዕበል ሙቐት ሓጋይ እውን ክብ ዘብሎ ኮይኑ ከም ዘሎን - እዚ ድማ ኣብ ምድሪ ዝቐልጠፈ ምውሳክ ደረጃ ሙቐት ዝረኣየላ ኣህጉር ኮይናን ካብ 1990ታት ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ ዓመት ሙቐት ልዕሊ 0.5C ይውስኽ ኣሎ።

መራሔ መንግስቲ ፈረንሳ፡ ሰባስቲያን ለኮርኑ፡ ነቲ ባርዕ ሓዊ ተራእዩ ዘይፈልጥ እንክብል ብምግላጽ፡ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ባርዕ ጂሮንደ ኣዝዩ ሓያል ብምዃኑ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ንፋሳት የመንጩ ከምዘሎ እውን ብምምልካት፡ “ቀዳምነትና ንጹር እዩ፡ ህይወት ደቂ ሰባት ምሕላው፡ ንሓደጋ ባርዕ ሓዊ ካብ ዝተቓልዐ ቦታ ተቐማጦ ንግዚኡ ክወጹ ትእዛዝ ምውጻእ “ብዘይ ወዓል ሕደር ክኽበር ድማ ኣለዎ” ከም ዝበለን ዕለት 26 ሓምለ ሰብመዚ ኣብ ልዕሊ ባርዕ ጂሮንደ ሃልሃልታ ዝዓግት ነገራት ንምኽዓው ብፍሉይ ዝተመጣጠነ ዓባይ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ክጥቀሙ ይሸባሸቡ ምህላዎን ዜና ቫቲካን ምንጭታት ፈረንሳ ጠቒሱ ይሕብር።

ስጳይና ኣዚዩ ፊት ዝተሓላለኸ ሰዓታት

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ማድሪድ ባርዕ ሓዊ ይቕጽል ከም ዘሎን በዚ ሓደጋ እዚ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ብውሕዱ 60 ሽሕ ሰባት ከም እተመዛበሉን ክሕበር እንከሎ መራሔ መንግስቲ ስጳይና ፔድሮ ሳንቸዝ ዕለት 26 ሓምለ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቀዳምነት "ህይወት ምድሓንን" ሰብ ዝነብረሉ ከባቢታት ምሕላውን ምዃኑ እጒሊሑ፡ "ዝተሓላለኹ ሰዓታት" ግን ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ” እንክብል ከም ዘጠንቀቐ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብተወሳኺ ኣብ ስጳይና ኣብዚ ዓመት ኣስታት 130 ሽሕ ሄክታር ዱር ከምዝተቓጸለን እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዓመታዊ ማእከላይ 100 ሽሕ ሄክታር ዱር ተቓጺሉ እዩ እንክብል ከም ዝረጋገጸ ኣመላኺቱ፡ ባርዕ ሓዊ ንኻልኦት ከባቢታት ኤውሮጳ እውን ክትንክፍ ጸኒሑ’ዩ፡ ኢጣልያ – ኣብ ሲቺሊያ ልዕሊ 350 ባርዕ ሓዊ ዘጋጠማ ኮይና – ከምኡ’ውን ስኮትላንድ፡ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ሓደ ሃገራዊ ፓርክ ንዝነደደ ባርዕ ሓዊ ን10 መዓልታት ኣብ ምጥፋእ እቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ተጸሚዳ ከም ዝነበረት የስተብህል።

(ምንጪ ሓበሬታ BBC, Associated Press)

27 Jul 2026, 16:03