ድለ

TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-FOOD TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-FOOD  (AFP or licensors)

ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ 2025 645 ሚልዮን ሰባት ግዳያት ጥሜት ኮይኖም

እቲ ብሓሙሽተ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እተዳለወ ጸብጻብ፣ ኵነታት ውሕስነት ምግብን ኣመጋግባን ኣብ ዓለም (SOFI) ከም ዝሕብሮ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳርጋ ሸሞንተ ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ብጥሜት ከም ዝተሳቐዩ፣ ካብ ዝሓለፈ ጸብጻባት እተመሓየሸ እኳ እንተ ዀነ፣ እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ ን650 ሚልዮን ሰባት ይጸሉ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ዜና ቫቲካን

እዚ ብሓሙሽተ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓባር እተዳለወ ጸብጻብ፣ ኣብ 2025 ኣስታት 645 ሚልዮን ሰባት ማለት 7.8 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ብጥሜት ከም ዝተጠቕዑ ይግምት።

እቲ ብትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (FAO)፣ ውጥን ምግቢ ዓለምን (WFP)፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን (WHO)፣ ትኻል ሓልዮ ህጻናትን ቈልዑን (ዩኒሴፍ)፣ ከምኡውን ኣህጉራዊ ወፍሪ ሕርሻን ምዕባለን (IFAD) ዘዳልውዎ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከትማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራ FAO ቀሪቡ።

እዚ ትካል እዚ ኣብ መኽፈቲ እቲ መደብ፣ ኣስታት 645 ሚልዮን ካብ ቍጽሪ ሕዝቢ ዓለም ብጥሜት ከም እተ ጠቕዐ ብምግላጽ፣ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝንበረ ጸብጻባት ግን ከም ዝነከየ ዝሕብር ምዃኑ ኣጕሊሑ፣ እዚ ኸኣ ካብ 2024 ብ14 ሚልዮን ዝውሕዱ ሰባት ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሓሉ 43 ሚልዮን ዝውሕድ ምዃኑ ይገልጽ። ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኣመሪካን ደቡባዊ እስያን ውሕስነት ምግቢ ኣጸቢቑ ኸም እተመሓየሸ እውን ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጂኦፖለቲካዊ ውጥረትን ምስ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር እተተሓሓዘ ሓደጋታትን፣ ንዓለምለኻዊ ስርዓት ምግቢ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ስለ ዝኽእል፣ እዚ ጸብጻባት እዚ ገና ዜሻቕልን ህጹጽ ስጕምቲ ኸም ዜድልዮን የጠንቅቑ።

ስግኣታት ዓለምለኻዊ ስርዓተ-ምግቢ ነቲ እዋናዊ ዝኾነ ዓወታት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል እዩ

ሓላፊ ቝጠባ ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገረአት FAO ዝኾነ፣ ማክሲሞ ቶሬሮ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ከም ዝገለጾ፣ እቲ ቐንዲ መስመር ጸዓትን ሕርሻን ዝዀነ ብወሽመጥ ሆርሙዝ ኣቢሉ ዝግበር ምትሕልላፋት ምቍራጹ፣ ሓደ ኻብቲ ቐልጢፉ ዜተሓሳስቦ ነገር እዩ፣ ብፍላይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምቍራጽ፣ ዋጋታት ነዳድን ድዅዕን መጓዓዝያን ከም ዝውስኽ ስለዝገብር ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ ምህርቲ ምግቢ ስለ ዝውስኽን ድማ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ናይ ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት FAO ቍጠባ ክኢላ ከም ዝገለጾ፣ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ኤል ኒኖ ኣብ ተኣፋፊ ዞባታት ንዘሎ ምህርቲ ሕርሻ ብምቍራጹ፣ ተወሳኺ ጸቕጢ ክውስኽ ይኽእል ኢዩ ክብል ግምታቱ ይገልጽ።

ረብሓታት ንምዕቃብ ቈራጽነት ዘለዎ ፖሊሲ የድሊ

ዋና ዳይረክተር ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት FAO ዶ/ር ኩ ዶንግዩ ኣብ መእተዊ እቲ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ፣ እዚ ጸብጻብ እዚ፣ "ቈራጽነት ዝገበረ ፖለቲካዊ ስጕምትታት ፍረ ከምጽእ ከም ዝኽእል" ዘርኢ ኢዩ ክብል የመልክት።

ይኹን እምበር ኣወንታዊ ምዕባለታት እኳ እንተ ተገብረ፣ ዋና ዳይረክተር ኣስዒቡ ከም ዘመልከቶ፣ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተረኽበ ዓወታት ንምዕቃብን ንምቅልጣፍን እቲ ዕዮ ክቕጽል ከም ዘለዎ ኣትሪሩ ተዛረበ።

309 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ማለት ሓደ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ብሕጽረት ኣመጋግባ ይሳቐዩ ኣለዉ

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከም ዝሕብሮ፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንኣስታት 309 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ኣሎ፣ ቅልጡፍ ዕቤት ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ስለ ዝርአ፣ ቍጽሪ እቶም ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ክውስኽ ይኽእል ኢዩ ክብል የመላኽት።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጥሜት፣ ካብ 20.3 ሚእታዊት ናይ 2024፣ ናብ 20.0 ሚእታዊት ኣብ 2025 እኳ እንተ ነከየ፣ እዚ ድማ ካብ 2017 ንነጀው ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጥሜት ኣንፈት ዘቋረጸ እኳ እንተዀነ፣ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ካብ ሓሙሽተ ኣፍሪቃውያን እቲ ሓደ ጥሜት የጋጥሞ ከም ዘሎ ደጊሞም ይገልጹ።

ጕድለት ኣመጋግባ ቈልዑ ልዑል ምዃኑ

ንትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘጨንቕ ዓለምለኻዊ ኣረኣእያ ደማ እቲ ጸብጻብ የቕርብ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፣ ኣብ 2030 ኣስታት 520 ሚልዮን ሰባት ብጥሜት ክሳቐዩ ከም ዝኽእሉ ይሕብር፣ እዚ ድማ ዓለም ነቲ ዘላቒ ምዕባለ ዝኾነ ሸቶ 2 (ዜሮ ጥሜት) ንምውቃዕ ካብ ዝውጽኣቶ መደብ ከም እትርሕቕ ዝገብራ ምኹኑ ይነገር።

ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፣ ጕድለት ኣመጋግባ ቘልዑን ደርቅን ልዑል ኰይኑ፣ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ዋሕዲ ደም እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎን፣ ከምኡውን ዓበይቲ ልዕሊ ሚዛን ምዃን ብቐጻሊ ይውስኽ ኣሎ ክብል የመላኽት።

ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገራትን ስምዕታታትን

ኣብ እዋን መኽፈቲ እቲ ጸብጻብ፣ እተን ትካላት "ዕዳጋታት ምግብን ጸዓትን ሕርሻን ክፉት ምግባር ኣድላዪ ምዃኑን፣ ካብ ቀይድታት ሰደድ ምርሓቕን፣ ከምኡውን ንተነቀፍቲ ሰባት ዕላማ ዘለዎ መደባት ማሕበራዊ ዕቝባ ምድልዳል" ከም ዘድሊ ይጣበቑ።

ኣብ ርእሲ እዚውን መንግስታትን መሻርኽቲ ምዕባለን ሓረስቶትን፣ ድዅዒ ጽሩይ ዘርኢ ማይ ልቓሕ ከምኡውን ካልእ ኣገዳሲ ነገራት ክረኽቡ፣ "ውሳነታት ምዝራእ ዘይምለስ ምዃኑ" ኼረጋግጹ ተማሕጺኖም።

ብተወሳኺውን ኣብ ናይ ሕርሻን ሥርዓት መግብን "ብፍላይ ኣብ መስኖን መኽዘንን መሳለጥያታትን ሰንሰለት መጓዓዝያን ናይ መጓዓዝያ መውጽኢታትን ኣቐዲምካ መጠንቀቕታን ከምኡውን ናይ ትጽቢት ስጕምትታትን ሜላታትን" ናይ ነዊሕ ግዜ ወፍርታትን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ወፍሪ፣ ዋጋ መኣዛታት ዘለዎ ምግቢ ኪንኪ ንዜሰምብድ ኩነታት ተጻዋርነት ኬመሓይሽ ከምኡውን ጥዑይ ኣመጋግባ ብሕሱር ዋጋ ኸም ዚሽየጥ ክገብር ከም ዝኽእል ይገልጹ።

24 Jul 2026, 12:33