ድለ

Kyiv mourns victims of Russian combined attack Kyiv mourns victims of Russian combined attack  (ANSA)

ኣብ ሃገረ ዩክረይን ቍጽሪ ግዳያት ዝኾኑ ህጻናት ይውስኽ ኣሎ

ኣህጉራዊ ማሕበር ተጣባቒ መሰላት ህጻናት Save the Children፣ ኣብ ወርሒ ሰነ 2026 ካብ ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ እቲ ሰፊሕ ውግእ ዝነበረሉ እውን ንነጀው፣ እቲ ዝለዓለ ቝጽሪ ግዳያት ዝኾኑእ ቈልዑን ህጻናትን ከም ዘሎን፣ ነቲ ቅትለት ህጻናት ብምዅናን ድማ፣ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ደብዳባት ሚሳይላት ንብዙህ መንበሪ ገዛ ሰላማውያን ሰባት የዕኑ ከም ዘሎን ሓቢሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ዓለምና ካብ ቈልዑን ህጻናትን ሃገረ ዩክረይን ክትርሕቕ ክንፈቕደላ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዚ ንምጥፋእን ህጹጽ ስጕምቲ ኽንወስድ የድልየና እዩ" በለ።

ኣብ ሃገረ ዩክረይን ዳይረክተር ውድብ ምዕቃብ ህጻናት ሶንያ ኩሽ ነዚ መግለጺ እዚ ዝሃበቶ፣ ነቲ ዝሓለፈ ሰሉስ እተሓትመ ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ንነጀው እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ንምጉላሕ ኢዩ ዝንበረ።

ብድብ ምዕቃብ ህጻናት፣ ንቘልዑን ህጻናትን ንምሕጋዝን መሰላቶም ንምሕላውን እተወፈየ ኣህጉራዊ ትካል ግብረ ሰናይ ካብ 2014 ኣትሒዙ ኣብ ዩክረይን ይዓዪ ኣሎ።

ኣብቲ ግዜ እቲ 209 ቈልዑ ተቐቲሎም ወይ ቈሲሎም እኳ እንተ ነበሩ፣ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እተረኽበ ሓድሽ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ 2026 ጥራይ 123 ቈልዑ ሞይቶም ሸውዓተ ቘልዑ ድማ ተቐቲሎም፣ ኣስታት 116 ዝኾኑ ህጻናት ድማ ቈሲሎም ይርከቡ።

ህይወት ቈልዑ ምብትታኑ

በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ብዓል ስልጣን ናይዚ ውድብ ከም ዝገለጾ፣ "እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ንህይወት ቈልዑ ይበታተን ኣሎ” ክትብል ትምስክር።

"ኣብ መዋእለ ሕጻናት ኣባይቲ ወይ ኣብ ጐደናታት ድሕንነት ዘለዎ ቦታ የለን" ድማ በለት።

ውድብ ምዕቃብ ህጻናት፣ እቲ ሰፊሕ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንጥፈታቱ ብዘደንቕ መገዲ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ካብ ወርሒ ለካቲት 2022 ንነጀው ኣብ ዩክረይን እትርከብ ጕጅለ እዚ ውድብ እዚ ንልዕሊ 4.7 ሚልዮን ሰባት በጺሓ ኣላ፣ ካብዚኣቶም 448,000 ናይ ትምህርቲ ደገፍ ረኺቦም ኣለዉ።

‘እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ደብዳባት ሚሳይል ንመንበሪ ገዛውቲ የዕኑ ኣሎ'

ኩሽ ከም ዘመልከተቶ፣ "ኵላትና ኣብ ዩክረይን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኩነታት እናገደደ ኸም ዝኸደ ተረዲኡና ኣሎ። ሰራሕተኛታትና ከም ዝገለጽዎ እዚ ሓደ ኻብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፣ ሰፊሕ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ እዋን ኢዩ፣ እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ሰፊሕን ጽዑቕን ዘይተጸበኻዮን መጥቃዕትታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።"

ሕጂ ግን እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ደብዳባት ሚሳይል "ንብምሉኡ ኽፋላት መንበሪ ገዛውቲ የዕንዩ፣ ካብ ደብዳባት ሮኬት ከኣ ሰባት መዕቈቢ ንምርካብ ዚኸዱሉ ኣብ ትሕቲ መሬት ዚርከብ መዐሸጊ ማካይን ከይተረፈ ይድብድ ኣሎ" ብምባል ጓሂኣ ገለጸት።

16 Jul 2026, 12:52