ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ስጳይና ዘካየድዎ ምብጻሕ ታሪኻዊ ዝኾነሉ ምኽንያት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ስጳይና ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዎ ዑደት ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎኦም፡ ኣብ ማድሪድ ኣብ ህንጻ ህዝባዊ ባይቶ ምብጻሕ ኣካይዶም መደረ ከም ዘስምዑን እዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ ተባሂሉ ዝንገረሉ ርክብ፡ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ኮሚላስ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ናይ ታሪኽን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን መምህር ኤሚልዮ ሳኤንዝ ፍራንሰስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ጽልዋ ናይዚ ምብጻሕን ገለ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ቀንዲ ነጥብታትን የስተንትን፡ ቅዱስነቶም ብሓፈሻ እቲ ኣብ ስጳይና ዘካየድዎ ምብጻሕ ታሪኻዊ እንክብል ብምግላጽ፡ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስጳይና ቅድሚ ኣስታት 15 ዓመት ዝተኻየደ ምዃኑ መምህር ሳኤንዝ ኣብቲ ናይ 6 መዓልታት ጉዕዞ ብዝተፈላለየን ኣገደስትን ፍጻሜታት እቲ ዑደት ከመይ ታሪኻዊ ኮይኑ ከምዝቕጽል የጒልሕ።
ቤተ ክርስቲያን እትብሎ ኣለዋ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 8 ሰነ ኣብ ርእሲ ኸተማ ስጳይና ኣብ ናይ ሳልሰይቲ መዓልቲ ውዕሎ ንግሆ ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ዘማእከለ ከም ዝነበረን፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዘ ምዃኑ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ካሚላስ መምህር ሳኤንዝ ኣጕሊሑ፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ስጳይና ዘስምዕዎ መደረ "ሓሳባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳባት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከምኡውን እዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ክትዕ ስጳይና ኣብ ናይ ሓቂ ክትዕ ክኣትው ዝገበረ እዩ . . . ስጳይና ንዘመናት ዝጸንሐ ታሪኽን ልምድን ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ እዚ እውን ኣብ መንጎ ስጳይናን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ህያው ምዃኑ ዘርኣየ ምንባሩ ብፍሉይ ኣገዳሲ እዩ።
ይኹን እምበር እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘስምዕዎ መደረ በቲ ኣብ መንጎ ቤተ - ክርስትያንን መንግስትን ዘሎ ሚዛናዊ ፍልልይ እዩ ዝጅምር። ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ክትዕ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ገሊኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወይ ቤተ ክርስቲያን ዋላ ኣብ ባይቶ መደረ ከስምዑ ዕድል ክረኽቡ ኣለዎም ቢሎም ዝሙግቱ ኣለዉ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግደ ቤተ - ክርስትያን ሕጋውነት ፖለቲካዊ ተቕዋም ኣብ ሕቶ ምእታው ከም ዘይኰነ ኣብ ምብራህ ዝነበሮም ጥበብ የጒልሑ። "ይኹን እምበር ቤተ - ክርስትያን ብዛዕባ ህሉው ማሕበራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ክውንነት ዓለም ገለ ሓሳባት ከተካፍል ምሉእ መሰል ኣለዋ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ መልእኽቲ ናብ ኣዝዩ እተኸፋፈለ ህዝባዊ ባይቶ ክበጽሕ ብዝኽእል ቋንቋ ክመሓላለፍ ኣለዎ፡ ክትዕ ዝግበረሉ ኣርእስትታት እውን ኣብ ጠረጴዛ ዘቕረበ እዩ።
ሰላማንካ፡ ምሁራዊ ታሪኽ
ሓደ ወሳኒ ነጥቢ ናይቲ መደረ፡ ብመሰረት መምህር ሳኤንዝ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ስልጣነ ስጳይና ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዘብጸሐ ቤት ትምህርቲ ሰላማንካ “ከም ርእሰማላውነትን ደቂ ሰባትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ኣብ ምምዕባል ፈላሚ” ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ እንክብል ሓቢሩ፡ ኣብ ትሕዝቶ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ህብዛዊ ባይቶ፡ ቤት ትምህርቲ ሰላማንካ ምስ ክርስትና ዓሚቝ ምትእስሳር ዘለዎ ናይ ጽፉፍ ምሁራዊ ኣተሓሳስባ ኣብነት እዩ። ብፍላይ ግዝያዊ ሓይሊ - ወይ ምድራዊ ስልጣን ምድራት ከምዘድሊ ከምዘስተብሃሉ ገሊጹ - እዚ ብሓቂ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር እዩ። ኣብ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ዘሎ ተሓታትነትን ሚዛናውነትን እናነከየ ይኸይድ ኣሎ እንክብሉ ካብ እዋናዊ ቅልውላው ስርዓት ደሞክራሲ ከም ዘጠንቀቑ የስተብህል።
"ሕጂ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ወይ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ተሓታትነትን ቁጽጽርን ዕላማታተን ክስዕባ ፍቓደይናታት ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ናይ ገዛእ ርእሰን ፖለቲካዊ ባህሊ ኣድላዪ ምቁጽጻር ክግበር ፍጹም ፍቓደይናታት ዘይኮናሉ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። ብፍላይ ስጳይና ካብ ናይ ዓመታት ምስግጋር ናብ ስርዓት ዲሞክራሲ ዝመጸት ኮይና፡ ሕጂ ድማ ኣብ መንጎ ዲሞክራስን ባይቶን ከምኡ’ውን ክልቲኦም ሓይልታት - ዝመርሕን ዝቃወምን ብኸመይ ሚዛን ከም ዝህልዎምን ወጥሪ ኣጋጢምዋ ኣሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ሓንቲ ካብተን መበቈል ባህሊ ምዕራባውያን ተባሂላ እትጥቀስ ሃገር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ ዋጋ ዚወሃቦ ነገራት ዚመጽእ ሓደጋታት ዝያዳ ምርዳእ ከም ዘሎ የዘካኽሩ፡ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብፍሉይ ናብ ስጳይና ዘቕንዐ እኳ እንተኾነ "ንፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣውሮጳ" እውን ዝዛረብ ምዃኑ የስተብህል።
ክብረት ብዅሉ ወገን ኣብ ሕቶ
መንግስታት ኣብ ኣፍልጦ ናይ ኩሉ ሰብ ባህርያዊ ዝኾነ ሰብኣዊ ክብሪ መሰረት ዝገበረ ሕግታት ክፈጥሩ ኣለዎም። ከምኡ እንተኾይኑ እቲ ሕጊ ውሕስነት ይህብ። እዚ ድማ እቲ ር.ሊ.ጳ. ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝሓተትዎ መዐቀኒ እዩ። ይኹን እምበር ነቲ ዝሰፍሐ ዓለም ክንርእዮ እንኮለና እዚ "ኣዝዩ ከቢድ" ምዃኑ መምህር ሳኤንዝ ኣስተብሂሉ፡ ታሪኽ ከይተረፈ ነዚ መለክዒ ዕሽሽ ምባል ረብሓ ከም ዘይብሉ ኣረጋጊጹ እዩ። ገና ግን ነዚ “ኣንጻር ባህላዊ መርገጺ” ንምክልኻል ብድሆታት ኣሎ። ንኹነታት ፖለቲካ ዓለም ጥራይ ንርአ - ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኲናት፡ ኣብ ዩክሬን ኲናት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ግጭታት ኣብነት እዩ። "እቲ ሕጂ ብኹሉ ሸነኽ ዝረአ ዘሎ ብድሆ ብልክዕ ንምልላይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ . . . እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ነዚ እምነታት እዚ ስነ ምግባራዊ መምርሕን ስልጣንን ምትብባዕ ሎሚ ካብ ቀደም ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ኣጒሊሖም እዮም። "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓደ ኻብቲ ኻብ መወዳእታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው ዝዓበየ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ምጥርጣራትን ሓደጋታትን ኣብ ዝርኣየሉ እዋን ዝተሓርዩ እዮም፡ ር.ሊ.ጳጳስናኦም ነዚ ህልው ኩነታት ዓቢይ ግምት ዝህብ እዩ።
ንለውጢ ዝኸውን ኣገባብ
ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፡ ዳግመ - ዕጥቂ ተመሊሱ ኣብ መድርኽ ተቐልቂሉ ኣሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዳግመ - ዕጥቒ ነዚ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ንርእዮ ዘሎና ዘይውሕስነትን ብድሆታትን ምላሽ መፍትሒ ከም ዘይኮነ የጠንቅቑ። ስለዚ ድማ ካብ ንተወሳኺ ዓመጽ፡ ንዘተ፡ ኣህጉራዊ ሕግን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተን ቀዳምነት ምሃብ ወሳኒ ምዃኑ የብርሁ። እዚ ጻውዒት እዚ ኣንጻር ዋሕዚ መብዛሕትኦም ከም ዝኸይድ ድማ መምህር ስኤንዛ ኣስተብሂሉ፡ “ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንሓሳባት ኣንጻር ዳግመ - ዕጥቂ ምክልኻል ጸረ ባህሊ እዩ።” ናብ ኣጽዋር ከይተረፈ ቅድሚ ምብጻሕና ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልሳንና እውን ኣጽዋር ክፈትሕ ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ። ዓበይቲ ነገራት ብንኣሽቱ ስጉምትታት ክፍጸሙ ይኽእሉ እዮም . . . ኣብዚ ንዅሉ ሰብ "ካብ ኣዝዩ እተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣቕዋም ስነ ምግባራዊ መርገጺ ፖለቲካዊ ጠለብ ከምኡውን ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዕ ኣምድሪ ህርፋን ናብ ክእለት ምዝራብን ዘተን ክምለስ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ንቕድሚት ንምስጓም ሓባራዊ ባይታ ንምርካብ ክንዘራረብን ክንመያየጥን እዩ ዘሎና።" እዚ ኣገዳሲ ምርጫ እዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰሪሑ እዩ። ሎሚ እውን እንደገና ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ስጳይና ንእሽተይ ቆዝሞስ ናይቲ ሰፊሕ ዓለም እንክብሉ ቅዱስነቶም ብምግላጽ፡ "ንኣሽቱ ለውጥታት ንምግባር ናብ ኣጠቓቕማ ቃላትን ምይይጥን ክንምለስ ይጽውዑ፡ ካብኡ ጀሚርካ በብቑሩብ ካብዚ ዝዓቢ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል እዩ” እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።