ድለ

A newspaper displays coverage of the U.S.-Iran peace deal signing, at a newsstand in Islamabad

ኣመሪካን ኢራንን ኲናት ደው ንምባል ተሰማሚዐን፣ ንዓርቢ ክታመን ከንብራ ትጽቢት ይግበረለን

ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኣብ መንጐአን ክቕጽል ዝጸነ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ በጺሐን፣ እዚ ድማ ሃገረ እታ መንጐይና ኮይና ክትዓዪ ዝጸንሐት ሃገረ ፓኪስታን፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ክታመን ከንብራ ከም ምዃነን ትገልጽ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን፣ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ በጺሐን ክትብል ብምግላጽ፣ እታ ከም መንጐይና ኮይን ክትዓዪ ዝጸንሐት ሃገረ ፓኪስታን፣ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ብወግዒ ክታመን ከንብራ ከም ምዃነን እውን ተመልክት።

ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ከም ዝገለጾ፣ እቲ ስምምዕ ነቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንዋሽንግተን ቀንዲ ጠለብ ዝነበረ ወሽመጥ ሆርሙዝ እንደገና ንምኽፋት ዘጠቓልል ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብ ተህራን ድማ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ስምምዕ ከም እተረጋገጸ ኣፍሊጡ፣ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ሃገረ ኢራን ግን ነቲ ውጽኢት ከም ዓወት እታ ሃገር ገይሩ ገሊጽዎ ይርከብ ኣሎ።

ሃገረ ፓኪስታን ብወገና፣ እቲ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ኣፍሊጣ፣ እቲ ስምምዕ "ኣብ ኵሉ ግንባራት፣ እንተላይ ኣብ ሊባኖስ ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት" እውን ደው ከም ዘብል ገሊጻ። ሃገረ እስራኤል ግን ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መልሲ ኣይሃበትን። ይኹን እምበር ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ፣ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፣ ኣብ ሊባኖስ "ብዘይ ናይ ግዜ ቀይድታት" ህላወኦም ከብቅዕ ከም ዝሓሰቡ ብምግላጽ፣ እቲ ዝሰፍሐ ናይ ተዅሲ ምቍራጽ ውዕል እናሃለወ ኽነሱ፣ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክቕጽል ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እቲ ውግእ ብዕለት 28 ለካቲት ድሕሪ ምኽሳቱ፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ መላእ ሃገረ ኢራን ኣብ ዝርከብ ዒላማታት ምስ ደብደባ፣ ተህራን ድማ ብወገና ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ሃገራት፣ ማለት መዓስከራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከበለን ሃገራትን ደብዳባት ሚሳይል ብምፍናውን መጥቃዕትታት ብምክያድን ሕነ ክትፈዲ ተረኽበት። እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ብምስፍሕፋሑ ድማ ካልኦት ዞባውያን ተሳተፍቲ እውን ብምስሓብ፣ ዝሰፍሐ ግጭት ከየኸትል ስግኣታት ኔርዎ ኢዩ።

ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ሃገረ ኢራንን፣ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላትን፣ "እፎይታ" ዝፈጥር ኩነታት ክብሉ ገሊጾምዎ ኣልዉ። ንግሥነት ኢሚሬት ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን፣ ኣብቲ ኲናት፣ ብሚሳይላት ሃገረ ኢራን ተወቒዐን ኢየን፣ ሰበ-ስልጣን እቲ ዞባ ድማ ንሰሙናት ዝኣክል እቲ ግጭት ደው ክብል ጻውዒት ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለዉ።

ሚኒስትሪ ግዳያት ወጻኢ ሃገረ ግብጺ፣ ነቲ ስምምዕ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕባለ" ክብል ይጽውዖ፣ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ወጻእን፣ "ድሕንነትን ርግኣትን" ንምምላስ ክሕግዝ ምዃኑ እውን ዝለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ዕዳጋታት ኤውሮጳ ነቲ ብዛዕባ እዚ ስምምዕ ዝገልጽ ዜናታት፣ ኣወንታዊ ምላሽ ሂቦምሉ ይርከቡ። ኣክስዮናት ዕዳጋ ድማ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጅሚሩ ክብ ክብል ይርዐአ ኣሎ፣ ናይ ጀርመን DAX ከምኡውን ናይ ፈረንሳ CAC 40፣ ብ1.7 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ይርከብ፣ ከመይሲ ኢንቨስትመንት ናይ ምንካይ ምልክታት ብጽቡቕ ስለ እተቐበልዎ ኢዩ ዝንበረ።

16 Jun 2026, 11:08