ድለ

ኣብ ፊሊፒንስ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ኣብ ፊሊፒንስ ዘጋጠመ ርእደ መሬት 

ኣብ ፊሊፒንስ ዘጋጠመ ርእደ መሬት

ኣብ ዝሓለፈ ሶኑይ ደቡባዊ ፊሊፒንስ ኣብ ወሰን ደሴት ሚንዳናው ብዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብውሕዱ ናብ 61 ክብ ከም ዝበለን፡ ካልኦት 40 ድማ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበን ካብ ፊሊፒንስ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜናቭ ኣቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ዝሓለፈ ሶኑይ ዕለት 8 ሰነ 7.8 ሬኽተር ብዝዓቐኑ ብርቱዕ ርእደ መሬት  ዝተሃስየት ፊሊፒንስ ብውሕዱ 61 ሰባት ሞይቶም 40 ድማ ገና ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ማኒላ ትካል ምሕደራ ሓደጋታት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዘፍለጠን ሚኒስትሪ ኣከባቢ ካብ ፈለማ መርመራታትን ምስክርነት ነበርቲ ደቡባዊት ደሴት ሚንዳኖውን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ገለ ገማግም ባሕሪ ጽፍሒ ባሕሪ ውቅያኖስ ክሳብ ክልተ ሜትሮ ክውስኽ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።  እዚ ፍጻመ እዚ ብፍላይ ነቶም ንኹነታት ብርቱዕ ንፋስን ልዑል ሙቐትን ተቓላዕቲ ዝኾኑ ከባቢታት ሓደጋታት ዘስዕብ ምዃኑ ይሕብር።

እቲ ዘየቋርጽ ናይ ምድሓን ጻዕርታት

ድሕሪ እቲ ርእደ መሬት ኣስታት ሓደ ሰሙን፡ ጉጅለታት ኣድሕን ህይወት ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ዝተቐብሩ ሰባት ምድላይ ክቕጽሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 500 ሰባት ከምዝቖሰሉን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከምዝተመዛበሉን እቲ ልክዕ ኣብ መጀመርታ ናይ ትምህርቲ ዓመት ዘጋጠመ ርእደ መሬት፡ ህንጻታት ክፈርሱን ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ደሴት ፍግረ መሬት ዘስዓበ ኮይኑ፡ እቲ ዘይርጉጽነት ማለት ሓሓሊፉ ዝስማዕ ዝነበረ ርእደ መሬት ንባዕሉ ድሕሪ እቲ ርእደ መሬት ዝነበረ ሰዓታት ንጻዕርታት ምድሓን ህይወት ከቢድ ከም ዝገበሮ እዩ ዝንገር።

ፍሉይ ምትእኽኻብ ቤተ ክርስቲያን ፊሊፒንስ

ኣባይትን ትሕተ ቅርጺ፡ ጽርግያታትን ገለ ኣብያተ ክርስትያን እውን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጀነራል ሳንቶስ ዘጋጠመ ዕንወት ሰፊሕ ኮይኑ፡ ማሕበረሰባት ካቶሊካውያን ፊሊፒንስ ብኡ ንብኡ ኣብ ጎኒ እቶም ግዳያት ደው ብምባል፡ ነቶም ብሰንኪ ርእደ መሬት ዝተሃስዩ ሰባት ዓሚቝ ምትሕግጋዝን ሰብኣዊ ሓገዝን ዘይቋርጽ ጸሎትን ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓበሬታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስ ተወኪሱ ብምምልካት፡ ድሮ ድሕሪ እቲ ርእደ መሬት ኣብ ዝነበረ መዓልቲ፡ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ናይ ሰበኻ ሊፓ ሊቀ ጳጳሳት ጂልበርት ጋርሴራ፡ ሰበኻታት፡ ቍምስናታት ካቶሊካውያን ትካላትን፡ ዕለት 14 ሰነ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ነቶም ግዳያት ርእደ መሬት ፍሉይ ሓሳብ ዝገበረ ክኸውን እውን ኣተሓሳሲቦም ከም ዝነበሩን እብታ ዕለት እቲኣ ዝእከብ ምጽዋት እውን ንማሕበራዊ ስጉምቲ ሃገረ ስብከትን ብካሪታስ ናይ ዝጸዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ፊሊፒንስን ብህጹጽ ኩነታት ኣብ ዝተሃስዩ ከባቢታት ንዝካየድ ጻዕርታት ረድኤትን ምሕዋይን ንምድጋፍ ክውዕል እውን ኣተሓሳሲቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

15 Jun 2026, 15:23