ርእሰ ብሔር ቦሊቭያ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ንነጀው ቍጠባዊ ቕልውላው ንምቍጽጻር ተባሂሉ እተሰናደወ ቝጠባን ስልጣንን ዚምልከት ስጕምትታት ምኽንያት ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋን ጽንኩር ጉዳያት መነባብሮን ብምቅዋም ብርቱዕ ህዝብዊ ናዕቢ ካም እተለዓለን ነዚ ብርቱዕ መላእ ሃገር ዘናውጽ ዘሎ ናዕቢ ንምቁጽጻር ሓይሊ ጸውጥታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ዓሰርተው ሸውዓተ ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ብኣማእታት ዚቝጸሩ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እተመርጸ እሞ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ምምሕዳር መንግስቱ ዘጀመረ ርእሰ ብሔር ሮድሪጎ ፓዝ፡ ነቲ ዳርጋ ዕስራ ዓመት ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ማሕበርነት ብምስራዝ ኣብ ተለቪዥን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ነቲ ዕንቅፋታት ንምውጋድ ደኣ እምበር ንበርገሳዊ ሓርነት ቦሊቭያውያ ዝምልከት ከም ዘይኰነ ኣትሪሩ ገሊጹ ምንባሩ እንክንገር፡ ነዚ ስጕምቲ እዚ ህዝባዊ ባይቶ እንተደኣ ኣጽዲቕዎ እቲ ህጹጽ ኣዋጅ ክሳዕ 90 መዓልቲ ኺጸንሕን ኣብ ግብሪ ክውዕል እውን ምዃኑ ናይታ ሃገር ምንጭታት ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፡ ርእሰ ብሔር ሮድሪጎ ፓዝ ካብ ምምሕዳር ትራምፕ ብርቱዕ ደገፍ እኳ እንተ ረኸበ፡ ኣብ ሓደ እዋን ግን ቍጥዓ ብዙሓት ሓያላት ተቓወምቲ ከምኡውን ተቓውሞ ርእሰ ብሔር ነበር ኢቮ ሞራሌስ ንባዕሉ ኣባል ደቀባት ሓረስቶት ኮካ ከምኡውን ዘይነቓነቕ ፖለቲካዊ ጸላኢ ዋሽንግተን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሳተፈ ብርቱዕ ህዝባዊ ናዕቢ የጋጥሞ ከም ዘሎ እዩ ዝንገር።