ድለ

TOPSHOT-IRAN-US-ISRAEL-WAR-DAILY LIFE TOPSHOT-IRAN-US-ISRAEL-WAR-DAILY LIFE 

ኣብ ሆርሙዝ ኩዌት ዕላማ ዝገብረ ካልእ ተኸሲቱ ዘሎ ደብዳብ ብድሮናት

ኣመሪካ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ወተሃደራዊ ቦታታት ኢራን ከም ዘጥቅዐት ክትገልጽ ከላ፣ ተህራን ከኣ ንሰፈር ኣመሪካ ዒላማ ብምግባር ምላሽ ከም ዝሃበት ገሊጻ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ወተሃደራዊ ሰፈራታት ኢራን ከም ዘጥቅዐት ክገልጽ እንከላ፣ ተህራን ከኣ ብወገና ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፣ ኣብ ዙርያ ወሽመጥ ሆርሙዝ ኣብ ዝርከብ መዓስከታት ኣመሪካ ንሳልሳይ ግዜ መጥቃዕቲ ብምውራድ ምላሽ ከም ዝሃበት ገሊጻ።

ማእከላይ ኣዛዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ’ዚ ስጕምትታት ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ማያት ናይ ኣመሪካ ድሮን ብምውዳቓ፣ "ናይ ርእሰ-ምክልኻል መጥቃዕቲ" ከም ዝፈጸመ ገሊጹ።

ሰራዊት እስላማዊ ሰውራ ወተሃደራት ኢራን፣ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ደቡባዊ ኢራን እተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሕነ ንምፍዳይ ሓይልታት ኣመሪካ ዝጥቀሙሉ መዓስከራት ኣየር ዒላማ ከም ዝገበረት እውን ኣመልኪቱ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኩዌት ናይ ኣየር መከላኸሊ መሳርሒታታ ኣብ እዋን ምልውዋጥ፣ ንተጻባእቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ከም ዝዓገተት ገሊጻ።

እቲ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ናይቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዚግበር ዝነበረ ዝርርብ ኣብ ዘቋረጸሉ እዩ ተፈጺሙ።

ቀንዲ መንጐይና ሃገረ ኢራን ከም ዘመልከቶ ተህራን መሰላታ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረኺባ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ከም ዘይትቕበል ድማ የመላኽት።

ብዛዕባ ሊባኖስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትስን ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ነቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምጥሓሱ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኸተማታት እስራኤል መጥቃዕቲ ሮኬትን ድሮንን ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ንሰራዊት ደቡባዊ ከባቢ በይሩትን ኬጥቅዕዎን ኸም ዝኣዘዙ ገሊጾም።

መራኸቢ ብዙሓን እስራኤል ከም ዝጸብጸቦ፣ እዚ ውሳነ እዚ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ፣ ወተሃደራዊ ንጥፈታታ ኸተስፍሕ ፍቓድ ድሕሪ ምሃባ፣ ካብቲ ኣብ ደቡብቂ ክፋል እታ ሃገር ዚግበር ንጥፈታት፣ ናብ ርእሰ ኸተማ ዝዓለመ መጥቃዕቲ ኣየር እውን ክትሰጋገር ትደሊ ከም ዘላ ተፈሊጡ።

ኣቦ መንበር ፓርላማ ሃገረ ሊባኖስ ናቢህ በሪ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ዝገለጾ፣ ሂዝቦላ ሰፊሕን ህጹጽን ተዅሲ ደው ናይ ምባል ቈራጽነት ከም ዝገበረ ብምግላጽ፣ እስራኤል ንጥፈታታ ከተቋርጽ ጸቕጢ ንምግባር ኣህጉራዊ ጻዕርታት ክግበር ተማሕጺኑ።

04 Jun 2026, 15:32