ዘተ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘቀራርብ ከም ዘይመስል ይንገር ዘተ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘቀራርብ ከም ዘይመስል ይንገር  (AFP or licensors)

ዘተ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘቀራርብ ከም ዘይመስል ይንገር

ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ዕለት 1 ግንቦት ኢራን “ውዕል ክትገብር ከም እትደሊ” እኳ እንተገለጸ፡ በቲ ዳሕረዋይ እማመ ግን ዕጉብ ከምዘይኮነ ወሲኹ ይገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋላ’ኳ ተኹሲ ደው ምባል እንተተፈጸመ፡ ምስ ኢራን ኣብ ዝሰፍሐ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ወይ ኣብ ኑክልየሳዊዊ መደባታ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምዕባለ ከምዘሎ ዘርኢ ምልክት የሎን።

ብዛዕባ ምኽዕባት ዩራንየም ኢራንን ኩነታት መጻብቦ ሆርሙዝን ገና ብዓቢኡ ንንግዳዊ መስመር ባሕሪ ተዓጽዩ ዘሎ መፍትሒ ንኽርከቦ ክግበር ዝጸነሐ ዘተ ደስኪሉ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ዕለት 1 ግንቦት ኢራን “ውዕል ክትገብር ትደሊ” ክብል እኳ እንተገለጸ፡ በቲ ዳሕረዋይ እማመ ከምዘይዓገበ ወሲኹ ይሕብር። ኢራን ዕለት 30 ሚያዝያ ምሸት ንፓኪስታናውያን መንጐይናታት ዕድመ ከምዘቕረበት እውን እንተነግረ፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ግን ብዛዕባ እዚ ካብ ኢራን ዝቐረበ ዕድመ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ዝኾነ ይኹን ኣብ መወዳእታ ዝበጽሕ ስምምዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዓቕሚ ምኽዕባት ኡራንየም ኢራን ገደብ ዘጠቓልል ክኸውን ትጽቢት ይግበር፡ እዚ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክህሉ ዝኽእል መደብ ኣጽዋር እዩ ዝበለቶ ንምግታእ ዕለት 28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንደሓር ማእከላይ ጉዳይ ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ኢራን ኑክልየሳዊ ንጥፈታታ ንሰላማዊ ዕላማ ምዃኑ ብምግንዛብ ኑክልየሳዊ ጽዋር ንኽህልዋ ዝብል ድላይ ከም ዘይብላ እትገልጽ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኢራንን ካብ ሚያዝያ 2025 ጀሚረን ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ሓድሽ ኑክየሳዊ ድልያ ኢራን ክዘራረባ ጸኒሐን እየን። ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሑ ዝነበረ ብዝሓ - ጎናዊ ስምምዕ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ ምንስሓባን ካብ 2019 ጀሚራ ኢራን ዘበገሰቶ ሓድሽ ኑክልየሳዊ ድልያ ምኽንያት ከም ዝፈረሰ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ዞባዊ ምዕባለታት፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 13 ሰባት - ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም ሊባኖሳውያን - ከም እተቐትሉን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምቁራጽ ተኹሲ ንሰለስተ ሰሙን ዝተናውሐ እኳ እንተኾነ እቲ መጥቓዓቲ ግና ይቅጽል ከም ዘሎ እዩ ዝርአ።

ዕለት 16 ሚያዝያ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ዋሽንግተን ብልኡካን መንግስታት ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ፡ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ከም እተኣወጀ ዝፍለፍጥ ኮይኑ። ክልቲአን ሃገራት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ዘይብለን ከም ዝኾናን ካብ 1993 ጀሚረን ብላዕለዋይ ደረጃ ዘተ ኣካይደን ከም ዘይፈልጥ እውን እዩ ዝንገር።

04 May 2026, 16:12