ድለ

Russian missile strike kills at least 6 in Merefa, Kharkiv region Russian missile strike kills at least 6 in Merefa, Kharkiv region  (ANSA)

ኣብ ሞስኮ ፍሉይ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ዩክረይን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ትፍኑ

ሰበ-ስልጣን ሃገረ ሩስያ ከም ዝገለጽዎ፣ ዮክረይን ደድሕቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሩሳያ ዝፈጸምቶ ደብዳብ፣ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝተፈነወ ደብዳብ እንተ ወሓደ 5 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 37 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ተፈሊጡ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ውጥረት እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰበ-ስልጣን እተን ሃገራት ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሞስኮ ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ መጥፋእቲ ሓውን ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤትን ኣብቲ ደብዳብ እተፈጸመሉ ከቢታት ዝርከብ ነዋሕቲ ህንጻታት ሕይወት ንምድሓን ይጐየዩ ኣለዉ።

ከንቲባ ሞስኮ ሰርጌ ሶብያኒን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ህንጻ ብለይቲ ድሕሪ ምድብዳቡ፣ መጠን እቲ ጕድኣት ግን ንጹር ኣይኰነን ክብል የመልክት።

እዚ ፍጻመ እዚ ካብቲ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዓመታዊ በዓል ዕለት 9 ግንቦት ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ እዩ ተፈጺሙ። ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ዝካየድ ወተሃደራዊ ሰልፊ ብዘይ ኣጽዋር እተዓጥቁ ተሽከርከርቲ ወይ ሚሳይላት ክካየድ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ፣ እዚ ድማ ዩክረይን ደብዳብ ድሮን ክትፍጽም ትኽእል ኢያ ዝብል ስግኣታት ስለ ዘሎ ኢዩ።

ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ሃገረ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንነዊሕ ርሕቐት ብዝውርወር ሚሳይላት መጥቃዕቲ ከፊታ ኣላ፣ እዚ ድማ ኣብ መኽዘን ነዳዲ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምኡውን ወተሃደራዊ ዒላማታት ዝዓለመ ምዃኑ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ጸብጻባት ይህቡ።

ሕነ ምፍዳይ

ድሮናት ካብ ግንባራት ልዕሊ 1,600 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኡራል ከም ዘጥቅዑ እውን ተገሊጹ ኣሎ።

ይኹን እምበር ኪየቭ እዚ ስጕምትታት እዚ፣ ሃገረ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብቐጻሊ መጥቃዕቲ ብምውራድ እትፍጽሞ ዘላ ሕነ ምፍዳይ ምዃኑ ትገልጽ።

ርእሰ ብሔር ቭላዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ዩክረይን ብለይቲ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝቖሰሉን ኣመልኪቱ፣ እዚ እዋን እዚ ንክሬምሊን ምሉእ ብምሉእ ንምዕና ዝዓለመ ምኹኑ ብምግላጽ ይኸሶም።

ሰበ-ስልጣን ዩክረይን ከም ዝገለጽዎ፣ ሰለስተ ሰራሕተኛታት መዓደሊ ነዳድን መንግስታዊ ትካላት ጸዓትን ኣብ ማእከላይ ዞባ ፖልታቫ ኣብ ዝርከብ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ መሳለጥያን ኣብ እተገብረ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ኣለዉ።

ጥርጠራታት ውዕል ምቍራስ ተዅሲ

ክልተ ናይ ህጹጽ ረድኤት ሰራሕተኛታት ኣብቲ ቦታ እውቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝህቡሉ ዝነብሩ እዋን፣ ብተኸታታሊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ሞይቶም ይርከቡ፣ እዚ ድማ ሰበ-ስልጣን "ድርብ መጥቃዕቲ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተቐውሞ ኢዩ ክብሉ ገሊጾም። ብዓሰርተታት ዚቝጸሩ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዘለንስኪ ካብ ትማሊ ረቡዕ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ተዅሲ ናይ ምቍራጽ እማሜ ኣቕሪቡ እኳ እንተ ነበረ፣ ሩስያ ግን መጥቃዕትታታ ደው ከተብሎ እንተ ዀይና ዝሃበቶ መግለጺ የልቦን።

እቲ ኣብ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ መንጎ ሰላማውያን ሰባት ፍርህን ራዕድን የጋድድ ኣሎ፣ ከመይሲ እቲ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ከም ዘብቅዕ ዝሕብር ዝኾነ ምልክት የርኢ የሎን።

07 May 2026, 10:16