ድለ

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካላስ፡ ብዘይ ነጻ ሕትመት፡ ዲሞክራሲ የሎን! ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካላስ፡ ብዘይ ነጻ ሕትመት፡ ዲሞክራሲ የሎን!  (AFP or licensors)

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካላስ፡ ብዘይ ነጻ ሕትመት፡ ዲሞክራሲ የሎን!

ዕለት 3 ግንቦት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ናይ ሕትመት ናጽነት ኣብ እተዘከረሉ ዕለት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳያት ላዕለዋይ ወኪል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ 2025 "ንጋዜጠይናታት እቲ ዝኸፍአ ዓመት" እንክብል ኮኒኑ፡ ትካል ቤት ሓርነት- Freedom House፡ - እተሰምየ ኣብ መላእ ዓለም ናጽነት ዘስፍሕን ዝጣበቕን ዓለም ለኻዊ ትካል፦ 40 ሃገራት ክሳዕ ሕጂ "ናጻ ዘይኮና" እንክብል ኣረጋጊጹ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 3 ግንቦት ፍርቂ መዓልት ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ዕለት 3 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናይ ሕትመት ናጽነት ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው "መሰል ናይ ሕትመት ናጽነት ሓድሓደ ግዜ ብግህዶ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብሕቡእ ኣገባብ ዝጠሓስ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 3 ግንቦት ኣብ 1993 ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተደሪኹ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናጽነት ሕትመት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ከም እተወሰነን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 3 ግንቦት ፍፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተርኽብሉ ጉባኤ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣገዳስነት እቲ ዝኽሪ ገሊጾም፡ ህይወት እቶም ብዛዕባ ግፍዒ ግጭታት ጸብጻብ ንምሃብ ዝሞቱ ጋዜጠይናታት ብፍሉይ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕለት 3 ግንቦት መዓልቲ ናይ ሕትመት ናጽነት

ዕለት 3 ግንቦት ምልክት ነጻ ሓበሬታን ሓላፍነትን ኮይኑ፡ ኣብ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ማእከላይ ተራ ይጻወት። ምርጫ ዕለት 3 ግንቦት ናብቲ ኣብ 1991 ኣብ ዊንድሆክ ናሚብያ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝምለስ ኮይኑ፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣዋጅ ዊንድሆክ ዝፈጠረ እዩ። ናጽነት፡ ብዙሕነት፡ ናጽነት መራኸቢ ብዙሃንን ኣዕኑድ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኖም ዝገልጽ እቲ ናይ ዊንድሆክ ናይ ውሳነ ሰነድ፡ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ብናጽነት ሓሳቡ ናይ ምግላጽን ብዘይ ዶብ ሓበሬታ ናይ ምድላይን ምቕባልን ምዝርጋሕን መሰል ንምውሓስ ዝወስድ ቁልፊ ስጉምቲ ዘጉልሕ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተራእየ ምዕባለታት እኳ እንተሃለወ፡ ዓለማዊ ስእሊ ግን ገና ዝተሓላለኸን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ ፍጹም ድንግዝግዝ ዝበለን እዩ።

ትካል ቤት ሓርነት፡ 40 ሃገራት ክሳብ ሕጂ ነጻ ኣይኮናን

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ቤት ሓርነት- Freedom House፡ ኣስታት 40 ሃገራት ክሳብ ሕጂ "ናጻ ዘይኮና" ተባሂለን ከም ዝምደባን፡ ብቐንዱ ኣብ ኤስያን ኣፍሪቃን፡ ዋላ'ኳ ብሓፈሻ ምስ ዝሓለፈ ክነጻጸር እንከሎ  ኣብ መላእ ዓለም ምንቁልቋል እንተተራእየ። "ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት መሰላትን ናጽነትን ተደሪቶም እኳ እንተነበሩ፡ ናይ ሕትመት ናጽነት፡ ናጽነት ውልቃዊ ሓሳብካ ምግላጽን ግቡእ መስርሕን ግን ዝኸበደ ጽልዋታት ኣጋጢምዎም እዩ። ብዕልዋታት፡ ብዕጥቃዊ ግጭታት፡ ዝተመርጹ መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስያዊ ትካላት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ብዝሓየለ ዓፈና ምልካውያን ስርዓታት ኣብዘን ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ቀንዲ መንቀሊ ዕንወት ናይ ሕትመት ናጽነት ተራእዩ እዩ" እንክብል ኣብ ዘውጸኦ ዳሕረዋይ ጸብጻብ 2026 ከመልክት እንከሎ’፡ቅድሚ ሒደት መዓልታት ደቦ ኣልቦ ትካል ጋዜጠይናታት እውን ናይ ሕትመት ናጽነት ኣዚዩ ድሩት እናኾነ ይኽይድ ኣሎ እንክብል ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካላስ፡ 2025 ንጋዜጠይናታት ዝቐተለ ዓመት

"2025 ብደረጃ ዓለም ንጋዜጠይናታት ዝቐተለት ዓመት እያ ነይራ። ቅትለት ጋዜጠይናታትን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓንን - ኣብቲ ሩሲያ ኣንጻር ዩክሬን ዘበገሰቶ ምጥቃዕ ኲናትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭታትን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቓዛን ሊባኖስን ከምኡ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ግጭታትን - ብዕምቆት ክምርመር ኣለዎ፡ እቶም ተሓተትቲ ድማ ንፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም" ዝበለት ላዕለዋይ ወኪል ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ሕብረት ኤውሮጳ ካያ ካላስ ኣብቲ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ሕትምነት ኣብ ዝመሓላለፈቶ መልእኽቲ ኣስዒባ፡ "መሰል ምርካብ ሓበሬታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። ምፍርራህ – ብመርበብ ይኹን ኣብ መስመርን ካብ መስመር ወጻኢ – ከምኡውን ኣንጻር ህዝባዊ ተሳትፎ ዝቐርብ ስነ ስልታዊ ክስታት ኣብ መንጎ ጋዜጠይናታት ርእሰ - ዕግተት ከም ዝሰፈሐን እዚ እውን ንናጽነት ሕትመት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ። ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ብውልቀ - መለኽቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠይናታት ዝፍጽምዎ ምፍርራህን ጭቈናን ብፍላይ ከኣ ነቲ ስርዓት ኢራን ዝፍጽሞ ዓመጽን ጭቈናን ንዅንን። መንግስታት ንጋዜጠይናታት ካብ ሃሳዪ ክሲ ንምዕቋብ ድልዱል ሕጋዊ መሰረት ከቝሙ ኣለዎም" ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተራ ዲሞክራሲ

ደሞክራሲ ኣብ ናይ ሕትመት ናጽነት መሰረታዊ ተራ ኣለዎ ዝበለት ካላስ ኣስዒባ "ብዘይ ናጻ ሕትመት ደሞክራሲ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ዓንዲ እዩ። ተበጻሕነት መራኸቢ ብዙሃን፡ ምስ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ተራ ረብሓታት ዘይኮነስ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ኣህጉራዊ ሕጊ ንጹር እዩ፡ ጋዜጠይናታት ኩሉ ግዜ ክሕለዉ ኣለዎም። ስርሖም ብናጽነት፡ ብዘይ ዘይግቡእ ምትእትታው፡ ብዘይ ፍርሒ ዓመጽ፡ ምግፋዕ፡ ምፍርራሕ፡" ክፍጽሙ ክኽእሉ ኣለዎም። ስደት፡ ወይ ምስጓግ እዚ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ግጭት ዘጋጥም እዩ፡ ጋዜጠይናታት ኣብ ክውንነት ኲናት፡ ዝፍጸሙ ከበድቲ ገበናት ዘቃልዑ እያቶም” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ተወፋይነት ሕብረት ኤውሮጳ

ስለዚ ሕብረት ኤውሮጳ "ነጻ፡ ብዙሕነታዊ፡ ዘይጽግዕተይናን ጽፉፍን ጋዜጠይናነት ኣንጻር እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጢ ንምክልኻል ዘለዎ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ይገልጽ" ብምባል ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ትዛዝም።

04 May 2026, 16:09