እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ሓያሎ ኸባቢታት መጥቃዕቲ ኣየር ትፍኑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሰራዊት እስራኤል ንተቐማጦ ደቡባዊ ሊባኖስን ኣብ ወሽመጥ በካን ሓድሽ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ፣ ኣብ መላእ ሃገረ ሊባኖስ ሓድሽ ማዕበል ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ይፍኑ ኣሎ።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ሰባት እንተላይ ሓላፊ ምምሕዳር ከተማ ዜላያ ኣሊ ቃሲም ኣሕመድን ሰለስተ ኣባላት ስድራቤቱን ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራባዊ ቤካ ኣብ እትርከብ ዜላያ ኣብ ቤቶም ወቒዖም፣ ሰለስተ ኻልኦት ድማ ምስኣቶም ዝንበሩ ቈሲሎም ይርከቡ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ሊባኖስ 25 ቦታታት ከም ዘጥቅዑ ብምግላጽ፣ ሕዝቦላህ ንወተሃደራዊ ዕላማ ዝጥቀመሉ ህንጻታት ምዃኑ ገሊጾም።
ብመሰረት ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ሕዝቦላህ ናይ ነፋሪቲ ደብዳባት ናብ እስራኤል ፈንዩ ይርከብ ኣሎ።
እቶም ጕጅለ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንዝነበሩ ወተሃደራት እስራኤል ድሮናትን ሮኬትን ተጠቂሞም ብምድብዳብ ክልተ ወተሃደራት ኣቝሲሎም ኣለዉ። ሕዝቦላህ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ መጥቃዕትታት ነቲ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ግብሪ ዘውዓለቶ ተነቃፊ ተዅሲ ናይ ምቍራጽ ውዕል ከም ዝጠሓሰን ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑን ይገልጽ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ሶርያ ንላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዘጥቅዕ ዓብዪ ውዲት ግብረ-ሽበራ ከም ዝፈሸለን፣ ምስ ሕዝቦላህ እተተሓሓዘ ኽፍሊ ኸም ዘፍረሰን ድማ ገለጸ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ከም ዝገለጾ፣ ኣብ ደማስቆ ኣሌፖ ሆምስ ታርቶስ ላታክያ ኣብ ሓደ እዋን እተገብረ ወራር ብዙሓት ጥርጡራት ከም እተኣስሩ ገሊጺ ኣሎ።