ድለ

ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ እናሓየለ ይኸይድ፡ ዝያዳ ሞትን ምምዝባልን የስዕብ ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ እናሓየለ ይኸይድ፡ ዝያዳ ሞትን ምምዝባልን የስዕብ 

ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ እናሓየለ ይኸይድ፡ ዝያዳ ሞትን ምምዝባልን የስዕብ

ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኢራንን ዘሎ ግጭት ናብ ራብዓይ ወርሑ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ሂዝቦላህ ዝያዳ መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ብምቕታልን ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናዓሞቐ ክኸይድ ይገብር ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እስራኤል ዕለት 28 ግንቦት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንትሕተ ቅርጺ ሂዝቦላሕ ዒላማ ዝገበረ ተኸታታሊ መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸመትን እዚ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ክቱር ሓይሊ ብምጥቃም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ምዃኖም ንነበርቲ ናይቲ ከባቢ ናብ ሰሜን ሩባ ዛህራኒ ክግዕዙ ዝሃብዎ መጥቕንቀቕታ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ ዝተፈጸመ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ ሚያዝያ 17 ደው ምባል ተዂሲ እቲ ዝዓበየ ነበርቲ ናይ ምውጻእ ትእዛዝ እውን ምዃኑን እስራኤልን ሂዝቦላህን ብተደጋጋሚ ጥሕሰት ዕርቂ ብምፍጻም ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ከም ዘለዎን ኣብ መላእ ሊባኖስ ድሕሪ እቲ ዕለት 2 መጋቢት ዝጀመረ ምብራኽ ውጥረትን ግጭትን ኣስታት 1 ሚልዮን ሰባት ከም እተመዛበሉ እዩ ዝንገር።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ እውን ብወገኑ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ብውሕዱ 3,213 ሰባት ከምዝሞቱ ብወግዒ ከም ዘፍለጠን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰራሕተይናታት ጥዕናን መሳለጥያታትን 169 መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸመን 116 ሰባት ከምዝሞቱን የረጋግጽ።

እስራኤል ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዶብ 23 ወተሃደራትን 4 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ትሕብር።

ኢራን

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ግጭት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ናብ ራብዓይ ወርሒ ኣብ ዘብለሉ ዘሎ እዋን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ኢራን ድሕሪ ዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ቦታ ከይገለጸ ኣብቲ ዞባ ንዝርከብ መደበር ኣየር ኣሜሪካ ዒላማ ከምዝገበረ ክሕብር እንከሎ፡ እንተኾነ ግን ኩዌት - መደበር ኣሜሪካ እተአንግድ - "ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን" ከምዝዓገተት ትገልጽ።

ኣቐዲሙ፡ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ከም ዘውደቐን ንወተሃደራዊ ቦታ ከም ዝሃረመን ኣፍሊጡ ከም ዝነበረን መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ዳሕረዋይ ደብዳባት ንመሰል ርእሰ ምክልኻል ዝተፈጸመን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ዝፍጸም ዘሎ ስጉምቲ እዩ ይብል። እዚ ዳግማይ ተጻብኦታት እዚ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስንኩፍ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ሓደጋ የእትዎ ከም ዘሎ ይንገር።

29 May 2026, 16:17