ድለ

ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ፈረንሳዊት መነኮስ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ፈረንሳዊት መነኮስ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ 

ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ፈረንሳዊት መነኮስ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ሓይሊ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ተቕዋም ስነ መጽሓፍ ቅዱስን ስነ ጥንትን ፈረንሳ ተመራማሪት ኮይና እትሰርሕ ፈረንሳዊት መነኮስ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወዲ 36 ዓመት ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ተቕዋም ስነ መጽሓፍ ቅዱስን ስነ ጥንትን ፈረንሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ቀንዲ ሓላፊ ኣባ ኦሊቨር ፖኪሎን ነቲ ዕለት 28 ሚያዝያ ኣብ ጥቓ መቓብር ንጉስ ዳዊት ኣብ ደብረ ጽዮን ኣብ  ልዕሊ ሓንቲ መነኮስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጠቒሶም ዕለት 30 ሚያዝያ ኣብ ኤክስ ማርሕበራዊ መርበብ ኣብ ዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኦም “መዓት ጽልኢ ናይ ሓባር ብድሆ እዩ” እንክብሉ ከም ኣባ ፖኪሎ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጓል 48 ዓመት ፈረንሳዊት ተመራማሪትን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ተቕዋም ምርምር ስነ መጽሓፍ ቅዱስን ስነ-ጥንትን ፈረንሳ ሓደ እስራኤላዊ ብሓይሊ ደፊኡ ናብ መሬት ክትወድቕ ከም ዝገበረን ብሓይሊ ጸጥታ ዝተዘርገሐ ምስሊ ከም ዝሕብሮ እታ መነኮስ ኣብ የማናይ ሸነኽ ገጻ ቁስሊ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዓመጽ

ዕለት 29 ሚያዝያ ሓይሊ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እታ መነኮስ መጥቓዕቲ ዘውረደ ተጠርጣሪ ወዲ 36 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዎ ክሕብር እንከሎ ኣኽበርቲ ሕጊ ንዝኾነ “ብዓሌታዊ ዕላማ ዝተደፋፍአን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ሰብ ውፉይ ይህወትን ዝቐንዐን” ዝኾነ ይኹን ተግባር ዓመጽ “ብዝለዓለ ዕቱብነት” ከምዝሕዝዎ የረጋግጹ።

ኣባ ፖኪሎን ነቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ዝካየድ፡ “ነቶም ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ክሕግዙ ዝመጹ፡ ከምኡ’ውን ልኡካን ሃገራትን ምሁራትን ንኹሎም ደገፍ ዝሃቡን” ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምሕላው ናጽነት ኣምልኾ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ቀንዲ ኣመሓዳሪ ተቕዋም ስነ መጽሓፍ ቅዱስን ስነ-ጥንቲን ፈረንሳ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ መነኮስ ዝተፈጸመ “ዘይምኽንይታዊ መጥቃዕቲ” ብትሪ ከም ዝኾነኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ኣብ ዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ዘሕፍር ተግባር” እንክብል ብምግላጽ፡ እስራኤል “ንኹለን እምነታት ናጽነት ሃይማኖትን ናጽነት ኣምልኾን ንምሕላው” ተወፋይነት ኣለዋ ቢሉ፡ እቲ ነቲ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዘሎ ኣነጺሩ፡ “ኣንጻር ዓመጽ ጽኑዕ ስርዓትን ገበነይናታት ብቕልጡፍ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ዘለዎ ቆራጽነትን” ከም ዝረጋገጸ ኣፍሊጡ፡ "ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ውልቀሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ሕብረተሰብና ቦታ የብሉን" ከምዝ በለ ዜና የመላኽት።

እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልኢ

ኣብ መንበረ ጥበብ እብራይስጢ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ስነ ትምህርቲ ሰብኣዊ ስነፍልጠት እውን በቲ ዝወረደ መጥቓዕቲ ዝተሰምዖ “ዓሚቝ ስንባደ” ብምግላጽ ኮኒኑ ኣስዒቡ፡ "እዚ ዝተነጸለ ፍጻመ ዘይኮነስ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስትያን እናዓበየ ናይ ዝኸይድ ዘሎ ጽልኢ ዘጨንቕ ቅዲ ምልክት እዩ" ከም ዝበለን፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሰፊሕ ውግዘት ዘስዓበ ክልተ ወተሃደራት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ እትርከብ ቁሸት ደቤል ንሓወልቲ ኢየሱስ ድሕሪ ምፍራሶም ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ካብ ዝርሖም ከም ዝሰጎጎም ዜና ቫቲካን ምንጭታት እስራኤል ጠቒሱ ይሕብር።

01 May 2026, 14:53